ትንቢት ኢሳይያስ 50

BCVትግርኛ11 ፍቕድታት2:36 ስማዕ
ስማዕ 2:36 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”

2“ምስ መፃእኹ ንምንታይ እዩ ሰብ ዘይነበረ? ምስ ፀዋዕኹስ ስለ ምንታይ እዩ፥ ዝምልስ ሰብ ዘይነበረ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምቢዛው ሓፃር እያ? ወይ ከዓ ኸድሕን ዝኽእል ሓይሊዶ የብለይን እየ? እንሆ፥ ብቝጥዓይ ንባሕሪ ኣንፅፎ፤ ንወሓይዝ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ፤ ሰኣን ማይ ከዓ፥ ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር።

3ንሰማያት ብፀልማት እኸድኖ፤ መጋረዲኡውን ወጮ እገብር።”

4ንድኹም ብቓል ምፅንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ኣንደበት ሃበኒ። ንግሆ ንግሆ የንቅሐኒ፤ ከም ተምሃሮ ምእንቲ ኽሰምዕስ ንእዝነይ የንቅሖ።

5ጐይታ እግዚኣብሄር ንእዝነይ ከፈተለይ፤ ኣነውን ኣይኣበኹን፤ ኣየድሐርሐርኩን።

6ዝባነይ ንገረፍቲ፥ ምዕጕርተይ ድማ፥ ንነፀይቲ ፀጕሪ ሃብኩ፤ ገፀይ ከዓ ኻብ ውርደትን፥ ካብ ቱፍ ዝብሉለይን ኣይከወልኩን።

7ጐይታ እግዚኣብሄር ስለ ዝረድአኒ ኣይተሃወኽኩን፤ ንገፀይ ከም እምኒ ኣዛሒት ገበርክዎ፤ ከም ዘይሓፍር ከዓ እፈልጥ እየ።

8እቲ ዘፅድቐኒ ኣብ ቀረባ እዩ፤ መን እዩ ዝሟገተኒ? ብሓደ ንቑም፤ መንከ እዩ ተፃራርየይ? ናባይ ይቕረብ። መንከ እዩ ተፃራርየይ? ጭብጡ ሒዙ ይቕረብ።

9እንሆ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ፤ ዝዅንነኒ ደኣ መን እዩ? እንሆ፥ ኵላቶም ከም ክዳን ክበልዩ፥ ባልዕውን ክበልዖም እዩ።

10ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።

11ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ኵልኻትኩም፥ ነበልባልውን ዝሓዝኩም፥ በቲ ሃልሃልታ ሓዊኹምን፥ በቲ ዘንደድኩምዎ ነበልባልን ኪዱ። እምበኣር ካብ ኢደይ እትቕበልዎ እዙይ እዩ፤ ኣብ ሓዘን ድማ ኽትድቅሱ ኢኹም።

ትርጓሜ

50:1-3 እቶም ህዝቢ ኣምላኽ ምዃኖም ዝተኣምሙ እሞ ብኸቢድ ዝተቐጽዑ ኰይኖም ዝረኣዩ፣ ኣምላኽ ከም ዝጸበቖም ኰይኖም የጉረምርሙ እዮም። ነዚ ከምዚ ዝበለ ጉምጕምታ እምበኣር መልሲ ኣሎ፤ ኣምላኽ ንሓደ እኳ ካብ ረብሓታቶም ዘየስኣኖ፣ ብዘይካ ብሰሪ ሓጢኣቶም ኣይኰነን። ንኣይሁድ ናብ ባቢሎን ዘሰደዶም ብሰሪ ኣምልኾ ጣኦቶም ማለት ነቲ ኪዳን ዝበተኸ ሓጢኣት እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ንጐይታ ስብሓት ብምስማሮም ተነጸጉ። ኣምላኽ ድማ ሓጢኣቶም ንኽሓድጉን ጥፍኣቶም ንኸዕግቱን ጸዊዕዎም ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኩሉ ድማ ወዲ ናብቶም ናቱ መጸ፣ ግናኸ እቶም ናቱ ኣይተቐበልዎን። ኣምላኽ ንሰብ ናብ ሓጎስ ምስ ዝጽውዖም፣ ንሳቶም ድማ መልሲ ምስ ዘይህቡ፣ ብሓቂ ንመከራ ይሕደጉ። ንጥርጣሬታት ብዛዕባ ሓይሉ ንምዕጋት፣ መርትዖታቱ ተዋሂቡ እዩ። እቲ ምስ ስቅያቱን ሞቱን ዝተሓሓዝ ተኣምራት ከኣ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኣወጀ (ማቴ. 27:54)።

50:4-9 የሱስ ሓደ ኣካል ኮይኑ ኣምላኽን ሰብን ስለ ዝነበረ፡ ገሊኡ ግዜ ኸም እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኮይኑ ኺዛረብ ወይ ከምኡ ተባሂሉ ኺፍለጥ ንረኽቦ፡ ካልእ ግዜ ድማ ኸም ሰብን ባርያ እግዚኣብሔርን። ንሱ ነቶም ዝተሰብረን ዝተዋረደን ልቢ ዘለዎም፡ ብሓጢኣት ዝደኸሙን ብመከራ ዝተጨነቑን ዜጸናንዑ ሓቅታት ኬበስር ነበረ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፦ እናታችሁን የፈታሁበት የፍችዋ ጽሕፈት የት አለ? ወይስ እናንተን የሸጥሁ ከአበዳሪዎች ለየትኛው ነው? እነሆ፥ ስለ ኃጢአታችሁ ተሽጣችኋል፥ ስለ በደላችሁም እናታች… አማርኛ ENGNIV This is what the Lord says: “Where is your mother's certificate of divorce with which I sent her away? Or to which of m… English GAZBIB Waaqayyo,“Caaffanni ani ittiin haadha keessan gad dhiise meerree” Yookiis eenyutu gatii ana irraa qabaa iyyuun itti isi… Afaan Oromoo BCV GIZ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር፦ አይኑ ዝንቱ መጽሐፈ ኅዳጋቲሃ ለእምክሙ ዘፈነውኩ ላቲ ወለመኑ እፈዲ ዕዳ ዘሤጥኩክሙ፤ አኮኑ በኀጢአትክሙ ሤጥኩክሙ ወበጌጋይክሙ ፈነውክዋ ለእምክሙ። giz GAZGAZ Waaqayyo,“Caaffanni ani ittiin haadha keessan gad dhiise meerree” Yookiis eenyutu gatii ana irraa qabaa iyyuun itti isi… Afaan Oromoo BCV aksum እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝ… ትግርኛ AMHNIV እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፤ “እናታችሁን የፈታሁበት የፍቺ ወረቀት የት አለ? ወይስ እናንተን የሸጥኋችሁ ለየትኛው አበዳሪዬ ነው? እነሆ፤ ስለ ኀጢአታችሁ ተሸጣችኋል፤ ስለ መተላለፋችሁም እና… አማርኛ SWAHSUV Bwana asema hivi, Iko wapi hati ya talaka ya mama yenu, ambayo kwa hiyo naliachana naye? Au nimewauza ninyi kwa nani ka… Kiswahili