ትንቢት ኢሳይያስ 17

BCV aksumትግርኛ14 ፍቕድታት2:56 ስማዕ
ስማዕ 2:56 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብዛዕባ ደማስቆ ዝተነግረ ፆር። “ድሕሪ ደጊም ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ክተቋርፅ እያ፤ ዑናን ኵምራ ፍርስራስን ክትከውን እያ።

2ከተማታታ ኽባድማ እየን። መጓሰታት ዝውዕላለን ክኾና እየን፤ ዘፍርሐንውን የለን።

3ዕርድታት ካብ ኤፍሬም፥ መንግስቲ እውን ካብ ደማስቆ፥ ክውገድ እዩ። ተረፍ ሶርያ ድማ፥ ከም ክብሪ ተረፍ እስራኤል ክኸውን እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

4ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክብሪ ያእቆብ ክትሕት እዩ፤ ህጥራን ስጋኡውን ኽዓብር እዩ።

5ከምቲ ዓፃዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ፥ ብኢዱ ኣኪቡ ነቲ ጕንቦ ዝዓፅዶ ክኸውን እዩ። ኣብ ለሰ ራፋይም ዝቕረም ከምኡ ክኸውን እዩ።

6ከምቲ ኣውሊዕ ምስተነነወ፥ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕለዋይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ፍረ፥ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከዓ፥ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ውሑድ ቀሪም ክተርፍ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።”

7በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ኽጥምት እዩ፤ ኣዒንቱ ኸዓ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሪኣ እየን።

8ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢታት ኣይጥምትን እዩ፤ ናብቲ በፃብዕቱ ዝገበሮ ጣዖታት ኣስታሮት ወይ ናብ ምስልታት ፀሓይ ድማ ኣይርእን እዩ።

9በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምተን ኣሞራውያንን ኤዊያውያንን፥ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እትሓድጋ ቦታታት ዝባደማ፥ እተን ፅኑዓት ከተማታት ክባድማ እየን።

10እስራኤል፥ ንኣምላኽ ምድሓንኪ ረሳዕኺዮ፤ ነቲ ፅኑዕ ኰዅሒ ሓይሊ ዝኾነልኪ ኸዓ ኣይዘከርክዮን፥ ስለዙይ ደስ ዘብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፥ ጋሻ ዝኾነ ዘርኢ እውን ትዘርኢ ኣለኺ።

11ግና በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ እኳ እንተ በቘለ፥ ብፅባሒቱውን እንተ ዓምበበ፥ በታ መዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን፥ እቲ ቐውዒ ኸንቱ ክኸውን እዩ።

12ከም ምትማም ባሕሪ ንዝተሙ፥ ከም ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ዝብል ድምፂ ዘስምዑ ህዝቢ ወይለኦም!

13ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።

14ኣጋ ምሸት ድንጋፀ ይመፅእ፤ ግና ምድሪ ምስ ወግሐውን ኣይርከቡን። ግደ እቶም ዝማረኹናን፥ ብፅሒት እቶም ዝዘመቱናን እዙይ እዩ።

ትርጓሜ

17:1-11 ሓጢኣት ንኸተማታት የባድማ። ዓበይቲ ወነንቲ ንሰብኣዊ ፍጥረት ጸላእቲ ብምዃኖም ምብህርዳሞም ዘገርም እዩ፤ እንተኾነ ግና፡ ኣብኡ መጓሰታት ካብ ምድቃስሲ፡ ንኣምላኽን ቅድስናኡን ብግልጺ ዚዕብዱ ዝኾነ ይኹን ካብ ምሕባእ ይሓይሽ። ጽኑዓት ዕርዲ እስራኤል፡ መንግስቲ ዓሰርተ ነገዳት፡ ናብ ጥፍኣት ኪመጽእ እዩ። እቶም ኣብ ሓጢኣት ተኻፈልቲ ዝኾኑ፡ ብቕንዕና ኣብ ጥፍኣት እውን ተኻፈልቲ ይኾኑ። እቲ ህዝቢ፡ ብሓጢኣታቱ፡ ንርእሱ ናብ ጥፍኣት በጺሑ ነበረ፤ ክብሮም ድማ ከምቲ ገባር ስርናይ ካብ ግራት ዚሕጭዶ፡ ብጸላኢ ብኡ ንብኡ ተሓጺዱ ተወስደ። ኣብ ማእከል ፍርዲ፡ ምሕረት ንዝተረፉ ተዓቂቡ ኣሎ። ግናኸ ኣዝዮም ውሑዳት ንምድሓን ኪሕተሙ እዮም። እዚኣቶም ከኣ በብሓደ በብሓደ ዝተረፉ እዮም። እቶም ዝተረፉ ግና ቅዱሳት ኪኾኑ እዮም። እቶም ውሑዳት ዝዳሓኑ፡ ናብ ኣምላኽ ንምምላስ ተባራቢሮም ነበሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6