ትንቢት ኢሳይያስ 9

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት4:00 ስማዕ
ስማዕ 4:00 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ግና ኣብ ጭንቂ ንዝነበረት ደጊም ፀልማት ኣይኸውንን፤ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ኣዋረደ። ብዳሕረዋይ ዘመን ግና፥ ብማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብመንገዲ ባሕሪ ዘላ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኸኽብራ እዩ።

2እቲ ኣብ ፀልማት ዝመላለስ ህዝቢ፥ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ምድሪ ፅላሎት ሞት ዝነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወፀሎም።

3ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕኻዮ፥ ንሓጐሶምውን ወሰኽካሉ፤ ሰባት ምህርቲ እንትእክቡ፥ ምርኮውን እንትካፈሉ ደስ ከም ዝብሎም፥ ንሳቶም ኣብ ቅድሜኻ ኽሕጐሱ እዮም።

4ከምቲ ቐደም ኣብ ምድያም ዝኾነ፥ ነቲ ዝኸበዶም ኣርዑትን፥ ነቲ ኣብ ማእገሮም ዝነበረ በትርን፥ ንዘንጊ መጨነቒኡን ሰበርካዮ።

5ኵሉ መንገዲ ጫማታት ሰብ ኲናትን፥ ብደም ዝተኣለኸ ኽዳውንትን ክነድድ፥ መሳወሪ ሓዊ ኾይኑውን ክቓፀል እዩ።

6ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።

7ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።

8ጐይታ ናብ ያእቆብ ቃሉ ሰደደ፤ እዙይውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ወደቐ።

9ኵሉ ህዝቢ ኤፍሬምን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩን ክፈልጡ እዮም፤ ንሳቶም ዕቡያትን ምኩሓትን እዮም፤

10ስለዙይ “ብጡብ ዝተሰርሐ ፈረሰ፥ ንሕና ግና ብውቑር እምኒ ኽንሓንፆ ኢና፤ ኦም ሳግላ ተቘርፀ፥ ግና ብፅሕዲ ኽንትክኦ ኢና” ይብሉ ኣለዉ።

11ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ፅዮን፥ ንተቓወምቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስኦም፥ ንፀላእቱውን ከለዓዕሎም እዩ።

12ሰብ ሶርያ ብምብራቕ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብምዕራብ፥ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ክውሕጥዎም እዮም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።

13እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝቐፅዖም ኣይተመለሱን፤ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን።

14ስለዙይ እግዚኣብሄር ብሓደ መዓልቲ፥ ርእስን ጭራን ጨናፍር ስየን ሻምበቆን ካብ እስራኤል ክቘርፅ እዩ።

15እቶም ዓበይትን ምርኡያትን ሰባት ንሳቶም ርእሲ እዮም፤ እቶም ሓሰት ዝምህሩ ነቢያት ከዓ ጭራ እዮም።

16መራሕቲ እዝ ህዝቢ እዙይ መስሓትቲ እዮም፤ እቲ ብኣኣቶም ዝምራሕ ህዝቢ እውን ክጠፍእ እዩ።

17ኵላቶም ግብዛትን ገበርቲ ኽፉእን እዮም፤ ኵሉ ዝዛረብዎ ኸዓ ኽፍኣት እዩ እሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር በጕባዞም ኣይሕጐስን፤ ንደኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከዓ ኣይርህርሀሎምን እዩ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።

18ክፍኣት ከም ሓዊ ይቀፃፀል፤ ንእሾዅን ንዃዂቶን ከዓ የቃፅል፤ ትኩ ኸም ኣዕምዲ ንላዕሊ ኽሳዕ ዝድይብ፥ ንዕሙር ዱር ዘንድድ፥ ሓዊ ይባራዕ።

19ብቝጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እታ ሃገር ትነድድ፤ እቲ ህዝቢ እውን ሓዊ ከም ዝበልዖ ዕንፀይቲ ይኸውን። ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይርህርህን።

20ሰብ ብየማኑ ይምንጥል፥ ግና ጥሜቱ ኣይዕገስን፤ ብፀጋምውን ይበልዕ፥ ግና ኣይፀግብን፤ ነፍሲ ወከፉ ስጋ ቅልፅሙ ይበልዕ።

21ምናሴ ንኤፍሬም፥ ኤፍሬም ከዓ ንምናሴ ይበልዖ፤ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ንይሁዳ ፀላእቱ ይኾኑ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።

ትርጓሜ

9:1-7 እቶም ሶርያውያንን ኣሶርያውያንን ቅድም ነተን ኣብዚ ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት ኣውዲሞምወን ነበሩ፣ እቲ ከባቢ ድማ ብቐዳምነት ብስብከት ክርስቶስ ጸጋ ተገይርሉ ነበረ። እቶም ወንጌል ዘይብሎም፣ ኣብ ጸልማት እዮም ዝመላለሱ፣ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ድማ እዮም ዘለዉ። ወንጌል ናብ ዝኾነ ቦታ፣ ናብ ዝኾነት ነፍሲ ግን ምስ ዝመጽእ፣ ብርሃን ይኸውን። ናብ ልብና ከምርሕን ንምድሓን ድማ ጥበበኛታት ክገብረናን ብትዕግስቲ ንጸሊ።

ወንጌል ሓጎስ ምስኡ የምጽእ። ሓጎስ ክረኽቡ ዝደልዩ፣ ከምቲ ሓረስታይ ሓጎስ ምዕራፍ ቅድሚ ምምጻኡ ብትግሃት ዝሰርሕ፣ ከምኡ ድማ ሓደ ወተሃደር ምርኮኡ ቅድሚ ምምቓሉ ብትግሃት ዝዋጋእ፣ ብኸቢድ ዕዮን ቃልስን ክሓልፉ ትጽቢት ክገብሩ ይግባእ። ኣይሁድ ካብ ኣርዑት ብዙሓት ጨቋንቲ ሓራ ወጺኦም ነበሩ፤ እዚ ድማ ካብ ኣርዑት ሰይጣን ምድሓን ምእመናን ዘርኢ ምልክት ነበረ። ንነፍሳት ምእመናን ካብ ሓይሊ ርኽሰት ሓጢኣት ምጽራይ፣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፣ ከም መሕረቒ ሓዊ፣ ዝኸውን እዩ።

እዚ ንቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ዓብዪ ነገር፣ ብመሲሕ፣ ብእግዚኣብሔር ምሳና፣ ክግበር እዩ። እቲ ህጻን ተወሊዱ እዩ፤ እዚ ድማ ብርግጽ ዝኸውን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ድማ፣ ክርስቶስ ብስጋ ቅድሚ ምምጽኡ፣ ብግብሪኡ ጸጋ ተገይርላ እዩ። እዚ ብዛዕባኡን ብዛዕባ መንግስቱን ዘሎ ትንቢት እዩ፣ እቶም ንምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበዩ ዝነበሩ ድማ ብሓጎስ ዘንብብዎ እዩ። እዚ ህጻን እዚ ንጥቕሚ ንሕና ሰባት፣ ንሕና ሓጥኣን፣ ንኹሎም ምእመናን፣ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ተወሊዱ።

ብሓቂ ድማ ድንቂ ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ከመይሲ ንሱ ኣምላኽን ሰብን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ነገር ግን ተጨንቃ ለነበረች ጨለማ አይሆንም። በመጀመሪያው ዘመን የዛብሎንንና የንፍታሌምን ምድር አቃለለ፤ በኋለኛው ዘመን ግን በዮርዳኖስ ማዶ በባሕር መንገድ ያለውን የአሕዛብን ገሊላ ያከብ… አማርኛ ENGNIV Nevertheless, there will be no more gloom for those who were in distress. In the past he humbled the land of Zebulun an… English GAZBIB Warri dhiphina keessa turan si'achi dukkana keessa hin jiraatan; inni bara durii biyya Zaabiloonii fi biyya Niftaalem g… Afaan Oromoo BCV GIZ ወኢይትባላሕ ዘተመንደበ እሰከ አመ ይበጽሕ ዕድሜሁ ለዝ; ዘንተ ፍጡነ ግበር ወፍጡነ ስተይ ብሔረ ዛብሎን ወምድረ ንፍታሌም ተረፈ ጰራልዩ ወማዕዶተ ዮርዳኖስ ዘገሊላ ዘአሕዛብ። giz GAZGAZ Warri dhiphina keessa turan si'achi dukkana keessa hin jiraatan; inni bara durii biyya Zaabiloonii fi biyya Niftaalem g… Afaan Oromoo BCV aksum ግና ኣብ ጭንቂ ንዝነበረት ደጊም ፀልማት ኣይኸውንን፤ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ኣዋረደ። ብዳሕረዋይ ዘመን ግና፥ ብማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብመንገዲ ባሕሪ ዘላ ናይ … ትግርኛ AMHNIV ነገር ግን ተጨንቀው የነበሩ ከእንግዲህ ተስፋ ቢስ አይሆኑም። በቀደመው ዘመን የዛብሎንንና የንፍታሌምን ምድር አዋረደ፤ በሚመጣው ዘመን ግን ከዮርዳኖስ ማዶ፣ በባሕር መንገድ አጠገብ ያለውን … አማርኛ SWAHSUV Lakini yeye aliyekuwa katika dhiki hatakosa changamko. Hapo kwanza aliiingiza nchi ya Zabuloni na nchi ya Naftali katik… Kiswahili