1ኣሕዋተይ፥ ዝገደደ፥ ፍርዲ ኸም እንቕበል ትፈልጡ ኢኹምሞ፥ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።
2ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተ ሃልዩ ግና፥ ንሱ ንዅለንተናኡ ኽመልኽ ዝኽእል፥ ፍፁም ሰብ እዩ።
3እንሆ ኣፍራስ ምእንቲ ኽእዘዙና ኢልና ልጓም ኣብ ኣፎም ንገብረሎም፤ ንዅሉ ኣካላቶምውን ብእኡ ንመርሖ።
4እንሆ፥ መራኽብ ድማ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓበይቲ እንተለዋ፥ ብብርቱዕ ንፋስ ዝዅብኰባ እንትኾና፥ እቲ ኣዛዚ መርከብ ናብ ዝደልዮ፥ ብንእሽተይ መቕዘፊ እየን ዝምርሓ።
5ከምኡ ድማ፥ ልሳን ንእሽተይ ኣካል እንተላ፥ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ ንእሽተይ ሓዊ፥ ክንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተባርዕ!
6ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም ድማ እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ኽፍሊ ኣካላት፥ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወትውን እተቃፅል እያ። ባዕላውን ኣብ ገሃነም ክትቃፀል እያ።
7ኵሉ ዓሌት እንስሳን፥ ኣዕዋፍን፥ ለመም ዝብልን፥ እንስሳ ባሕርን፥ ንሰብ ይግዛእ፤ ተገዚኡውን ኣሎ።
8ንልሳን ግና፥ ካብ ደቂ ሰብ ክገዝኣ ዝኽእል ሓደኳ የለን። ንሳ ዘይትዓርፍ ክፍእቲ፥ ዝቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ።
9ብኣኣ ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ነመስግን፤ ብኣኣ ጌርናውን ነቶም፥ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም።
10ካብ ሓደ ኣፍ፥ ምስጋናን መርገምን ይወፅእ። ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ክኸውን ኣይግባእን እዩ።
11ዒላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ፥ ጥዑም ማይን መሪር ማይን ትፍልፍል እያ?
12ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኦም በለስ ፍረ ኣውሊዕ፥ ተኽሊ ወይኒ ፍረ በለስ፥ ክትፈሪዶ ይከኣላ እዩ? ከምኡውን እታ መሪር ማይ እትፍልፍል ዒላ፥ ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።
13ካባኻትኩም፥ ጥበበኛን መስተውዓልን መን እዩ? ብሰናይ ኣካይዳኡን፥ ትሕትና ብዝመልኦ ጥበብን ገይሩ፥ ሰናይ ተግባሩ የርኢ።
14መሪር ቅንእን ንባዕልኻ ምፍታውን፥ ኣብ ልብኹም እንተ ሃልዩኩም፥ ኣይትመክሑ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ሓቂውን፥ ኣይትሓስዉ።
15እዛ ጥበብ እዚኣ፥ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፥ ካብ ላዕሊ ኣይኮነትን።
16ኣብቲ ቕንእን ንባዕልኻ ምፍታውን ዘለዎ፥ ኣብኡ ሁከትን ኵሉ ኽፉእ ተግባርን ኣሎ።
17እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና፥ ቅድሚ ዅሉ ንፅህቲ እያ። ደሓር ከዓ ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሕራይ በሃሊት፥ ገባሪት ምሕረት፥ ፅቡቕ ፍረ ዝመልአት፥ ጥርጥርን ግብዝናን ዘይብላ እያ።
18ፍረ ፅድቂ፥ ብገበርቲ ሰላም፥ ብሰላም ይዝራእ።