ትንቢት ኤርምያስ 28

BCVትግርኛ17 ፍቕድታት3:27 ስማዕ
ስማዕ 3:27 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ ዓመት እቲኣ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናይታ ራብዐይቲ ዓመት፥ ሃናንያ፥ ወዲ ነቢይ ዓዙር በዓል ገባዖን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦

2“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ እየ።

3ንዅሉ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ኣቑሑ፥ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶ እየ።

4ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየሞ፥ ንኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ንዅላቶም ናብ ባቢሎን ዝተወሰዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”

5ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ቆይሙ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን፥ ንነቢይ ሃናንያ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦

6ነቢይ ኤርሚያስ ድማ በለ፦ “ኣሜን፤ እግዚኣብሄር ከምኡ ይግበሮ። እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን ኵላቶም ምሩኻትን፥ ካብ ባቢሎን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽምለሱስ፥ ነቲ ዝተነበኻዮ ቓል፥ እግዚኣብሄር ይፈፅሞ።

7ግና ነቲ ኣብ ቅድሜኻን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እዝ ህዝቢ እዙይን ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ስማዕ፦

8እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝተስኡ ነቢያት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ውግእን መዓትን መቕሰፍትን ከም ዝመፅእ ተነበዩ።

9እቲ ሰላም ዝንበ ነቢይ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኾ ዝፍለጥ ግና፥ ቃል ትንቢቱ ምስ ተፈፀመ ጥራሕ እዩ።”

10ሽዑ ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ሰበሮ።

11ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ “እግዚኣብሄር ‘ከምዙይ ገይረ ነርዑት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ክሳድ ኵላቶም ህዝብታት ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ዓመት እዚኣተን ከምዙይ ክሰብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ። ነቢይ ኤርሚያስ ድማ መንገዱ ኸደ።

12ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ምስ ሰባበሮ፥ ድሕሪ ቑሩብ እዋን ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦

13“ናብ ሃናንያ ኺድ እሞ ‘ንስኻ ኣርዑት ዕንፀይቲ ሰበርካ፤ ክንድኡ ግና ኣርዑት ሓፂን ክሰርሕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

14ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽግዝኡ፥ ኣብ እንስሳ በረኻ እኳ ስልጣን ሂበዮ ኣለኹ፤ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድ ኵሎም ህዝብታት ኣእትየ ኣለኹ። ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።

15ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ ንነቢይ ሃናንያ “ኦ ሃናንያ፥ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸካን፤ ንስኻ ግና እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ሓሰት ክእመን ጌርካ ኢኻ።

16ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸርሕቐካ እየ፤ ኣብ ልዕለይ ክሕደት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ’ ይብለካ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ።

17ነቢይ ሃናንያ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ናይታ ዓመት እቲኣ ሞተ።

ትርጓሜ

28:1-9 ሃናንያ ሓሶት ትንቢት ተነበየ። ኣብዚ ንኣይሁድ ክንምነዩን ናብ ኣምላኽ ክምለሱን ዘተባብዕ ጽቡቕ ምኽሪ ሓንቲ ቃል እኳ የብሉን። ብስም ኣምላኽ ግዝያዊ ምሕረት ይውዕል እዩ፣ እንተኾነ ግና ኣምላኽ ምስ ምድራዊ በረኸት ኩሉ ግዜ ዝውዕሎ መንፈሳዊ ምሕረት ኣይጠቐሰን። እዚ ኤርምያስ ብምቕናዕ ዝተነበየ እንተኾነ እኳ፣ ንህዝቢ ንኣምላኽ ዝለመነሉ ናይ ፈለማ ግዜ ኣይነበረን። ንሓሶት ሃናንያ ንምርግጋጽ ናብቲ ዝኸውን ፍጻሜ ምኽኒት ኣቕረበ። ብዛዕባ ሰላምን ብልጽግናን ጥራይ ዝዛረብ ነብዪ፣ ብፍቓዶም ብዝገብርዎ ሓጢኣት ንጸጋ ኣምላኽ ከይዓግቱ ዘይብድህ፣ ሓሳዊ ነብ…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በዚያም ዓመት በይሁዳ ንጉሥ በሴዴቅያስ መንግሥት መጀመሪያ በአራተኛው ዓመት በአምስተኛው ወር ነቢዩ የገባዖን ሰው የዓዙር ልጅ ሐናንያ በእግዚአብሔር ቤት በካህናትና በሕዝብ ሁሉ ፊት እንዲህ… አማርኛ ENGNIV In the fifth month of that same year, the fourth year, early in the reign of Zedekiah king of Judah, the prophet Hanani… English GAZBIB Zedeqiiyaan mootii Yihudaa ta'ee waggaa afuraffaa keessa, waggichattiis ji'a shanaffaatti Hanaaniiyaan raajichi ilmi Az… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምዝ ኮነ በውእቱ ዓመት በቀዳሚ ዓመተ መንግሥቱ ለሴዴቅያስ ንጉሥ ይሁዳ በዓመት ራብዒት በኃምስ ወርኅ፤ ይቤለኒ ሐናንያ ወልደ ሐዞር ሐሳዊ ነቢይ ዘገባኦን በቤተ እግዚአብሔር በቅድመ ካህና… giz GAZGAZ Zedeqiiyaan mootii Yihudaa ta'ee waggaa afuraffaa keessa, waggichattiis ji'a shanaffaatti Hanaaniiyaan raajichi ilmi Az… Afaan Oromoo BCV aksum በታ ዓመት እቲኣ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናይታ ራብዐይቲ ዓመት፥ ሃናንያ፥ ወዲ ነቢይ ዓዙር በዓል ገባዖን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኵሉ … ትግርኛ AMHNIV በዚያው ዓመት የይሁዳ ንጉሥ ሴዴቅያስ እንደ ነገሠ በዐራተኛው ዓመት፣ አምስተኛ ወር፣ የገባዖኑ ሰው የዓዙር ልጅ ነቢዩ ሐናንያ በእግዚአብሔር ቤት በካህናቱና በሕዝቡ ሁሉ ፊት እንዲህ አለኝ፤ አማርኛ SWAHSUV Ikawa, katika mwaka ule ule, mwanzo wa kutawala kwake Sedekia, mfalme wa Yuda, mwaka wa nne, mwezi wa tano, Hanania, mw… Kiswahili