ያእቆብ 5

BCVትግርኛ20 ፍቕድታት4:00 ስማዕ
ስማዕ 4:00 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ሃብታማት ንዑ ስምዑ፤ በቲ ዝመፀኩም ዘሎ መከራ ዋይ! ዋይ! እናበልኩም ብኸዩ።

2ሃብትኹም ተበላሸወ፤(ሀ) ኽዳውንትኹምውን ብልዒ በልዖ።

3ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፤ እቲ ምምራቱ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሌኹም ምስክር እዩ፤ ንዳሕረዋይ ዘመን ሃብቲ ስለ ዝኣከብኩም ድማ፥ ንስጋኹም ከም ሓዊ ኽበልዖ እዩ።

4እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ።

5ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን መቺዩኩምን፥ ንመዓልቲ ማሕረዲ ኸም ዘህጥር፥ ልብኹም ኣስቢሕኹም ኣለኹም።

6ነቲ ኽከላኸል ዘይኽእል ፃድቕ ሰብውን፥ ፈረድኩምዎን ቀተልኩምዎን።

7እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ክሳዕ ምፅኣት ጐይታ ተዓገሱ። ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይፅበዮ፤ ነቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን ዝናብ ክሳዕ ዝረክብውን፥ ከም ዝዕገስ ረአዩ።

8ንስኻትኩም ከዓ፥ ምፅኣት ጐይታ ስለ ዝቐረበ ተዓገሱ፤ ልብኹምውን ኣፅንዑ።

9ኣሕዋተይ፥ ከይትፍረዱ፥ ኣብ ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ። እንሆ እቲ ፈራዲ፥ ኣብ በሪ ደው ኢሉ ኣሎ።

10ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ ምቕባል መከራን ትዕግስትን፥ እቶም ብስም እግዚኣብሄር ዝተናገሩ ነቢያት፥ ኣርኣያ ይኹኑኹም።

11እንሆ፥ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ፥ ብፁኣን እዮም ንብሎም። ብዛዕባ ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ነቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉውን ርኢኹም ኣለኹም። እግዚኣብሄር፥ ርህሩህን ምሕረት ዝመልኦን እዩ እሞ።

12ኣብ ርእሲ እዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣይትምሓሉ። ብምድሪ ኾነ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር ኣይትምሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከይትወድቁ ድማ፥ እቲ ቓልኩም፥ እወ እንተ ኾይኑ እወ፥ ኣይኮነን እንተ ኾይኑ ኣይኮነን፥ ይኹን።

13ኣብ ማእኸልኩም መከራ ዝቕበል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ይፀሊ፤ ዝተሓጐሰ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ መዝሙር ምስጋና ይዘምር።

14ኣብ ማእኸልኩም ዝሓመመ እንተ ሃልዩ፥ ንሽማግለታት(ለ) ይፀውዕ፤ ንሳቶም ከዓ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዘይቲ እናቐብኡ ይፀልዩሉ።

15እታ ናይ እምነት ፀሎት፥ ነቲ ሕሙም ክተሕውዮ እያ። ጐይታውን ከተስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን፥ ክሕደገሉ እዩ።

16እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትሓውዩ፥ ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ።

17ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ፤ ዝናም ከይዘንም፥ ኣበርቲዑ ፀለየ፤ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ከዓ፥ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን።

18ብድሕሪኡውን ዝናም ክዘንም ፀለየ፤ ሰማይ ከዓ ዝናም ሃበ፤ ምድሪ እውን ፍረኣ ሃበት።

19ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸዓ እንተ መለሶ፥

20እቲ ንሓጥእ ካብ መንገዲ ጌጋኡ ዝመልሶ፥ ንነፍሱ ድማ ኻብ ሞት ከም ዘድሓና፥ ብዙሕ ሓጢኣትውን ክሕደገሉ ኸም ዝገበረ ይፍለጥ።

ትርጓሜ

5:1-6 ህዝባዊ ሽግራት ነቶም ብሃተፍተፍ ዝነብሩ፣ ርእሶም ዘተኣማመኑን ስጋውያንን ዝኾኑ ሰባት ዝያዳ ዘሕዝን እዩ፣ እኳ ደኣ ኹሎም ደረባት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ብዕምቆት እንተተሰቕዩ። ኹሉ ዝተኣምለኸ መዝገብ ቀልጢፉ ኺጠፍእ እዩ፣ ካብቶም ዝውንንዎ ንምኽሳስ ብፍርዲ እንተዘይተንስአ ግን። ካብ ምጕዳልን ምጭቕናን ተጠንቀቑ፣ ከምኡ'ውን ነቲ ትርኢቱ እኳ ተወገድዎ። ኣምላኽ ቅኑዕ ሃተፍተፍ ንኽንጥቀም ኣይክልክለናን እዩ፤ ግናኸ ብሃተፍተፍ ንምንባር፣ ብፍላይ ብሓጥኣታዊ ሃተፍተፍ፣ ንኣምላኽ ዘቘጥዕ ሓጢኣት እዩ። ሰባት ስጋዊ ትምኒቶም ብምፍጻም፣ ንነፍሶም ዘገድስ ነገር ከይሓስቡ ንርእሶም ዘይብቑዓት ምግባሮም ጕድኣት የብሉንዶ? ጻድቕ ኪዅነን ወይ ኪቕተል ይኽእል እዩ፤ ግናኸ ከምዚኦም ብጨቋኒት እንተተሰቕዩ፣ እዚ ብኣምላኽ ዝተመልከተ እዩ። ካብ ኹሎም ካልኦት ገበናቶም ንላዕሊ፣ ኣይሁድ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝመጸ ጻድቕ፣ ማለት የሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቕ፣ ኩኑኖም ሰቒሎምዎ።

5:7-11 እቲ ንውጽኢት እኽሊ ዝጽበ ገባር ኣስተብህለሉ፤ ንስኻትኩምከ ንኣኽሊል ክብሪ ኣይትጽበዩንዶ? ካብቲ ገባር ንላዕሊ ክትጽበ እንተተጸዋዕኩም እሞ፣ ንምጽባዩ ብዝያዳ ዝምጥን ነገር የልቦንዶ? ብኹሉ መልክዑ ምጽኣት ጐይታ ቀሪቡ ነይሩ፣ ንኹሉ ምጕዳልን ሽግርን መከራን ህዝቡ ድማ ክካሓሰሎም እዩ። ሰብ ግዜ ነዊሑ ይርእዮ፣ ምኽንያቱ ብናይ ገዛእ ሕይወቶም ስለዝለክዕዎ፤ ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ እዩ፤ ከም ሓንቲ ቅጽበት እያ። ንሓጸርቲ ፍጥረታት ሒደት ዓመታት ከም ዘመን ይርኣዩ፤ ግን ቅዱስ ጽሑፍ፣ ንኹሉ ነገራት ብህላዌ ኣምላኽ ስለዝለክዖ፣ ኣሽሓት ዓመታት ከም ሒደት መዓልታት ይቑጽሮም። ኣምላኽ ኣብ ጉዳይ እዮብ፣ ኣዝዩ ርህሩህን ልስሉስ ምሕረትን ዘለዎ ምዃኑ ብንጹር ንምግላጽ ዝኾኑ ነገራት ፈጺሙ። እዚ ኣብ ግዜ ሽግሩ ኣይተራእየን፣ ግን ብውጽኢቱ ተራእዩ፣ እሙናት ድማ ሕጂ ንፈተናታቶም ሰናይ መወዳእታ ክረኽቡ እዮም። ንኣምላኽና ነገልግል፣ ንፈተናታትና ድማ ንጽበር፣ ከምቶም መወዳእታ ንኹሉ ዝዘውትር ምዃኑ ዝኣምኑ። ዘለኣለማዊ ሓጐስና ብእኡ እንተተኣሚንና ርግጽ እዩ፤ ኩሉ ካልእ ከንቱነት ጥራይ እዩ፣ ብቕልጡፍ ንዘለኣለም ድማ ዝውዳእ እዩ።

5:12-18 ሓጢኣት መሐላ ይኹነን፤ ግናኸ ክንደይ ዝኾኑ ሰባት እዮም ነዚ ልሙድ ዘይቅዱስ መሐላ ብቐሊሉ ዝርእይዎ! እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መሐላ ብግልጺ ኣብ ስም ኣምላኽን ስልጣኑን ንቐበጥበጥ ይድርቢ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6