ትንቢት ኤርምያስ 34

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት5:05 ስማዕ
ስማዕ 5:05 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሉ ሰራዊቱን፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዝግዝኡ ዝነበሩ ዅሎም መንግስታት ምድርን ኵሎም ህዝብታትን፥ ምስ ኢየሩሳሌምን ምስ ኵለን ከተማታታን፥ ይዋግኡ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦

2ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸባርዓ እዩ።

3ንስኻ ኸዓ ብርግፅ ተትሒዝካ ናብ ኢዱ ኽትወሃብ ኢኻ እምበር፥ ካብ ኢዱ ኣይተምልጥን ኢኻ፤ ዓይንኻውን ንዓይኒ ንጉስ ባቢሎን ክትርኢ እያ፤ ንሱውን ኣፍ ንኣፍ ምሳኻ ኽነጋገር እዩ። ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ።

4ግና ኣታ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ይብል፦ ‘ብሰይፊ ኣይትመውትን ኢኻ።’

5ብሰላም ክትመውት ኢኻ፤ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት ኣቦታትካ ዘቃፅሉሎም ዝነበሩ ኸቃፅሉልካ እዮም፤ ‘ዋይ ዋይ ጐይታና’ እናበሉ ድማ ኸልቅሱልካ እዮም፤ ኣነ ባዕለይ እዝ ቓል እዙይ ተናጊረ እየሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

6ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን፥ ንኢየሩሳሌምን ነተን ተሪፈን ዝነበራ ዅላተን ከተማታት ይሁዳን፥ ነተን ካብ ከተማታት ይሁዳ ተዓሪደን ተሪፈን ዝነበራ፥ ላኪሶን ኣዜቃን ክዋጋእ እንተሎ፥ ኤርሚያስ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኵለን እዘን ቃላት እዚኣተን ነገሮ።

8ንጉስ ሴዴቅያስ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ፥ ሓርነት ባሮቶም ክእውጁ ቓል ኪዳን ምስ ኣተወ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።

9እቲ ኪዳን ከዓ ነፍሲ ወከፎም፥ ዕብራውያን ንዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ “ሓደ እኳ ንኣይሁዳዊ ሓዉ፥ ባርያ ኸይገብር” ዝብል ነበረ።

10ኣሕሉቖምን ኵሎም ህዝብን ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ ድሕሪዙይ ከዓ ባሮት ከይገብርዎም፥ ቃል ኪዳን ኣተዉ፥ ሓራውን ኣውፅእዎም።

11ደሓር ግና መሊሶም፥ ነቶም ሓራ ኣውፂኦምዎም ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም መለስዎም፤ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮት ገይሮም ድማ ገዝእዎም።

12ስለዙይ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፤

13እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብፂ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹላ መዓልቲ ኸምዙይ ኢለ ምስኣቶም ኪዳን ኣተኹ፤

14‘ሸውዓተ ዓመት ምስ ተፈፀማ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ንኣኻትኩም ንባርነት ዝሸጠ እሞ፥ ሽዱሽተ ዓመት ዝተገዝአኩም ዕብራዊ ሓውኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ሓራ ኣውፅእዎ፤’ ግና ኣቦታትኩም ኣይሰምዑንን ኣእዛኖምውን ፅን ኣየበሉን።

15ንስኻትኩም ሎሚ ተመሊስኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ንብፃዩ ሓራ ምውፃእ ብምእዋጅኩም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት ድማ፥ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣተኹም።

16ግና ተመሊስኩም ንስመይ ኣርከስኩምዎ፤ ነቶም ሓራ ኣውፂእኹም፥ ናብ ዝደለይዎ ክኸዱ ዝሰደድኩምዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መለስኩምዎም፤ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከዓ ገዛእኹምዎም።

17ስለዙይ ሕዚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ኸዓ እንሆ ንውግእን ፌራን ጥሜትን ‘ሓርነት’ እእውጀልኩም ኣለኹ። ንዅሎም መንግስታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኮኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

18ኣነ ነቶም ቃል ኪዳን ዝተሓላለፉ ሰባት፥ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸዓ ሓሊፎም፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን ዘይሓለዉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ክልተ ዝመቐልዎ ምራኽ ክገብሮም እየ።

19ነቶም ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሓለፉ ኣሕሉቕ ይሁዳን ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥

20ኣብ ኢድ ፀላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ሬሳኣቶም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ክኸውን እዩ።

21ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን እውን፥ ናብ ኢድ ፀላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩ ሰባትን፥ ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሓቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።

22እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለ??? ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

ትርጓሜ

፴፬፡፩-፯ ጼድቅያስ እታ ከተማ ኸም እትብሓት፡ ንሱ ድማ ብምርኮ ኸም ዚመውት፡ ግናኸ ብተፈጥሮ ሞት ኪመውት ምዃኑ ተነግሮ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኾይኑ ንስሓ ገይሩ ኪነብርን ኪመውትን፣ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኾይኑ ንንስሓ ዘይተመለሰ ኾይኑ ኪነብርን ኪመውትን ካብ ምዃን ይሕሸ።

34:8-22 ሓደ ኣይሁዳዊ ካብ ሾውዓተ ዓመት ንላዕሊ ብባርነት ክትሓዝ የብሉን። ነዚ ሕጊ እዚ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ገሲሶምዎ ነይሮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የባቢሎን ንጉሥ ናቡከደነፆርና ሠራዊቱ ሁሉ ከእጁም ግዛት በታች ያሉ የምድር መንግሥታት ሁሉ አሕዛብም ሁሉ ኢየሩሳሌምንና ከተሞችዋን ሁሉ ይወጉ በነበረ ጊዜ፥ ከእግዚአብሔር ዘንድ ወደ ኤርምያ… አማርኛ ENGNIV While Nebuchadnezzar king of Babylon and all his army and all the kingdoms and peoples in the empire he ruled were figh… English BCV ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሉ ሰራዊቱን፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዝግዝኡ ዝነበሩ ዅሎም መንግስታት ምድርን ኵሎም ህዝብታትን፥ ምስ ኢየሩሳሌምን ምስ ኵለን ከተማታታን፥ ይዋግኡ ኣብ ዝነበሩሉ… ትግርኛ GAZBIB Yeroo Nebukadnezaar mootiin Baabilon loltoota isaa hundumaa fi mootummoota biyya lafaa irra jiran warra harka isaa jala… Afaan Oromoo BCV GIZ ቃል ዘኮነ ኀበ ኤርምያስ እምኀበ እግዚአብሔር፡ ናቡከደነፆር ንጉሠ ባቢሎን ወኵሉ ሠራዊቱ፡ ወኵሎሙ መንግሥታተ ምድር ያነሥኡ እደ፡ ወኵሉ አሕዛበ ምድር ይትቃተልዋ ለኢየሩሳሌም፡ ወለኵሉ አሕጉ… giz GAZGAZ Yeroo Nebukadnezaar mootiin Baabilon loltoota isaa hundumaa fi mootummoota biyya lafaa irra jiran warra harka isaa jala… Afaan Oromoo AMHNIV የባቢሎን ንጉሥ ናቡከደናፆርና ሰራዊቱ ሁሉ፣ በግዛቱም ሥር ያሉ መንግሥታትና ሕዝቦች ሁሉ ኢየሩሳሌምንና በአካባቢዋ የሚገኙትን ከተሞች ይወጉ በነበረ ጊዜ፣ እንዲህ የሚል ቃል ከእግዚአብሔር ዘ… አማርኛ SWAHSUV Neno hili ndilo lililomjia Yeremia, kutoka kwa Bwana, hapo Nebukadreza, mfalme wa Babeli, na jeshi lake lote, na falme … Kiswahili