ትንቢት ኢሳይያስ 30

BCVትግርኛ33 ፍቕድታት6:42 ስማዕ
ስማዕ 6:42 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ።

2ቃል ኣፈይ እንተይጠየቑ፥ ብሓይሊ ፈርዖን ክፀንዑ፥ ብፅላል ግብፂ ምእንቲ ኽፅግዑ፥ ናብ ግብፂ ይወርዱ ኣለዉ።

3ግና ሓይሊ ፈርዖን መነወሪኹም፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ግብፂ ምፅጋዕኹም ድማ ፀርፊ ክኾነኩም እዩ።

4እቶም ኣሕሉቖም ኣብ ጣኔዎስ፥ ልኡኻቶምውን ኣብ ሓኔስ እንተ በፅሑ፥

5ኵላቶም ክጠቕምዎ ስለ ዘይኽእሉ፥ ሕፍረትን ፀርፍን እምበር፥ ረድኤትን ረብሓን ስለ ዘይኮኑ፥ ህዝቢ ኽሓፍሩ እዮም።”

6ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ዘለዉ እንስሳታት ዝተነግረ ፆር። “በታ ተባዕታይን፥ ኣንስተይትን ኣናብስን መንደላይ ተመንን ዝነፍር ገበልን ዘለዋ፥ ምድሪ መከራን ጭንቅን ኣቢሎም፥ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ፥ ንመዛግብቶም ከዓ ኣብ ምንጕዳ ኣግማል ፅዒኖም፥ ሓንቲ እኳ ናብ ዘይጠቕሞም ህዝቢ ይወስዱሉ ኣለዉ።

7ግብፂ እትህቦ ሓገዝ ብላሽ እዩ፤ ስለዙይ ‘ስማ ረዓብ፥ ስቕ ኢላ እትቕመጥ’ ኢለ ፀዋዕኽዋ።”

8እምበኣር ኪድ እሞ “ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ ሰሌዳ ፀሓፎ፤ ንዝመፅእ ዘመንን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ምእንቲ ኽነብር፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ” በለኒ።

9ንሳቶም ዓመፀኛ ህዝቢ፥ ሓሰውቲ ውሉድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዘይደልዩ ውሉድ እዮምሞ።

10ነቶም ራእይ ዝሪኡ “ራእይ ኣይትርኣዩ” ንነቢያትውን “ቅኑዕ ትንቢት ኣይትነበዩልና፤ ዘሐጕስ ደኣ ንገሩና፤ ጥበራውን ተነበዩልና።

11ካብ ጐደና ኣግልሱ፤ ካብ መንገዲውን ረሓቑ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ” ይብሉ።

12ስለዙይ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል፦ “ንቓለይ ንዒቕኩም፥ ኣብ ዓመፅን ክድዓትን ተወኪልኩም፥ ንእኡ መፀግዒ ኻብ ገበርኩም፥

13እዝ በደል እዙይ ከምቲ ኽወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፥ ከምቲ ብድንገትን ብቕፅበትን ክፈርስ ዝዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ክኾነኩም እዩ።

14ከምቲ መፅሓሪ ሓዊ ወይ መቕድሒ ማይ ዝኸውን፥ ገልዒ ዘይርከቦ ሓሸምሸም ኢሉ ዝስበር ዕትሮ፥ ብዘይ ምሕረት ኽሰባበር እዩ።”

15እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ብምምላስን ብምዕራፍን ክትድሕኑ ኢኹም፤ ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤” ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።

16እኳ ደኣ በፍራስ ተቐሚጥና ኢና በልኩም። ስለዙይውን ክትሃድሙ ኢኹም፤ መሊስኩም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንቕመጥ ኢና በልኩም፤ እንተ ኾነ እቶም ዘሳጕጉኹም ዝቐልጠፉ ክኾኑ እዮም።

17ብምፍርራሕ ሓደ ሰብኣይ፥ ካባኻትኩም ሽሕ ሰባት ክሃድሙ እዮም። ኣብ ልዕሊ ጫፍ እምባ ኸም ዝተተኸለ፥ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ኸም ዝቖመ ምልክት ኴንኩም ክሳዕ እትተርፉ፥ ኵልኹም ክትሃድሙ ኢኹም። ካብ ምፍርራሕ ሓሙሽተ ሰባት ዝተልዓለ ኽትሃድሙ ኢኹም።

18እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።

19ኣታ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ፅዮን እትነብር ህዝቢ! ኻብ ደጊም ኣይትበክን ኢኻ። ናብኡ ኽተእዊ እንተለኻ ኽርህርሀልካ እዩ፤ ምስ ሰምዐካውን ክምልሰልካ እዩ።

20እግዚኣብሄር ናይ ጭንቀት እንጀራን፥ ናይ መከራ ማይን እንተ ሃበካ እኳ፥ መምህርካ ደጊም ካባኻ ኣይስወርን፤ ኣዒንትኻውን ንመምህርካ ኽሪኣ እየን።

21ንየማን ወይ ንፀጋም እንተ ኣግለስካ፥ ብድሕሬኻ “እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ኺድ” ዝብል ድምፂ ኣእዛንካ ኽሰምዓ እየን።

22ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።

23ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእኻዮ ዘርኢ፥ ዝናም ክህብ እዩ፤ ካብ ምድሪ ዝርከብ እንጀራ ድማ፥ ጥዑምን ሕልፍን ትርፍን ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከብትኻ ኣብ ሰፋሕቲ ሰውሕታት ክጓሰያ እየን።

24እቶም ንምድርኻ ዝሓርሱ ኣብዑርን ኣእዱግን ከዓ፥ ብመስአን ብሰፍእን ዝፀረየ፥ ጨው ዝጥዕም ጕርዲ ኽበልዑ እዮም።

25በታ ዕርድታት ዝወድቁላ፥ ዓባይ መዓልቲ ህልቀት፥ ካብ ኵለን ነዋሕቲ እምባታትን በረኽቲ ዀረብታታትን፥ ሩባታትን ወሓዝትን ክውሕዙ እዮም።

26በታ እግዚኣብሄር ንስብራት ህዝቡ ዝፅግነላ፥ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዝፍውሰላ መዓልቲ፥ እቲ ብርሃን ወርሒ፥ ከም ብርሃን ፀሓይ ክኸውን፥ ብርሃን ፀሓይ ድማ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ።

27እንሆ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዝነድድ ቍጥዓኡን፥ ምስ ዝዕብልኽ ትክን ካብ ርሑቕ ይመፅእ ኣሎ፤ ከናፍሩ ብቝጥዓ ዝመልኣ፥ መልሓሱ ኸዓ ኸም ዘቃፅል ሓዊ እዩ።

28እስትንፋሱ ኸምቲ ንዅሉ ፀራሪጉ ዝወስድ፥ ክሳዕ ክሳድ ድማ ኸም ዝበፅሕ ምልኣት ማይ ውሕጅ እዩ፤ ንሱ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብመንፊት ጥፍኣት ይነፍዮም፤ ኣብ ምንጋጋ ህዝብታት ድማ፥ ዘጋጊ ልጓም ከእቱ እዩ።

29ንስኻትኩም ግና ኸምታ ቅዱስ በዓል ዝበዓለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም። ከምቲ ኣብ እምባ እግዚኣብሄር ናብቲ ኰዅሒ እስራኤል፥ ብቓና እምብልታ ኽድይቡ እንተለዉ፥ ከምኡ ናይ ልቢ ደስታ ክኾነልኩም እዩ።

30እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ምውራድ ቅልፅሙ ኸዓ ብቝጥዓኡን፥ ብዝነድድ ሃልሃልታ ሓዊን፥ ብንፋስ ኣውሎን ፀፍዕን ነጐድጓድን፥ በእማን በረድን ከርኢ እዩ።

31ኣሶርውን ብበትሪ ኻብ ዝወቕዖ ኻብ ድምፂ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ኽድንግፅ እዩ።

32ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ዘውረደሉ ናይ በትሪ መቕፃዕቲ፥ ብኸበሮን ብመሰንቆን ክኸውን እዩ። ኣብ ውግእውን ቅልፅሙ ኣልዒሉ፥ እግዚኣብሄር ክዋግኦም እዩ።

33ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ።

ትርጓሜ

30:1-7 ኣይሁድ ብሓንቲ ሸነኽ ብጐረባብቶም ክጨናነቑ ከለዉ፡ ናብ ኣምላኽ ምጥማት ዝገደፉሉ፡ ካብ ካልኦት ሓገዝ ዝደልዩሉ፡ ብዙሕ ግዜ ጥፍኣቶምን ዕሽነቶምን ነይሩ። ሓጢኣት ኣብ ሓጢኣት ብምውሳኽ ካብ ዝመጽእ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ክንምልቕ ኣይንኽእልን፡ እንተዘይኮይኑ ግን ንጽድቂ ክርስቶስ መዕቆብና ብምግባርን ንምቅዳስ መንፈስ ቅዱስ ብምድላይን እዩ። ሰባት ወትሩ ናብ ገዛእ ኣእምሮኦም ክምርኮ ዝፍትኑ ነበሩ፡ እዚ ግን ብሕፍረቶምን ብመከራኦምን እዩ ዝድምደም። ንኣምላኽ ኣይተወከሉን። ንግብጻውያን ንምርካብ ብዙሕ ጻዕሪ ገበሩ። እቲ በዚ ዝተባኽነ ሃብቲ ጽቡቕ ኣይወጸሉን። ንኣምላኽ ሓዲጎም ንስጋዊ ምትእምማኖም ዝስዕቡ ሰባት እንታይ ሓደጋታት ከም ዘምርሕ ርአ። እቲ ፈጣሪ ዘለኣለማዊ ከውሒ እዩ፡ ፍጥረት ግን ዝተሰብረ ሸምበቖ እዩ። ካብ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ክንጽበ ይግባእ እምበር፡ ካብ ኣምላኽ ግን ዝበዝሐ ክንጽበ ንኽእል ኢና። ሓይልና ብትሕትና ኣብ ኣምላኽን ኣብ ጽቡቕነቱን ብምምርኳስን፡ ከምኡ እውን ንፍቓዱ ብህድኣት ብምእዛዝን፡ ህድእ ኢልና ምቕማጥ እዩ።

30:8-18 ኣይሁድ ሽዑ ኣብ ዓለም ኣምላኽ በዓል ስሙ ዝነበሮ ህዝቢ ጥራይ ነበሩ፣ ግናኸ ብዙሓት ካብኣቶም ዓመፀኛታት ነበሩ። ብርሃን ነበሮም፣ ግናኸ ኣብ ክንዲኡ ጸልማት ፈተዉ። ነብያት ንሓጥኣተኛ ተግባራቶም ገደብዎም፣ ብዘይ ፍርሃት ከይቕጽሉ ገበሩዎም እሞ፣ ንሳቶም ግን እዚ ብሕማቕ ገይሮም ረኣይዎ። እሙናት ኣገልገልቲ ግና ንሓጥኣተኛታት ንምብራህ ካብ ምፍታን ኣይውግኡን። ኣምላኽ ቅዱስ እስራኤል እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ከምኡ ኾይኑ ክረኽብዎ እዮም። ንቅዱሳት ትእዛዛቱን ንሓጥኣት ዘለዎ ጽልእን ክሰምዑ ኣይፈተዉን፤ እዚ ነገራት እዚ እንደገና ከይዝክርዎም ድማ ተመንዩ። ግን ክኣ ቃል ኣምላኽ ስለ ዝነዓቑዎ፣ ሓጥኣታቶም ንደህንነቶም ኣፍረሶ። ኩነታቶም ከም ኣቕሓ ሸክላ ተሰባቢሩ ክጠፍእ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ለዓመፀኞች ልጆች ወዮላቸው! ይላል እግዚአብሔር፤ ከእኔ ዘንድ ያልሆነን ምክር ይመክራሉ፥ ኃጢአትንም በኃጢአት ላይ ይጨምሩ ዘንድ ከመንፈሴ ዘንድ ያልሆነውን ቃል ኪዳን ያደርጋሉ። አማርኛ ENGNIV “Woe to the obstinate children,” declares the Lord, “to those who carry out plans that are not mine, forming an allianc… English GAZBIB Waaqayyo, “Ijoollee ana didanii ka'aniif, warra akeeka isa akeeka koo hin ta'in qopheeffataniif, warra fedha koo duuba … Afaan Oromoo BCV GIZ አሌ ሎሙ ለውሉደ ዐላዋያን ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር ገበርክሙአ ምክረ ወአኮ በእንቲአየ ወተሠራዕክሙ ወአኮ በእንተ መንፈስየ፤ ከመ ትወስኩ ኀጢአተ በዲበ ኀጢአት። giz GAZGAZ Waaqayyo, “Ijoollee ana didanii ka'aniif, warra akeeka isa akeeka koo hin ta'in qopheeffataniif, warra fedha koo duuba … Afaan Oromoo BCV aksum ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ። ትግርኛ AMHNIV “ለዐመፀኞች ልጆች ወዮላቸው” ይላል እግዚአብሔር፤ “የእኔ ያልሆነውን ሐሳብ ይከተላሉ፤ ከመንፈሴ ያልሆነውን ቃል ኪዳን ያደርጋሉ፤ በኀጢአት ላይ ኀጢአት ይጨምራሉ። አማርኛ SWAHSUV Ole wa watoto waasi; asema Bwana; watakao mashauri lakini hawayataki kwangu mimi; wajifunikao kifuniko lakini si cha ro… Kiswahili