ትንቢት ኢሳይያስ 53

BCVትግርኛ12 ፍቕድታት2:36 ስማዕ
ስማዕ 2:36 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ቅልፅም እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደ?

2ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን፥ ከምቲ ኻብ ንቑፅ ምድሪ ዝወፅእ ሱርን ጨብጨበ፤ መልክዕን ፅባቐን የብሉን፤ ምስ ረአናዮ ንኽንፈትዎ፥ ዘብህገና ትርኢት የብሉን።

3ብሰብ ዝተንዓቐን ዝተፀልአን እዩ፤ በዓል ስቓይ፥ ብሕማም ዝተጠቕዐ እዩ፤ ከምቲ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ፥ ገፆም ዝምልሱሉ ሰብ፥ ዝተዋረደ እዩ፤ ንሕናውን ኣየኽበርናዮን።”

4“ብሓቂ ንሱ ደዌና ተቐበለ፤ ሕማምናውን ተሸከመ፤ ንሕና ግና ብእግዚኣብሄር ከም ዝተወቕዐን፥ ከም ዝተቐስፈን ከም ዝተሳቐየን ቈፀርናዮ።

5ንሱ ግና ብሰንኪ ሓጢኣትና ቘሰለ፤ ብሰንኪ በደልናውን ደቐቐ፤ ምእንቲ ድሕንነትና፥ መቕፃዕቲ ናብኡ ወረደ፤ ንሕናውን ብቝስሉ ተፈወስና።

6ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”

7“ተጨነቐ፤ ተሳቐየ፤ ግና ኣፉ ኣይከፈተን፤ ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝዅብኰብ ጡበት፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ፥ ኣፉ ኣይከፈተን።

8ብምጭናቕን ብፍርድን ተወሰደ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝበይ ተወቒዑ፥ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝተወገደ፥ ካብ ትውልዱ መን ኣስተውዓለ?

9ገበን ዘይፈፀመ፥ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበስ፥ ኣማውታኡ ምስ ክፉኣት፥ መቓብሩ ኸዓ ምስ ሃብታማት ኮነ።”

10“እግዚኣብሄር ግና ብስቓይ ከድቅቖ ፈቐደ፤ ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈየ፥ ዘርኡ ኽርኢ ዕድሚኡውን ክነውሕ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኢዱ ኽፍፀም እዩ።

11ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።

12ስለዙይ ንሱ ንብዙሓት ክወርስ እዩ፤ ምርኮውን ምስ ሓያላት ክካፈል እዩ፤ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ፥ ምስ በደለኛታትውን ተቘፂሩ እዩሞ፤ ንሱ ሓጢኣት ብዙሓት ፆረ፤ ምእንቲ በደለኛታትውን ማለደ።”

ትርጓሜ

53:1-3: ክርስቶስ ክሳቐን ድሕሪኡ ናብ ክብረቱ ኽኣቱን ከምዘለዎ፡ ከምዚ ምዕራፍ እዚ ብግልጽን ብምልኣትን ዝተነበየሉ ኣብ መላእ ብሉይ ኪዳን ዝኾነ ይኹን ካልእ ቦታ የለን። ግናኸ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ምስቲ ቃል ዚኸይድ መለኮታዊ ሓይሊ ሒደት ሰባት ጥራይ ይርድእዎ ወይ ይእመንሉ። ብወዲ ኣምላኽ ኣቢሉ ብዛዕባ ድሕነት ሓጥኣን ዚገልጽ ናይ ሓቂን ኣዝዩ ኣገዳሲን ዜና ይነዓቕ ኣሎ። እቲ ዝተማሕረኾ ትሕት ዝበለ ኩነታቱን ኣብ ዓለም ምግላጹን፡ ምስቲ ኣይሁድ ብዛዕባ መሲሕ ዝነበሮም ሓሳባት ኣይሰማማዕን ነይሩ። ብግርማን ክብሪን ክመጽእ ተደልዩ ነይሩ፤ ኣብ ክንድኡ ግና፡ ብህድኣትን ብዘይ ምርኣይን ከም ተኽሊ ዓበየ። ምስኡ ክርከብ ዚሕሰብ ዝኾነ ይኹን ክብርታት ኣይነበሮን። መላእ ህይወቱ ብኣካላዊ ኩነታት ጥራይ ትሑት ኣይነበረትን፡ የግዳስ ሓዘንኛ እውን ነበረት። ምእንታና ሓጢኣት ምስ ተገብረ፡ ሓጢኣት ዘቃልዓትናዮ ፍርዲ ተሰጠየ። ስጋውያን ልቢ ኣብ ጐይታ የሱስ ምስኡ ንኽሕበሩ ዚደልይዎ ዝኾነ ይኹን ኣይርእዩን። ኦይ! ክሳዕ ክንደይ ብብዙሓት ሰባት ኣብ ህዝቡ ይንዓቕ ኣሎ፡ ትምህርቱን ስልጣኑን ድማ ይነጸጉ ኣለዉ!

53:4-9 ኣብዚኣቶም ፍቕድታት እዚኦም፡ መግለጺ ስቅያት ክርስቶስ ከምኡ’ውን ዕላማ ስቅያቱ ይርከብ። ጎይታና የሱስ ዝተሰቕየ ንሓጢኣትናን ኣብ ክንዳናን እዩ። ኩላትና ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና እሞ፡ ካብ ክብሪ ኣምላኽ’ውን ሰንኪልና። ሓጥኣን ፍቕርቲ ሓጢኣቶም፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ክፉእ መገዲ ኣላቶም፣ ብእኡ ድማ ይሕጎሱ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6