1መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ሳሌም ንጉስን፥ ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ካህንን ነበረ። ኣብርሃም ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ፥ መልከ ፄዴቅ ተቐቢሉ ባረኾ።
2ኣብርሃም ድማ፥ ካብቲ ዅሉ ዝማረኾ ኣስራት ሃቦ። ቅድም ትርጕም ስሙ “ንጉስ ፅድቂ” ማለት እዩ፤ ደሓርውን “ንጉስ ሳሌም” እዙይ ድማ “ንጉስ ሰላም” ማለት እዩ።
3መልከ ፄዴቅ፥ ኣቦ ኾነ እኖ ወይ ሃረግ ትውልዲ የብሉን። ዝተወለደሉ መዓልቲ ወይ ናይ ህይወቱ መወዳእታ የብሉን፤ ንሱ ብምሳሌ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ካህን ኮይኑ ይነብር።
4እዝ ሰብዙይ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኸም ዝኾነ እስኪ ረአዩ! እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ኣብርሃም እኳ፥ ኣስራት ናይቲ ዝማረኾ ሃቦ።
5እቶም ክህነት ዝቕበሉ ደቂ ሌዊ ግና፥ ካብ ህዝቢ፥ ካብቶም ኣሕዋቶም ዝኾኑ ደቂ ኣብርሃም፥ ኣስራት ክወስዱ ሕጊ ሙሴ ይእዝዝ።
6መልከ ፄዴቅ ግና፥ ካብ ሌዊ እኳ እንተ ዘይተወለደ፥ ካብ ኣብርሃም ኣስራት ተቐበለ፤ ንሱውን ነቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ኣብርሃም ባረኾ።
7እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ከም ዝባርኾ ፍሉጥ እዩ።
8በዝ ሓደ ወገን ነቲ ኣስራት፥ እቶም መወትቲ ዝኾኑ ሌዋውያን ይወስድዎ፤ በቲ ሓደ ወገን ከዓ፥ እቲ ህያው ኮይኑ ኸም ዝነብር ዝተመስከረሉ ይወስዶ።
9ወይ ድማ ኸምዙይ ክንብሎ ንኽእል፦ እቲ ኣስራት ዝቕበል ሌዊ እኳ፥ ብኣብርሃም ገይሩ ኣስራት ሃበ፤
10መልከ ፄዴቅ ንኣብርሃም ክራኸቦ እንተሎ፥ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣብርሃም ኣቦኡ እዩ ነይሩ እሞ።
11እቲ ንህዝቢ እስራኤል ዝተውሃበ ሕጊ፥ ከም ስርዓት ክህነት ሌዋውያን እዩ ዝነበረ። እምበኣር እዝ ኽህነት እዙይ፥ ፍፁም ነይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይኮነስ፥ ከም መዓርግ መልከ ፄዴቅ ዝኾነ፥ ካልእ ካህን ክትስእ ንምንታይ መድለየ ነይሩ?
12ክህነት ክልወጥ እንተሎ፥ ሕጊ እውን ናይ ግድን ክልወጥ ኣለዎ።
13እዝ ብዛዕባኡ ተዘሪቡሉ ዘሎ ጐይታና፥ ካብ ካልእ ዓሌት እዩ፤ ካብዝ ዓሌት እዙይ ሓደኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የለን።
14ጐይታና ኢየሱስ፥ ካብቲ ሙሴ ብዛዕባ ክህነት ክዛረብ እንተሎ ዘይተዛረበሉ፥ ካብ ዓሌት ይሁዳ ኸም ዝተወለደ ፍሉጥ እዩ።
15ሕዚ ኸዓ ኸም መልከ ፄዴቅ ዝበለ፥ ካልእ ካህን ክትስእ እንተሎ፥ እቲ ነገር ኣፀቢቑ ይገሃድ።
16“ንስኻ ኸም መልከ ፄዴቅ፥ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ኢሉ ስለ ዝመስከረሉ ኸዓ፥ እቲ ኽህነቱ ምድራዊ ስርዓት ኣብ ዝሓገጎ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይሓልፍ ሓይሊ ህይወት ዝተመስረተ እዩ።
18እቲ ዝሓለፈ ትእዛዝ፥ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝኾነ እዩ ዝተስዓረ።
19ሕጊ ሙሴ፥ ንሓደኳ ኣብ ፍፃሜ ዘብፅሖ የለን እሞ። ሕዚ ግና ናብ እግዚኣብሄር እንቐርበሉ፥ ዝበለፀ ተስፋ መፂኡልና ኣሎ።
20እዝ ኽህነት እዙይ ብዘይ ማሕላ ኣይኮነን። እቲኣቶም ብዘይ ማሕላ እዮም ካህናት ዝኾኑ ዝነበሩ።
21ንሱ ግና፥ “እግዚኣብሄር፥ ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ መሓለ፥ ኣይናሳሕን ከዓ እዩ” ኸም ዝብል፥ ብማሕላ እዩ ካህን ዝኾነ።
22ከምኡውን ኢየሱስ፥ ናይታ ዝበለፀት ኪዳን ዋሕስ ኮነ።
23ብኽህነት ኵልሻዕ ከየገልግሉ ሞት ስለ ዝኸልከሎም፥ እቶም ቀዳሞት ካህናት ብዙሓት ነበሩ።
24ኢየሱስ ግና ንዘለኣለም ዝነብር ስለ ዝኾነ፥ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ።
25ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
26ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።
27ንሱ ንሓዋሩ፥ ሓደ ጊዜ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ኣቕሪቡ እዩ እሞ፥ ከምቶም ካልኦት ሊቃነ ካህናት፥ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፥ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ፥ በብመዓልቱ መስዋእቲ ኸቕርብ ኣየድልዮን እዩ።
28ሕጊ ሙሴ፥ ነቶም ድኽመት ዘለዎም ሰባት፥ ሊቃነ ካህናት ገይሩ ሸሞም፤ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመፀ ቓል ማሕላ ግና፥ ነቲ ንዘለኣለም ፍፁም ዝኾነ ወልድ ሸመ።