እብራውያን 9

BCV aksumትግርኛ27 ፍቕድታት5:02 ስማዕ
ስማዕ 5:02 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ነታ ቐዳመይቲ ኺዳንውን፥ ናይ ኣገልግሎት ስርዓትን ምድራዊ መቕደስን ነበራ።

2ድንኳንውን ተተኺሉ ነበረ፤ እታ “ቅድስቲ” ተብሂላ እትፅዋዕ፥ ቅድም እትርከብ ክፍሊ ድማ፥ ቀዋሚ ቐንዲልን ጠረጴዛን ሕብስቲ ቝርባንን ነበራ።

3ድሕሪ እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ንንየው ዘላ ኽፍሊ ድማ፥ ቅድስተ ቅዱሳን ትብሃል ነበረት።

4ኣብ ውሽጣ ብወርቂ ዝተሰርሐ ማዕጠንትን፥ ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ። ኣብ ውሽጣ መና ዝሓዘት መሶበ ወርቅን፥ ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን፥ ፅላት ኪዳንን ዝሓዘት ነበረት።

5ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ከዓ፥ ነቲ ስርየት ሓጢኣት ዘፅልሉ፥ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። እንተ ኾነ ሕዚ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ ኣስፊሕና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።

6ከምዙይ ኮይኑ ምስተዳለወ፥ እቶም ካህናት ኵልሻዕ፥ ኣብቲ ናይቲ ድንኳን ቀዳማይ ክፍሊ፥ ኣገልግሎቶም ክፍፅሙ ይኣትዉ ነበሩ።

7ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን።

8እታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ድንኳን ቆይማ ኽሳዕ ዘላ፥ እቲ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ዘእቱ መንገዲ፥ ገና ኸም ዘይተገለፀ መንፈስ ቅዱስ የርኢ ኣሎ።

9እዙይ፥ ናይዝ ዘመን እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ መባእን መስዋእትን ከዓ፥ ናይቲ ዘቕርብ ሰብ ሕሊና ኸንፅህ ከም ዘይኽእል የመልክት።

10እዙይ እቲ ዘመን ምሕዳስ ክሳዕ ዝመፅእ ዝግበር፥ ናይ ብልዕን መስተን፥ ናይ በብዓይነቱ ዝኾነ፥ ናይ ምንፃህ ኣፍኣዊ ስርዓት ጥራሕ እዩ ነይሩ።

11ክርስቶስ ግና፥ ናይቲ መፂኡ ዘሎ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኮይኑ መፀ። ናብታ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ብልፅትን ፍፅምትን፥ ካብዝ ፍጥረት እዙይ ዘይኮነትን ድንኳን ከዓ ኣተወ።

12ደም ኣጣልን ዝራብዓትን ሒዙ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ደም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ኣተወ።

13ደም ኣጣልን ዝራብዓትን፥ ናይታ ዝሓረረት ዓርሒ ሓመዅሽትን፥ ኣብቶም ዝረኸሱ ተነፂጉ፥ ሰብነቶም ኣንፂሁ ዝቕድሶም ካብ ኮነ፥

14ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!

15በዝ ምኽንያት እዙይ፥ ክርስቶስ ናይዛ ሓዳስ ኪዳን እዚኣ፥ ማእኸላይ መተዓረቒ ኾነ። እቶም ፅዉዓት፥ ነታ ዘተስፈዎም ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ካብቲ ኣብ ትሕቲ እታ ቐዳመይቲ ኺዳን እንተለዉ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምእንቲ ኸድሕኖም፥ ቤዛ ኾይኑ ሞተ።

16ኑዛዜ እንተ ሃልዩ፥ ናይቲ ዝተናዘዘ ሰብ ሞት ምርግጋፅ የድሊ እዩ።

17ኑዛዜ ድሕሪ ሞት እዩ ዝፀንዕሞ። እቲ ዝተናዘዘ፥ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ግና ዝጠቕሞ የብሉን።

18ስለዙይውን እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ክትስራዕ እንተላኳ፥ ብዘይ ደም ኣይፀንዐትን።

19ሙሴ ድማ፥ ነቲ ትእዛዝ ብምሉኡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ምስ ነገሮም፥ ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ምስ ማይ ሓዊሱ፥ ብቐይሕ ፀጕሪ በጊዕን፥ ብቘፅሊ ስምዕዛን ገይሩ፥ “እግዚኣብሄር ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም፥ ብደም ዝተሰርዐ ኺዳን እዙይ እዩ” እናበለ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቶም ህዝብን ነፀገሎም።

21ከምኡ ድማ፥ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ ኣገልግሎት ኣቕሑን ደም ነፀገሉ።

22ከምቲ ሕጊ ዝሰርዖ፥ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዝነፅህ፤ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን፥ ስርየት ሓጢኣት የለንሞ።

23እምበኣር ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፥ ምስሊ ዝኾነ፥ ብመስዋእቲ ኽነፅህ ግድን ካብ ኮነ፥ እቲ ሰማያዊ ነገራት ንባዕሉ ብዝሐሸ መስዋእቲ ኽነፅህ ግድን እዩ።

24ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ክንዳና ምእንቲ ኽረአየልና፥ ናብ ሰማይ ኣተወ እምበር፥ ናብታ ብኢድ ዝተገብረት፥ ናይታ ምስሊ ናይ ብሓቂ መቕደስ ናብ ዝኾነት ኣይኣተወን።

25ከምቲ ሊቀ ካህናት በብዓመት፥ ናይ ካልእ ደም ሒዙ ናብ መቕደስ ዝኣቱ፥ ክርስቶስ ንባዕሉ ብዙሕ ጊዜ ከቕርብ ኣይኣተወን።

26ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዙሕ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንሓጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ።

27ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፥

28ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኸወግድ፥ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፥ ደጊም ንሓጢኣት ክፀውር ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝፅበይዎ ኸድሕኖም፥ ካልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለፅ እዩ።

ትርጓሜ

9:1-5 ሃዋርያ ንእብራውያን፡ ምስ ስርዓታቶም ናብ ክርስቶስ ዘሎ ትእምርታዊ ምምልካት የርእዮም። እቲ ድንኳን ዝመሓላለፍ ቤተ መቕደስ ነበረ፣ ንዘይተጸገዐ ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሪ ከምኡ’ውን ንሰብኣዊ ባህርይ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ፣ ኣብኡ ምሉእ መለኮት ብኣካል ሓዲሩ ምንባሩ ዝተንበየ። ትእምርታዊ ትርጉም ናይዚኦም ኣብ ዝሓለፈ ርእይቶታት ተገሊጹ እዩ። ስርዓታትን ኣቁሑትን ናይ ሙሴ ኪዳን ድማ ንክርስቶስ ከም ብርሃንናን ከም እንጌራ ህይወት ንነፍሳትናን የመልክቱ፤ ብዛዕባ መለኮታዊ ኣካሉ፡ ቅዱስ ክህነቱ፡ ፍጹም ጽድቁን ንኹሉ ዝሰግእ ምልጃኡን ድማ የዘኻኽሩና። በዚ መገዲ እዚ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ካብ መጀመርታ ዅሉ ኣብ ዅሉ ነበረ። ከም ወንጌል ዝገልጾ ድማ፡ እዚኦም ክብራውያን መግለጺ ናይ ጥበብ ኣምላኽ እዮም፡ እምነት ድማ ኣብቲ ብኣቶም ዝተመሰለ የጽንዑ።

9:6-10 ሃዋርያ ብዛዕባ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣገልግሎታት ክዛረብ ይቕጽል ኣሎ። ክርስቶስ: ሊቀ ካህናትና ኪኸውን ተባዕተወ እሞ: ምእንታና ደሙ ኸይፈሰሰ ናብ ሰማይ ኪኣቱ ኣይከኣለን። ካባና ሓደ እኳ ናብዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጸጋዊ ህላዌ ኣምላኽ ይኹን: ናብቲ ድሕሪ ሕጂ ዘሎ ናይ ክብሪ ህላዌኡ: ብደም የሱስ እንተዘይኮይኑ ኪኣቱ ኣይክእልን። ሓጢኣታት ብፍርድን ብግብርን: ዓበይቲ ጌጋታት እዮም። ኩሉ ጌጋታቱኸ መን ኺርድኦ ይኽእል? ንሕሊና ጥፋት ይገድፉሉ: እዚ ድማ ብደም ክርስቶስ እንተዘይኮይኑ ኺሕጸብ ኣይከኣልን። ንሕና ነዚ ደም ኣብ ምድሪ ኽንልምኖ ኣሎና: ንሱ ድማ ኣብ ሰማይ ምእንታና ኺልምነሉ ከሎ። ሒደት ምእመናን: ብመለኮታዊ ምህሮ: ናብ ኣምላኽ ዝቐርቡሉ መገዲ: ምሳኡ ዘለዎም ሕብረት: ከምኡውን ብእተመባጽዐ በጃ ናብ ሰማይ ዝኣትዉሉ መገዲ ገለ ነገር ርእዮም ነበሩ: ግን እስራኤላውያን ብሓፈሻ ካብ ግዳማዊ ቅርጺ ንላዕሊ ኣይርኣዩን ነበሩ። እዚኦም ነቲ ርኽሰት ወይ ስልጣን ሓጢኣት ኬርሕቑ ኣይከኣሉን። ነቲ ኣገልግሎት ዝገብሮ ዝነበረ ዕዳታቱ ኪኸፍሉ ወይ ጥርጣሬታቱ ኺፈትሑ ኣይከኣሉን። ናይ ወንጌል ግዜያት: ግዜያት ምምሕያሽ: ብዛዕባ ኹሉ ኺፍለጥ ዘድሊ ነገር ዝበለጸ ብርሃን ዘለዎም: ከምኡውን ንሓደ እኳ ክፉእ ዘይንሓስብ: ንኹሉ ግን ጽቡቕ ፍቓድ ዘለናሉ ዝዓበየ ፍቕሪ ኪኾኑ ይግባእ። ብወንጌል ብመንፈስን ብቓልን ዝዓበየ ሓርነት ኣሎና: ንዝበለጸ ቅዱስ ኣነባብራ ድማ ዝዓበዩ ግዴታታት ኣሎና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6