ትንቢት ሆሴእ 9

BCVትግርኛ17 ፍቕድታት2:45 ስማዕ
ስማዕ 2:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኦ እስራኤል፥ ካብ ኣምላኽካ ተፈሊኻ ኣመንዚርካ፥ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻሞ፥ ከም ኣህዛብ ደስ ኣይበልካ፤ ኣይትተሓጐስውን።

2ዓውድን መፅመቚ ወይንን ኣይቕልቦምን፤ ኰልዒ ወይኒ እውን ክጐድል እዩ።

3ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ኣይነብሩን እዮም፤ ኤፍሬምውን ናብ ግብፂ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ኣሶር ከዓ ርኹስ ምግቢ ኽበልዑ እዮም።

4ንእግዚኣብሄር ቍርባን ወይኒ ኣየፍሰሱን፤ መስዋእቶምውን ኣየሐጕሶን። ንኣኣቶም እንጀራ ሓዘን ክኾኖም እዩ። ካብኡ ዝበልዕውን ክረክስ እዩ። እንጀራኣቶምውን ንርእሶም ደኣ ይኾን እምበር ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣቱን።

5ብመዓልቲ ዓብዪ በዓልን፥ ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄርን፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?

6እንሆ፥ ካብ ጥፍኣት ሃዲሞም ከዱ፤ ግብፂ ድማ ኽትእክቦም እያ፤ ሜምፎስውን ክትቀብሮም እያ። ነቲ ኽቡር ብሩሮም ኣምዐ ይወርሶ፤ ኣሜከላውን ኣብ ውሽጢ ድንኳናቶም ይበቍል።

7ወርሓት ቅፅዓት መፂኡ እዩ፤ መዓልቲታት ፍዳ ኸዓ በፂሑ እዩ፤ እስራኤልውን ይፈልጦ እዩ። ካብ ብዝሒ ሓጢኣትካን፥ ካብ ፅልኣትካን ዝተልዓለ፥ እቲ ነቢይ ሰሲዑ፥ እቲ መንፈሳዊ ሰብ ድማ ኸም ዕቡድ ተቘፀረ።

8ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ኮይኑ ሓላዊ ነበረ፤ ሕዚ ግና ነቲ ነቢይ ኣብ ኵሉ መንገዱ መፈንጠር ኣዕዋፍ ኮነ፤ ኣብ ቤት ኣምላኹውን ፅልኢ ኣሎ።

9ከምቲ ኣብ ዘመን ጊብዓ ዝነበረ የመና ረኸሱ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍኣቶም ክዝክር እዩ፤ ስለ ሓጢኣቶምውን ክብቀሎም እዩ።

10ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ኾይኑ ረኸብክዎ። ነቦታትኩም ድማ፥ ከምቲ ቐዳማይ በኵራት ፍረ ኦም በለስ ረአኽዎም። ንሳቶም ግና ናብ ብዔልፌጎር ኣተዉ፤ ንነውሪ ድማ ተፈለዩ፤ ከምቲ ዝፈተውዎ ኸዓ ርኹሳት ኮኑ።

11ክብሪ ኤፍሬም፥ ከም ዒፍ ነፊሩ ኽጠፍእ እዩ፤ ደጊም ምውላድ ምጥናስ ድቂ ምሓዝ ኣይኾነሎምን።

12ውሉድ ወሊዶም እንተ ኣዕበዩኳ፥ ሓደ ሰብ ከይተርፈሎም ውሉድ ኣልቦ ኽገብሮም እየ። ካብኣቶም ምስ ረሓቕኩ ወይለኦም!

13ኣነ ኸም ዝረአኽዎ፥ ደቂ ኤፍሬም ንምርኮ ተውሂቦም እዮም። ኤፍሬምውን ንደቁ ናብ ቀተልቲ ኸውፅእ እዩ።

14ኦ እግዚኣብሄር፥ ሃቦም፤ እንታይ ክትህቦም ኢኻ? ዘይወልድ ማህፀንን ንፁፍ ጡብን ሃቦም።

15ኣብ ጌልገላ ኻብ ዝገበርዎ ኽፍኣት ዝተልዓለ፥ ኣነ ኣብኡ ፀላእኹዎም። ስለ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣትውን፥ ካብ ቤተይ ከሳጕጎም እየ። ድሕሪ ደጊም ኣየፍቅሮምን እየ፤ ኵሎም ኣሕሉቖም ዓመፀኛታት እዮም።

16ኤፍሬም ተወቕዐ፤ ሱሩውን ነቐፀ፤ ፍረ ድማ ኣየፍርን። እንተ ወለዱውን፥ ነቶም ፍረ ኸርሶም ክቐትሎም እየ።

17ስለ ዘይሰምዕዎ ኣምላኸይ ክድርብዮም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ኰብለልቲ ክኾኑ እዮም።

ትርጓሜ

9:1-6 እስራኤል ብዝቐረብሎም መስዋእትታት ንጣኦታቶም ዓስቢ ኣቕረቡሎም። ኣብ ሃይማኖት ሓላልቶ ንዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ትምኒቶም ግና ህርፋናውያን ንኽኾኑ ባህርያቶም እዩ። ካብ ኣብ ሞገስ ኣምላኽን ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወትን ዝርከብ ዓስቢ ንላዕሊ፡ ኣብ መሐመዲ እኽሊ ዝርከብ ዓስቢ ዝፈትዉ ሰባት ከም ኣምለኽቲ ጣኦት ይቑጸሩ። ብሓጎስ ምህርቲ ምሉኣት እዮም እሞ ንሓጢኣት ንምጕሃይ ድልየት የብሎምን።

ንዓለምን ንነገርኣን ጣኦትናን ክፍልናን ክንገብር ከሎና፡ ኣምላኽ ዕሽነትና ከርእየናን ኪቕጽዓናን ቅኑዕ እዩ። ንሕግታት እግዚኣብሔር ዘይግዛእ ወይ ብፍቕሩ ዘይመሓደር ሰብ፡ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሔር ኪነብር ኪጽበ የብሉን። ንመገድታት ጸጋ ክንጥቀም ከሎና፡ ካባና እንተ ተወሲዶም፡ እንታይ ከም እንገብር ክንሓስብ ይግባእ። ሓጎስ ሕብረት ምስ ኣምላኽ ካብ ለውጢ ወጻኢ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ብብርዒ እተዓደጉ ባህጒ ዝኾኑ ቦታታት ወይ ሰባት ብርዒ ዜቐምጡሎም ቦታታት ግን ናብ ዕንወት ኪበጽሑ ይኽእሉ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እስራኤል ሆይ፥ ከአምላክህ ተለይተህ አመንዝረሃልና እንደ አሕዛብ ደስ አይበልህ፥ ሐሴትንም አታድርግ፤ በእህሉ አውድማ ሁሉ ላይ የግልሙትናን ዋጋ ወድደሃል። አማርኛ ENGNIV Do not rejoice, O Israel; do not be jubilant like the other nations. For you have been unfaithful to your God; you love… English GAZBIB Yaa Israa'el, ati ejjuu keetiin Waaqayyo kee irraa waan gara galteef, midhaan oobdii hundumaa irratti argattus “Gatii g… Afaan Oromoo BCV GIZ ኢትትፈሣሕ ወኢትትሐሠይ እስራኤል ከመ አሕዛብ እስመ ዘመውከ እምአምላክከ፤ ወአፍቀርከ ሀብተ እምኵሉ ዓውደ እክል ወምክያደ ወይን። giz GAZGAZ Yaa Israa'el, ati ejjuu keetiin Waaqayyo kee irraa waan gara galteef, midhaan oobdii hundumaa irratti argattus “Gatii g… Afaan Oromoo BCV aksum ኦ እስራኤል፥ ካብ ኣምላኽካ ተፈሊኻ ኣመንዚርካ፥ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻሞ፥ ከም ኣህዛብ ደስ ኣይበልካ፤ ኣይትተሓጐስውን። ትግርኛ AMHNIV እስራኤል ሆይ፤ ደስ አይበልሽ፤ እንደ ሌሎችም ሕዝቦች ሐሤት አታድርጊ፤ ለአምላክሽ ታማኝ አልሆንሽምና፤ በየእህል ዐውድማውም ላይ፣ ለጋለሞታ የሚከፈለውን ዋጋ ወደሻል። አማርኛ SWAHSUV Usifurahi, Israeli, kwa sababu ya furaha, kama hao mataifa; kwa kuwa umezini juu ya Mungu wako, umependa ujira katika k… Kiswahili