ትንቢት ኤርምያስ 6

BCVትግርኛ30 ፍቕድታት5:45 ስማዕ
ስማዕ 5:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ።

2ነዛ ፅብቕትን ሕንቅቕትን ጓል ፅዮን ከጥፍኣ እየ።

3ጓሶት ምስ መጓሰታቶም ናብኣ ይመፁ። ድንኳናቶም ከዓ ኣብ ዙርያኣ ይተኽሉ፤ ነፍሲ ወከፍ በብወገኖም ድማ ኣብኣ መጓሰኦም የዋፍሩ።

4“ክትዋግእዋ ተዓጠቑ፤ ተስኡ ቐትሪ እንተሎ ንውፃእ፥ ምድሪ መስዩ እዩ፤ ፅላሎት ምሸት ከዓ ነዊሑ እዩሞ ወይለና።

5ተስኡ ብለይቲ ንውፃእ፤ ነዳራሻታታውን ነፍርሶ።”

6ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣእዋማ ቝረፁ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ ብቕፅሪ ኽበብዋ። ብዅሉ ወገና ዓመፅን ግፍዕን ኣለዋ እሞ፥ እትቕፃዕ ከተማ እያ።

7ዒላ፥ ማይ ከም ዘፈልፍል፥ ከምኡ ኸዓ ኽፍኣት ተፈልፍል ኣላ። ኣብኣ ዓመፅን ጥፍኣትን ይስማዕ ኣሎ፤ ሕማምን ቍስልን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ።

8ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ኸይሓድገክን፥ ሰብ ዘይብላ ምድረ በዳውን ኸይገብረክስ ተግሳፅ ተቐበሊ።”

9ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብ ወይኑ ኸም ዝቕርም ከምኡ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤል ክቕርምዎም እዮም፤ ከምቲ ኣራዪ ዘቢብ ኣብ ሃረግ ዝገብሮ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።”

10ኣነ ኸዓ “እንሆ እዝኖም ዘይተገረዘ፥ ክሰምዑ ዘይኽእሉ እዮም። ንቓል እግዚኣብሄር ከም ነውሪ ስለ ዝቘፀርዎ፥ ደስ ኣየብሎምን እዩ። እሞኸ ደኣ ምእንቲ ኽሰምዑስ ንመን እየ ዝዛረብ? ንመንከ እየ ዘጠንቅቕ?

11ስለዙይ ብቝጥዓ እግዚኣብሄር ተመሊአ ኣለኹ፤ ክዕገስ ድማ ኣይክእልን። ኣብ ሜዳ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣብቶም መናእሰይ ባይቶን ኣሕቢርካ ኣፍስሶ፤ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኽውሰዱ እዮም፤ ኣረጋውያንውን ምስ ጐበዝ ክተሓዙ እዮምሞ።

12ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየሞ፥ ኣባይቶም፥ ገራሁኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ንኻልኦት ክኾኑ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።

13ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም፥ ኵላቶም ስሰዐ ዝሓስቡ እዮም። ካብ ነቢይ ጀሚሩ ኽሳዕ ካህን ብተንኰል ይሰርሑ።

14ሰላም ዘየለስ፥ ሰላምዩ እናበሉ፥ ንመውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።

15ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ምንም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ምስ ቀፃዕኹዎም ከዓ ፃሕ ኢሎም ክወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

16እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።

17ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ።

18“ኣቱም ኣህዛብ ስምዑ፤ ኣቱም ማሕበር፥ እቲ ዝመፆም ዘሎ ፍለጡ።

19ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፤ ንሕገይ ከዓ ደርብዮምዎ እዮምሞ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መዓት ከውርደሎም እየ፤ እዙይ ከዓ ፍረ ሓሳቦም እዩ።

20ስለ ምንታይ ዕጣን ካብ ሳባ፥ ምዑዝ ቃንጫ ድማ ኻብ ርሑቕ ሃገር እተቕርቡለይ? ዝቃፀል መስዋእትኹም ደስ ኣየብለንን እዩ፤ እቲ ኻልእ መስዋእትኹምውን ኣየብህገንን እዩ።

21ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ መዐንቀፊ እምኒ አንብር ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣቦታትን ውሉድን ሓቢሮም ክዕንቀፉ፥ ጐረቤትን ዓርኩን ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

22እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመፁ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይለዓል።

23ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ፥ ጨካናት፥ ምሕረትውን ዘይብሎም እዮም። ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ይቕመጡ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰልፊ ኸም ዝተዳለወ ሰብ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለዉ።”

24“ወረኦም ሰማዕና፤ ኢድና ደኺማ ኣላ። ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ወላድ ሰበይቲ ቕልውላው ጭንቂ ሓዘና።

25ሰይፊ ፀላኢን፥ ፍርሓትን ኣብ ኵሉ ወገን ኣሎሞ፥ ናብ መይዳ ኣይትውፅኡ፤ ብመንገድታትውን ኣይትኺዱ።”

26“ኣቲ ጓል ህዝበይ፥ እቲ መጥፍኢ ብድንገት ክመፀና እዩ እሞ ኸሊ ተኸደኒ፤ ኣብ ሓሙዅሽቲ ፈፈው በሊ፤ ንሓደ ወዳ ኸም እትሓዝን ሕዘኒ፤ መሪር ብኽያትውን ብኸዪ።

27መንገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምሮምን ኣብ ማእኸል ህዝበይ ፈታኒ ገይረ ኣቖምኩኻ።

28ኵላቶም የመና ዓመፀኛታት እዮም፤ ከም ነሃስን ሓፂንን ዝተረሩ ጠለምትን ከዳዓትን እዮም። ኵላቶም ሓሜት እናዘርኡ ይኸዱ፤ ነሃስን ሓፂንን እዮም፤ ብልሽዋት እዮም።

29እቲ መናፍሕ ይነፍሕ፤ እቲ ዓረር ብሓዊ መኸኸ። እቶም ክፉኣት ካብ መንጎኣቶም ስለ ዘይተፈልዩ ኸዓ ንህዝበይ ምንፃህ ከንቱ እዩ።

30እግዚኣብሄር ኣወጊድዎም እዩሞ ‘ዝተወገዱ ብሩር’ ኢሎም ክፅውዕዎም እዮም።”

ትርጓሜ

6:1-8 ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ፣ ፍርዲ ኣምላኽ ምብኣስ ከንቱ እዩ። ኣብ ተድላታት ናይዛ ህይወት ብዝኸድና መጠን፣ ንጸገማት ናይዛ ህይወት ብዝያዳ ዘይብቑዓት ንኸውን። ሰራዊት ከለዳውያን ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺኣትዉ፣ ኣብ ውሑድ እዋን ከኣ ንኹሉ ኺውሕጥዎ እዮም። እታ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ፣ እቶም ብሓጢኣታዊ መገድታት ግዲ ዘይብሎምን ዕጉባትን ዝኾኑ ኺብጽሑላ እዮም። ንዘለኣለማዊ ምድሓን ክንሰርሕ ከሎና፣ ንጸላእቲ ናይቲ ምድሓን ከኣ ክንዋጋእ ከሎና ክንዘናጋዕ ዕሽነት እዩ። ግናኸ ንሳቶም ብኸምዚ ተሃንጥዮም ነበሩ፣ ንምኽሪ ኣምላኽ ንምፍጻም ዘይኮነስ፣ ንብልዓቶም ንምምላእ እዩ። ይኹን እምበር፣ ኣምላኽ በዚ ገይሩ ዕላማታቱ ፈጺሙ። እቲ ጥሙቕ ልቢ ሰብ፣ ብባህርያዊ ኩነታቱ፣ ከምቲ ምንጪ ማያታ ዝደፍእ፣ ሕማቕ ሓሳባት የውጽእ። ኩሉሳዕ ይውሕዝ፣ ግናኸ ኩሉሳዕ ምሉእ እዩ። እቲ መሓሪ ኣምላኽ ካብቲ ዘናድይዎ ህዝቢ'ውን ንምፍላይ የጸግሞ እዩ፣ ብንስሓን ብምምሕያሽን ነገራት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከይበጽሑ ከም ዝከላኸሉ ኸኣ ብምሕጽንታ ይዕድሞም።

6:9-17 ጐይታ ንበቀል ኪለዓል ከሎ፡ ዝኾነ ይኹን በድለኛ ብዕድሚኡ ይኹን ብደረጃኡ፡ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ኣንስተይቲ ኸኣ ኣይሃድምን እዩ። ንሳቶም ኣብ ዓለም ተተኺሎም ነበሩ፡ ብፍቕሪኣ ኸኣ ብምሉኡ ተሰሓቡ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እናንተ የብንያም ልጆች፥ ክፉ ነገር ታላቅም ጥፋት ከሰሜን ይጐበኛልና ከኢየሩሳሌም ውስጥ ሽሹ፥ በቴቁሔ መለከቱን ንፉ፥ በቤትሐካሪም ላይ ምልክት አንሡ። አማርኛ ENGNIV “Flee for safety, people of Benjamin! Flee from Jerusalem! Sound the trumpet in Tekoa! Raise the signal over Beth Hakke… English GAZBIB Waaqayyo,“Yaa ijoollee Benyaamiin, badiisi biyya gara bitaatii sababii dhufaa jiruuf, diigamuu guddaanis waan dhi'aatee… Afaan Oromoo BCV GIZ ጽንዑ ደቂቀ ብንያም በማዕከለ ኢየሩሳሌም ወበቴቁሔ ንፍሑ ቀርነ፡ ወንሥኡ ትእምርተ በቤተ ካሪም፡ እስመ ሐወፀት እኪት እምነ መስዕ ወይከውን ዓቢይ ቅጥቃጤ። giz GAZGAZ Waaqayyo,“Yaa ijoollee Benyaamiin, badiisi biyya gara bitaatii sababii dhufaa jiruuf, diigamuu guddaanis waan dhi'aatee… Afaan Oromoo BCV aksum ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ። ትግርኛ AMHNIV “እናንት የብንያም ልጆች፤ ክፉ ነገር፣ ታላቅም ጥፋት ከሰሜን ድንገት ይመጣልና፣ ከኢየሩሳሌም ሸሽታችሁ አምልጡ፤ በቴቁሔ መለከትን ንፉ፤ በቤትሐካሪም ላይ ምልክት ከፍ አድርጋችሁ አሳዩ። አማርኛ SWAHSUV Kimbieni mpate kuwa salama, enyi wana wa Benyamini; tokeni katika Yerusalemu, pigeni tarumbeta katika Tekoa, simamishen… Kiswahili