ትንቢት ኢሳይያስ 38

BCVትግርኛ22 ፍቕድታት3:48 ስማዕ
ስማዕ 3:48 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በቲ ዘመን እቱይ ሕዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዝበፅሕ ሓመመ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ከዓ ናብኡ መፂኡ፥ “እግዚኣብሄር ‘ክትመውት ኢኻ እምበር ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻሞ፥ ቤትካ ኣመዓራሪ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።

2ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ።

3“ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝተመላለስኩን፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር” በለ። ሕዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።

4ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኢሳይያስ መፀ፦

5“ኪድ እሞ ንሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኻ፥ ፀሎትካ ሰሚዐ፤ ንብዓትካውን ሪአ፤ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ።

6ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን፥ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማውን ክከላኸለላ እየ፥ ይብል ኣሎ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።

7“እግዚኣብሄር ንዝተናገሮ ቓል ከም ዝፍፅሞ፥ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ምልክት ይኹነልካ።

8እንሆ፥ ነቲ ኣካዝ ኣብ ዝሰርሖ ናይ ፅላሎት መለለዪ ሰዓት፥ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ክመልሶ እየ።” ፀሓይ ከዓ በቲ ናይ ፅላሎት መለለዪ ሰዓት፥ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢላ ተመልሰት።

9ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሓሚሙ ነይሩ ምስ ሓወየ፤ ዝፀሓፎ ፅሑፍ እዙይ እዩ፦

10ኣነ “ኣብ ማእኸል መዋእል ህይወተይ እንተለኹ፥ ናብ ደገታት ሲኦል ክኸይድ ድየ? ነተን ዝተረፋ ዓመታተይ ክስእን ድየ?” በልኩ።

11ደጊም “ኣብ ምድሪ ህያዋን ኮይነ፥ ንእግዚኣብሄር ኣይሪኦን እየ፤ ምስቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ኾይነ፥ መሊሰ ሰብ ኣይርእን እየ” በልኩ።

12መሕደሪየይ ተነቐለት፤ ከም ድንኳን ጓሳ ኸዓ ኻባይ ተወሰደት፤ ህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕለልኩ፤ ንሱውን ካብ መጠቕለሊ ኽቘርፀኒ እዩ፤ ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ።

13ክሳዕ ዝወግሕ ሃዲአ ተፀበኹ፤ ንሱ ግና ኸም ኣንበሳ፥ ንዅሉ ኣዕፅምተይ ሰባበሮ፤ ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ።

14ከም ለዃዂቶን ከም ራዛን ጭቝጭቝ በልኩ፤ ከም ርግቢውን ቈዘምኩ፤ ኣዒንተይ ናብ ላዕሊ ብምጥማት ደኸማ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ እጭነቕ ኣለኹሞ ዋልታ ኹነኒ።

15እንታይ እሞ ኽብል እየ፤ ንሱ ተዛሪቡኒ ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ገበሮ፤ ብዛዕባ ምረት ነፍሰይ ብዅለን ዓመታተይ፥ ብህድኣት ክመላለስ እየ።

16ኦ ጐይታ፥ ሰብ በዝ ኸምዙይ እዩ ብህይወት ዝነብር፤ ህይወት መንፈሰይ ከዓ በዝ ዅሉ እዩ፤ ኣሕውየኒ፤ ህይወትውን ምለሰለይ።

17እንሆ፥ እዝ ዓብዪ ጭንቂ እዙይ ንሰላመይ ኮነ፤ ንነፍሰይ ኣፍቂርካ፥ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ፤ ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ።

18ሲኦል ኣየመስግነኻን እዩሞ፥ ሞትውን ኣየኽብረካንሞ፥ እቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ብሓቅነትካ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም።

19ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥ እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤ ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥ ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።

20እግዚኣብሄር እዩ ዘድሕነኒ፤ ስለዙይ ብዅሉ መዓልቲታት ህይወትና፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንመዝሙራት ብመሰንቆ ኽንዝምሮ ኢና።

21ኢሳይያስ ድማ “ጎጎ በለስ ገይሮም ነቲ ዝሓበጠ ይለብጥዎ፤ ንሱውን ክሓዊ እዩ” ኢሉ ነበረ።

22ሕዝቅያስ ድማ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብስ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሉ ነበረ።

ትርጓሜ

38:1-8 ኣብ ሕማምና ክንጽሊ ከሎና፣ ኣምላኽ ነቲ ኣብዚ ንሕዝቅያስ ዝሰደደሉ መልሲ እንተዘይሰደደልና'ኳ፣ ግናኸ፣ ብመንፈሱ ሓያል ተስፋ ክንገብር እንተነገረና፣ ሓጢኣትና ከም ዝተሰረየልና፣ ከምኡ'ውን እንተንነብር ወይ እንተንመውት ንእኡ ከም እንኸውን እንተኣረጋገጸልና፣ ብከንቱ ኣይንጽልን ኢና። ርአ 2Ki 20:1-11።

38:9-22 ኣብዚ ንምስጋና ህዝቅያስ ንረክብ። ኣብ ሕማም እንረኽቦ ምሕረት ክንዝክር ቅቡል እዩ። ህዝቅያስ ዝነበሮ ኩነታት ይምዝግብ። ኣብዚ ነዊሕ ይጸንሕ፤ ጐይታ ዳግመ ከይርኢ እየ። ጽቡቕ ሰብ ንኣምላኽ ምግልጋልን ምስኡ ሕብረት ምግባርን ካብ ዝኾነ ይኹን ካልእ ዕላማ ወጻኢ ክነብር ኣይደልን።

እዛ ሕጂ እንነብራ ኣባይትና ኸም ናይ ጓሳ ኣብ ድንኳኑ እያ፣ ድኻ፣ ንኡስን ዝሑል መዕረፊን እያ፣ ከምቲ ጓሳ ዘለዎ ድማ ኣደራሽ ተዋሂቡና ኣሎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በዚያም ወራት ሕዝቅያስ ለሞት እስኪደርስ ታመመ። ነቢዩም የአሞጽ ልጅ ኢሳይያስ ወደ እርሱ መጥቶ፦ እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፦ ትሞታለህ እንጂ በሕይወት አትኖርምና ቤትህን አስተካክል፡ አለው። አማርኛ ENGNIV In those days Hezekiah became ill and was at the point of death. The prophet Isaiah son of Amoz went to him and said, “… English GAZBIB Baras Hisqiyaas dhukkubsatee du'uu ga'ee ture; Isaayaas ilmi Amoz inni raajichi gara isaa dhaqee,“Ati in duuta malee hi… Afaan Oromoo BCV GIZ ወበውእት መዋዕል ደወየ ሕዝቂያስ ወበጽሐ ለሞት፤ ወመጽአ ኀቤሁ ኢሳይያስ ወልደ አሞጽ ነቢይ፤ ወይቤሎ፦ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር፦ ሥራዕ ቤተከ እስመ ትመውት ወኢተሐዩ። giz GAZGAZ Baras Hisqiyaas dhukkubsatee du'uu ga'ee ture; Isaayaas ilmi Amoz inni raajichi gara isaa dhaqee,“Ati in duuta malee hi… Afaan Oromoo BCV aksum በቲ ዘመን እቱይ ሕዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዝበፅሕ ሓመመ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ከዓ ናብኡ መፂኡ፥ “እግዚኣብሄር ‘ክትመውት ኢኻ እምበር ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻሞ፥ ቤትካ ኣመዓራሪ’ ይ… ትግርኛ AMHNIV በዚያ ጊዜ ሕዝቅያስ ታመመ፤ ሞት አፋፍ ደረሰ፤ የአሞጽ ልጅ ነቢዩ ኢሳይያስም ወደ እርሱ መጥቶ፣ “እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፤ ‘ከሕመምህ አትድንም፤ ትሞታለህና ቤትህን አሰናዳ’ ” አለው። አማርኛ SWAHSUV Siku hizo Hezekia aliugua, akawa katika hatari ya kufa; na Isaya nabii, mwana wa Amozi, akaenda kwa mfalme, akamwambia,… Kiswahili