ትንቢት ሆሴእ 6

BCV aksumትግርኛ11 ፍቕድታት1:37 ስማዕ
ስማዕ 1:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ንዑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፤ ንሱ ሰይሩና እዩ፤ ንሱውን ክፍውሰና እዩ። ንሱ ወቒዑና እዩ፤ ንሱውን ክፅግነና እዩ።

2ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ኸሕውየና፥ ብሳልሳይ መዓልቲ ድማ ኸተስአና እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና።

3ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ። ንሱ ብርግፅ ከም ወጋሕታ ተዳልዩ ኽንረኽቦ ኢና፤ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ፅብሓት፥ ከም ዝናም ክረምትውን ናባና ኽመፅእ እዩ።”

4እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰናይኩም ከም ግመ ንግሆ፥ ከም ዝጠፍእ ኣውሊ እዩሞ፥ ኦ ኤፍሬም፥ እንታይ ክገብረካ? ኦ ይሁዳ፥ እንታይ ክገብረካ?

5ስለዙይ ብኢድ ነቢያተይ ቈራረፅኩዎም፤ ብቓል ኣፈይውን ቀተልኩዎም፤ ፍርደይ ከዓ ኸም ብርሃን ይወፅእ።

6ካብ መስዋእቲ ምሕረት፥ ካብ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ እፈቱ እየ።

7“ንሳቶም ግና ኸም ኣዳም ቃል ኪዳን ኣፍረሱ፤ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ጠለሙኒ።

8ገለዓድ ብደም ዝጠልቀየት፥ ከተማ ኽፉኣት ሰባት እያ፤ ብደምውን ዝተቐብአት እያ።

9ከምቲ ንሰብ ከጥቅዑ ዘድብዩ ኸተርቲ፥ እቶም ካህናትውን ኣብ መንገዲ ሴኬም ይቐትሉ፤ ዘሕፍር ዓመፅውን ይፍፅሙ።

10ኣብ ቤት እስራኤል ዘስካሕክሕ ነገር ረአኹ፦ ኣብኡ ናይ ኤፍሬም ምንዝርና ኣሎ፤ እስራኤልውን ረኸሰ።”

11“ኦ ይሁዳ ናይ ህዝበይ ምርኮ ብዝምለሰሉ ጊዜ ንኣኻውን ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።”

ትርጓሜ

6:1-3 እቶም ብፍቓዶም ሓቢሮም ንሓድሕዶም ናብ ሓጢኣት እናሳበቡ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ፣ ብፍቓዶም ሓቢሮም ናብኡ ክምለሱ ይግባእ፣ እዚ ድማ ንኽብሩን ንጥቕሞምን ኪኸውን እዩ። ኣብ ትሕቲ ጭንቀት ንምድጋፍን ንንስሓና ንምብርትታዕን፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ዕላማታቱን ትልማቱን ጽቡቕ ሓሳባት ንምሕላው ዓብዪ ኣገዳስነት ኪህልዎ እዩ። ካብ ጸገም ምድሓን ንኦኦም ከም ህይወት ካብ ሞት ክኸውን ይግባእ። ኣምላኽ ኪትንስኦም እዩ፡ እዚ ምትእምማን እዚ ድማ ናብኡ ንኽምለሱ ከበረታታዖም ይግባእ። ግናኸ እዚ ንትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ተወሳኺ ምጥቃስ ዘለዎ ይመስል። ነብዪ ምድሓን ቤተ ክርስቲያን ካብ ጸገማታ ከም ዝኸውን ምስ ነገረ፡ ምድሓንና ብክርስቶስ ከም ዝኸውን ምጥቃሱ፡ ሕጂ ድማ እዘን ቃላት እዚኣተን ብትንሳኤ ክርስቶስ ስለ ዝተፈጸማ፡ እዚ ንሱ እቲ ኪመጽእ ዝነበሮ ምዃኑን ካልእ ከም ዘይንጽበን ንእምነትና የጽንዖ። ንጥበብን ጽቡቕነትን ኣምላኽ ነደንቕ።

ክቡር በረኸት ተመቢሉ ኣሎ፤ ንኣምላኽ ምፍላጥ ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6