ትንቢት ኢሳይያስ 59

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት4:18 ስማዕ
ስማዕ 4:18 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እንሆ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን፤ ከይሰምዕ ኸዓ እዝኑ ኣይፀመመትን እያ።

2ግና በደልኩም ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ፈልያ ኣላ፤ ከይሰምዐኩምውን ሓጢኣትኩም ንገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ።

3ኣእዳውኩም ብደም፥ ኣፃብዕትኹም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ፤ ከናፍርኩም ሓሰት ይዛረባ፥ ልሳንኩምውን ክፍኣት ይናገር ኣሎሞ።

4ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ።

5እንቍላሊሕ ገበል ይሓቝፉ፤ ዓለባ ሳሬት ከዓ ይኣልሙ፤ እቲ ኻብ እንቍላሊሖም ዝበልዕ ይመውት፤ እንተ ተሰበረውን መንደላይ ተመን ይወፅእ።

6ፈትሎም ክዳን ኣይኸውንን፤ ብግብሮም ኣይሽፈኑን። ግብሮም ግብሪ ኽፍኣት እዩ፤ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመፃ ኣሎ።

7ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐያ፤ ንፁህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፋ፤ ሓሳቦም ሓሳብ ክፍኣት እዩ፤ ጥፍኣትን ዕንወትን ድማ ኣብ መንገድታቶም ኣሎ።

8ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፤ ኣብ ኣካይዳኦም ፍርዲ የለን፤ ንመንገድታቶም ይጠዋውይዋ፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ሰላም ኣይፈልጥን።

9ስለዙይ ፍትሒ ኻባና ረሓቐ፤ ፅድቂውን ኣይረኸብናን። ብርሃን ብተስፋ ንፅበ፤ እንሆ ኸዓ ፀልማት ኮነ፤ ድሙቕ ብርሃን ንፅበ፤ ግና ብፀልማት ኢና እንመላለስ ዘለና።

10ከም ዕዉራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ ኣለና፤ ከምቶም ዓይኒ ዘይብሎም ሃሰስ እናበልና ንኸይድ ኣለና፤ ቀትሪ እንተሎስ፥ ከም ብጊዜ ፅልግልግ፥ ደርገፍገፍ ንብል ኣለና። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምዉታት፥ ኣብ ፀልማት ስፍራ ኢና።

11ኵላትና ኸም ድብታት ነእዊ፤ ከም ርግቢታትውን ንቝዝም ኣለና። ፍርዲ ብተስፋ ንፅበ ኔርና፤ ግና ንሱውን የለን፤ ድሕነት ተፀበና፤ ግና ንሱውን ኻባና ረሓቐ።

12“በደልና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩሞ፥ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። በደልና ምሳና እዩ ዘሎሞ፥ ሓጢኣትና ንፈልጦ ኢና።

13ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕና፤ ከሓድናዮውን፤ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ንድሕሪት በልና፤ ግፍዕን ዓመፅን ተዛረብና፤ ዘረባ ሓሰት ጠኒስና፥ ካብ ልብና ኣውፃእናዮ።

14ስለዙይ ፍትሒ ንድሕሪት ተመለሰ፤ ፅድቂ ኸዓ ኣብ ርሑቕ ቆመ፤ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩሞ፥ ቅንዕናውን ክኣቱ ኣይከኣለን።

15ሓቂ ተስኣነ፤ እቲ ኻብ ክፍኣት ዝረሓቐ ሰብ ድማ ርእሱ ንዘመተ የቃልዕ። እግዚኣብሄር ነዙይ ረአየ፤ ቅንዕና ስለ ዘየለ ኸዓ ሓዘነ።”

16ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።

17ንፅድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸደኖ፥ ንምድሓን ድማ ኸም ቍራዕ ርእሲ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ተወንዘፈ፥ ንቕንዕና ድማ ኸም ባርኖስ ገይሩ ደረቦ።

18ከከም ግብሮም ክፈድዮም እዩ፤ ቍጥዓ፥ ንተፃረርቱ፥ ፍዳ፥ ንፀላእቱ ኽፈድዮም እዩ፤ ንደሴታትውን ፍዳ ኽፈድዮም እዩ።

19ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ንስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ድማ ንኽብሩ ኽፈርሑ እዮም። ፀላኢ ኸም ውሕጅ እኳ እንተ መፀ፥ ንፋስ እግዚኣብሄር(ሀ) ክሰጎ እዩ።

20ንፅዮንን፥ ነቶም ካብ ሓጢኣቶም ዝንስሑ ቤት ያእቆብን፥ ዘድሕን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

21ኣነስ ምስኣቶም ዘለኒ ኺዳን እዙይ እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ “እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይ፥ እቲ ኣብ ኣፍካ ዘንበርኩዎ ቓለይ፥ ካብ ኣፍካ ወይ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይፍለን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

ትርጓሜ

ኢሳይያስ 59:1-8 ጸሎትና እንተዘይተሰምዔ፡ እቲ እንጽበዮ ምድሓን ድማ ንዓና እንተዘይተፈጸመ፡ እዚ ኣምላኽ ጸሎት ምስማዕ ስለ ዝደኸመ ኣይኮነን፡ እኳ ደኣ ንሕና ጸሎት ምጽላይ ስለ ዝደኸምና እዩ። ኣብዚ ሓጢኣት ብሓቀኛ ባህሪኡ፡ እጅግ ከቢድ ሓጢኣት ምዃኑ ርኣዩ። ከምኡውን ሓጢኣት ኣብ ውጽኢቱ፡ እጅግ ጎዳኢ ምዃኑ፡ ካብ ኣምላኽ ዝፈልየና፡ በዚ ድማ ካብ ኵሉ ሰናይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናብ ኵሉ እኩይ ዝፈልየና ምዃኑ ርኣዩ። ይኹንም እኳ ብዙሓት ንገዛእ ርእሶም ንጥፍኣት፡ ብዘይ እምነትን ብእኩይ ስርዓታትን ይመገቡ። ከምቲ ሸረኽረኽ ወቦኡ ዝሰርሖ፡ ዝሰርሕዎ ብልሓ ወይ ክእለት፡ ንኣኦም ከድሕኖም ወይ ከውሕሶም ኣይክእልን እዩ። ነቶም ናይ ቤዛ ጽድቂ ኣልባስ ዝንዕቑ፡ ዝኾነ ናይ ርእስኻ ዝተሰርሐ ምድሓን መደባት ኣይጠቕሞምን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ፡ ብፍጥነት ናብ ዝኾነ ዓይነት እከይ ይቕልጥፍ። እቶም ግና ንመለኮታዊ ሓቅን ፍትሕን ዘይግድሶም፡ ንሰላም ኣጋይሽ እዮም።

59:9-15 ንብርሃን መለኮታዊ ሓቂ ኣዒንትና እንተዐጸና፣ ኣምላኽ ነቲ ንሰላምና ዚኸውን ነገር ካብ ኣዒንትና ምሕባኡ ቅኑዕ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6