ትንቢት ኤርምያስ 45

BCVትግርኛ5 ፍቕድታት1:26 ስማዕ
ስማዕ 1:26 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኣተን፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ክፅሕፈን እንተሎ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ንባሮክ ወዲ ኔሪ ዝነገሮ ቓል እዙይ እዩ።

2እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ባሮክ!

3ንስኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ሕማመይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩሞ ወይለይ! ካብዙይ ዝተልዓለ ደኺመ ኣለኹ፤ ዕረፍቲውን የብለይን’ ኢልካ ኢኻ።

4“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ነቲ ዝሰራሕኽዎ ኣፍርሶ፤ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸዓ እብቍሶ ኣለኹ። ነዙይ ከዓ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኽገብሮ እየ።

5እሞኸ ንስኻ ንርእስኻዶ ዓብዪ ነገር ትደሊ ኣለኻ? እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ መዓት ከውርድ እየሞ፥ ኣይትድለዮ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ግና ኣብ ኵሉ እትኸዶ፥ ንነፍስኻ ኸም ምርኮ ገይረ ኽህበካ እየ።”

ትርጓሜ

45:1-5 ንባሮክ እተላእከ ምትብባዕ።

ባሮክ ንትንቢታት ኤርምያስ ብምጽሓፍን ብምንባብን ይሰርሕ ነበረ (ሓው. ኤር 36 ርአ)፣ እሞ ብሰሪ እዚ ብንጉስ ተፈራረኸ። ብእምነት ሓደስቲ ዝጀመሩ መንእሰያት፣ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ፈለማ ዘጋጥሞም ንኣሽቱ ሽግራት ብቀሊሉ ተስፋ ከቑርጽ ይገብሮም። እዚ ናይ ትርርታትን ፍርሕታትን ካብቲ ኣብኡ ዝነበረ ምብልሻው ዝመንጨወ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በይሁዳ ንጉሥ በኢዮስያስ ልጅ በኢዮአቄም በአራተኛው ዓመት የኔርያ ልጅ ባሮክ እነዚህን ቃሎች ከኤርምያስ አፍ በመጽሐፍ በጻፋቸው ጊዜ፥ ነቢዩ ኤርምያስ የተናገረው ቃል ይህ ነው። አማርኛ ENGNIV This is what Jeremiah the prophet told Baruch son of Neriah in the fourth year of Jehoiakim son of Josiah king of Judah… English GAZBIB Ani Ermiyaas, Yehoyaaqiim ilmi Yosiyaas biyya Yihudaa irratti mo'ee waggaa afuraffaa isaatti, Baaruk ilma Neriiyaatti n… Afaan Oromoo BCV GIZ ነገር ዘነገሮ ኤርምያስ ነቢይ ለባሮክ ወልደ ኔርዩ አመ ጸሐፈ እሎንተ ቃላት ውስተ መጽሐፍ እምአፈ ኤርምያስ ነብይ በራብዕ ዓመተ መንግሥቱ ለኢዮአቄም ወልደ ኢዮስያስ ንጉሠ ይሁዳ። giz GAZGAZ Ani Ermiyaas, Yehoyaaqiim ilmi Yosiyaas biyya Yihudaa irratti mo'ee waggaa afuraffaa isaatti, Baaruk ilma Neriiyaatti n… Afaan Oromoo BCV aksum ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኣተን፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ክፅሕፈን እንተሎ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ንባሮክ ወዲ ኔሪ ዝነገሮ ቓል እዙ… ትግርኛ AMHNIV በይሁዳ ንጉሥ በኢዮስያስ ልጅ በኢዮአቄም ዘመነ መንግሥት በአራተኛው ዓመት፣ ኤርምያስ በቃል የነገረውን ባሮክ በብራና ላይ ከጻፈ በኋላ፣ ነቢዩ ኤርምያስ ለኔርያ ልጅ ለባሮክ የተናገረው ይህ … አማርኛ SWAHSUV Neno hili ndilo ambalo Yeremia, nabii, alimwambia Baruku, mwana wa Neria, alipoyaandika maneno haya katika kitabu kwa k… Kiswahili