ትንቢት ኢሳይያስ 66

BCVትግርኛ24 ፍቕድታት5:19 ስማዕ
ስማዕ 5:19 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ እዩ?

2ነዝ ዅሉ ኢደይ እያ ዝገበረቶ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብኣይ ኮይኑ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግና ናብ ትሑትን፥ ዝተሰበረ መንፈስ ናብ ዘለዎን፥ ብቓለይውን ናብ ዝንቅጥቀጥ ሰብ እየ ዝምልከት።

3“ግና እቲ ብዕራይ ዝስውአለይ፥ ሰብ ከም ዝቐተለ እዩ፤ ጡቦት በጊዕ ዝስውአለይ፥ ክሳድ ከልቢ ኸም ዝሰብር እዩ፤ እቲ ቍርባን እኽሊ ዘቕርበለይ፥ ደም ሓሰማ ኸም ዘቕርበለይ እዩ፤ እቲ ዕጣን ዝዓጥነለይ፥ ንጣዖት ከም ዘመስግን እዩ። እዚኣቶም መንገዲ ርእሶም ሓረዩ፤ ነፍሶም ድማ ብርኽሰቶም ደስ ይብላ።

4ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፤ ደስ ዘየብለኒውን ሓረዩ እምበር፥ ፀዊዐ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፤ ተዛሪበ ኸዓ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኣነ ኸዓ ዝጐድኦም ክሓሪ፥ ዝፈርሕዎ ድማ ኸውርደሎም እየ።”

5ኣቱም ብቓሉ እትንቅጥቀጡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦ “እቶም ዝፀልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዘሳጕጉኹምን ኣሕዋትኩም፥ ‘ንስኻትኩም እንትትሕጐሱ ኽንርእስ እስኪ እግዚኣብሄር ይኽበር’ ይብሉ። ግና ንሳቶም ክሓፍሩ እዮም።

6እቲ ኣብ ከተማ ዝስማዕ ዘሎ ብርቱዕ ድምፂ፥ እቲ ኻብ ቤተ መቕደስ ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ፥ ድምፂ እቲ ንፀላእቱ ፍዳ ዝፈዲ እግዚኣብሄር እዩ።

7“ቅልውላው እንተይሓዛ ወለደት፤ እንተይተፅዓረት ከዓ ወዲ ወለደት።

8ከምዙይ ዘመሰለ መን ሰምዐ? ኸምዙይ ዝበለኸ መን ረአየ? ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ትውለድ እያ? ህዝቢኸ ብሓንቲ ጊዜዶ ይውለድ እዩ? ፅዮን ግና ቕልውላው ምስ ሓዛ ሽዑ ንሽዑ እንተይተፅዓረት ደቃ ወሊዳ እያሞ።

9ኣነ ኣብ ጊዜ ምውላድ ዘብፃሕኹስ፥ ከም እትወልድዶ ሓይሊ ኽህብ ኣይክእልን እየ? ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፥ ንማህፀንዶ እዓፁ እየ?” ይብል ኣምላኽኪ።

10ኣቱም ንኢየሩሳሌም እትፈትውዋ ዅልኻትኩም፥ ምስኣ ተሓጐሱ፤ ብኣኣ ኸዓ ደስ ይበልኩም፤ ኣቱም ዝበኸኹምላ ዅልኻትኩም፥ ምስኣ የመና ተሓጐሱ፤

11ዘፀናንዑ ኣጥባታ ኽትጠብዉ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ክንዲ ዝደለኹም ሰቲኹም ድማ፥ ደስ ክብለኩም እዩ።

12እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ንሰላም፥ ከም ፈሳሲ ሩባ፥ ንናይ መንግስታት ሃብቲ ኸዓ፥ ከም ብርቱዕ ውሕጅ ከፍስሰላ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ኽትጠብዉ፥ ኣብ ማእገሮም ክስከሙኹም፥ ኣብ ኣብራኾም ከሰራስሩኹም እዮም።

13ከምቲ እኖ ንውሉዳ እተፀናንዖ፥ ከምኡ ኸፀናንዐኩም እየ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ክትፀናንዑ ኢኹም።

14ልብኹም ከዓ እዙይ ሪኡ ኽሕጐስ እዩ፤ ኣዕፅምትኹም ከዓ፥ ከም ለምለም ሳዕሪ ኽበቍል እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ትፍለጥ እያ፤ ቍጥዓኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ እዩ።”

15ቍጥዓኡ ብመዓት፥ መግናሕቱ ኸዓ ብሃልሃልታ ሓዊ ኽፈዲ፥ እንሆ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኽመፅእ እዩ፤ ሰረገላታቱውን ከም ንፋስ ኣውሎ ክኾና እየን።

16እግዚኣብሄር ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ብሓዊን ብሰይፍን ክፈርድ እዩሞ፥ እቶም ብእግዚኣብሄር ተወጊኦም ዝሞቱ ኸዓ፥ ብዙሓት እዮም።

17“ናብ ማእኸል ዘሎ ኣታኽልቲ ብምኻድ፥ ንርእሶም ዝቕድሱን ዘንፅሁን፥ ስጋ ሓሰማን ኣናፁን፥ ዝረኸሱ ነገራት ዝበልዑን፥ ኵሎም ብሓደ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።

18“ኣነ ግብሮምን ሓሳባቶምን እፈልጥ እየሞ፥ ኵሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ዝእክበሉ ዘመን ይመፅእ ኣሎ፤ ንሳቶም ድማ ኽመፁን ክብረይ ክሪኡን እዮም።

19ኣብኣቶም ከዓ ምልክት ክገብር እየ፤ ነቶም ካብኣቶም ዝደሓኑ ድማ ዝናይ ናብ ዘይሰምዑ ኽብረይውን ናብ ዘይረአዩ፥ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ሰብ ተርሴስ፥ ናብ ፉጥ፥ ናብ ሉድ፥ ናብ ሞሳሕ፥ ናብ ቱቤል ናብ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኾም እየ። ንሳቶም ድማ፥ ክብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክነግሩ እዮም።

20ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፥ ብፅሩይ ኣቕሓ ገይሮም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ከም መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፥ በፍራስን ብሰረገላታትን ብጋሪን በባቕልን ብፈጣናት ኣግማልን ገይሮም፥ ካብ ኵሎም መንግስታት፥ ናብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅእዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።

21“ካህናትን ሌዋውያንን ዝኾኑ ኸዓ፥ ካብኣቶም ክወስድ እየ” ይብል እግዚኣብሄር።

22“ኣነ ዝገብሮም ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንሓዋሩ ፀኒዖም ከም ዝነብሩ፥ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኣብ ቅድመይ ፀኒዖም ክነብሩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።

23“ካብ ሰርቂ ወርሒ፥ ክሳዕ ሰርቂ ወርሒ፥ ካብ ሰንበት ክሳዕ ሰንበት፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሰብ፥ ኣብ ቅድመይ ክሰግድ ክመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።

24“ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።”

ትርጓሜ

ትንቢተ ኢሳይያስ 66:1-4

ኣይሁድ ብቤተ መቕደሶም ኣዝዮም ይምካሑ ነበሩ። ግናኸ እቲ ዘለኣለማዊ ኣእምሮ ኣብ ቤት ብኢድ ሰብ እተሰርሐት እንታይ ዕግበት ኪረክብ ይኽእል? ኣምላኽ ናይ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሰማይን ምድርን ኣለዎ፣ ከምኡ'ውን ብሰብ እተሰርሑ ቤተ መቕደሳት ኣለዉ፤ ግናኸ ንኣቶም ይሓልፎም፣ ምእንቲ ኸኣ ንመንፈሱ ድኻ ዝኾነን፣ ቅንዕና ዘለዎን፣ ርእሱ ዝሕብስን፣ ርእሱ ዝኽሕድን፣ ልቡ ድማ ንሓጢኣት ብሓቂ ዝኀዝን ብምሕረት ኪርኢ። ከምዚ ዝበለ ልቢ ንኣምላኽ ህያው ቤተ መቕደስ እዩ። መስዋእቲ እኩባት ቅቡል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኣምላኽ ከኣ ዓቢ በደል እዩ። እቲ ሕጂ ብሕጊ መስዋእቲ ዜቕርብ ድማ፣ ንመስዋእቲ ክርስቶስ ተባዕቲቱ የርሕቖ። እቲ ዕጣን ዘዕጢን፣ ንዕጣን ምልጃ ክርስቶስ ይንዕቕ፣ ከም ንጣኦት ዝባረኸ ኾይኑ እዩ። ሰባት ብኸንቱ እምነታቶም፣ ንርእሶም ዝታልሉሉ ዝነበሩ፣ ኪታለሉ እዮም። ዘይኣምና ልብን ዘይነጹህ ሕልናን፣ ንኸእስዮም ካብቲ ናቶም ፍርሂ ኣብኦም ምምጻእ ንላዕሊ ኣየድልዮምን። ሰባት ኣብ ክንዲ ኽህነት፣ ምስርየተ ሓጢኣትን፣ ምልጃ ክርስቶስን ዝኾነ ይኹን እንተ ኣቐመጡ፣ ንኣምላኽ ጽሉእ ኮይኑ ኪርከብ እዩ።

66:5-14 እቲ ነብዪ ናብቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምብዱ ህዝቢ ተመሊሱ፡ ኬጸናንዖምን ከበራትዖምን እዩ። እግዚኣብሔር ንሓጐስ እቲ ትሑት ምእመን፡ ንዕሽቶም ግብዞታትን ኣሳዳዶን ኪግለጽ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፦ ሰማይ ዙፋኔ ነው፥ ምድርም የእግሬ መረገጫ ናት፤ የምትሠሩልኝ ቤት ምን ዓይነት ነው? የማርፍበትስ ስፍራ ምንድር ነው? አማርኛ ENGNIV This is what the Lord says: “Heaven is my throne, and the earth is my footstool. Where is the house you will build for … English GAZBIB Waaqayyo,“Bantiin waaqaa teessoo koo ti, laftis ejjeta miilla kootii ti, eessatti mana anaaf ijaartu” Iddoon boqonnaa k… Afaan Oromoo BCV GIZ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር፦ ሰማይኒ መንበርየ ወምድርኒ መከየደ እገርየ፤ አየኑ ቤተ ተሐንጹ ሊተ ወአይኑ ማኅደረ ምዕራፍየ? giz GAZGAZ Waaqayyo,“Bantiin waaqaa teessoo koo ti, laftis ejjeta miilla kootii ti, eessatti mana anaaf ijaartu” Iddoon boqonnaa k… Afaan Oromoo BCV aksum እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ … ትግርኛ AMHNIV እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፤ “ሰማይ ዙፋኔ ነው፤ ምድርም የእግሬ ማረፊያ ናት፤ ታዲያ የምትሠሩልኝ ቤት፣ የማርፍበትስ ስፍራ የቱ ነው? አማርኛ SWAHSUV Bwana asema hivi, Mbingu ni kiti changu cha enzi, na dunia ni mahali pa kuweka miguu yangu; mtanijengea nyumba ya namna… Kiswahili