ትንቢት ኢሳይያስ 15

BCV aksumትግርኛ9 ፍቕድታት2:04 ስማዕ
ስማዕ 2:04 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብዛዕባ ሞኣብ ዝተነግረ ሸኽሚ፥ ኣየ፥ እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ዒር፥ ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት! እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት!

2ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን መስገዲ ዀረብታታት ይድይቡ ኣለዉ፤ ሰብ ሞኣብ ከዓ ንኸተማታቶም ናባን ሜድባን ብሓዘን ይበኽዩለን ኣለዉ፤ ፀጕሪ ርእሶም ተነፅዩ ጭሕሞም ከዓ ተላፅዩ እዩ።

3ፈቖዶ መንገድታቶምውን ወጮ ተዓጢቖም ኣብ ናሕስታቶምን ኣብ ኣደባባያቶምውን፥ የመና ንብዓት እናፍሰሱ ዅሎም በኽዮም እዮም።

4ሓሴቦንን ኤልያሊን የእውዩ ኣለዉ፤ ድምፆም ከዓ ኽሳዕ ያሃፅ ይስማዕ ኣሎ፤ ስለዙይ ሰልፈኛታት ሞኣብ ኣእወዩ። ነፍሳ ኣብ ውሽጣ ተንቀጥቀጠት።

5ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፥ እቶም ካብኣ ዝሃደሙ ናብ ዞኣር፥ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ዀብለሉ፤ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ ኣለዉ፤ ኣብቲ ናብ ሖሮናይም ዝወስድ መንገዲውን፥ ጠፋእና እናበሉ ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።

6ማያት ኔምሬም ክነፅፉ እዮም፤ ሳዕሪውን ነቒፁ እዩ፤ ጠጥዒ ፀምልዩ ዅሉ ልምላሜኡ የለን።

7ስለዙይ ሰባት ነቲ ዝኣከብዎን ነቲ ዝዓቘርዎን ሒዞም ብሩባ ዕቦል ከሳግርዎ እዮም።

8ንወሰናት ሞኣብ ኣውያት ከበቦ፤ ብኽያታ ኸዓ ኽሳዕ ኤግላይም፥ ክሳዕ ብኤር ኢሊም በፅሐ።

9ማያት ዲሞን ብደም ተመሊአን ኣለዋ፤ ኣብ ልዕሊ ዲሞን ድማ፥ ካብዙይ ዝገደደ ስቓይ ከምፅአሎም እየ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሃድሙ ሰብ ሞኣብን፥ ኣብ ልዕሊ ተረፍ እታ ሃገርን ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።

ትርጓሜ

15:1-9 ኣብ ልዕሊ ሞኣባውያን ኪወርድ ዝቐረበ መለኮታዊ ፍርድታት። እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ኪፍጸም ዝነበሮ ትንቢት፡ ተልእኾ እቲ ነብዪ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኩሎም ካልኦት ትንቢታቱ እምነት ከተትሕዝ እዩ። ብዛዕባ ሞኣብ እዚ ዚስዕብ ትንቢት ተነግረ፡ 1. ቀንዲ ከተማታቶም ብጸላኢ ብሃንደበት ክትወረር ምዃነን። ዓበይቲ ከምኡ’ውን ኣዝዮም ዘሕዝኑ ለውጥታት ብሓጺር ጊዜ ክወርዱ ይኽእሉ እዮም። 2. ሞኣባውያን ንምሕረት ናብ ጣኦታቶም ክምልሱ እዮም። ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት፡ ኣብ ጸገም ምስ ኣተዉ፡ መጸናንዒ የብሎምን። ግናኸ፡ ብፍርሃቶም ገይሮም፡ ብሓቀኛ ንስሓን ብእምነት ዝዓርገ ጸሎትን ንሓናጺ ኣምላኽና ንምቕራብ ኣይደፍሩን እዮም። 3.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6