1እምበኣር ናብ ዕረፍቲ እግዚኣብሄር ንምእታው ተስፋ ኻብ ሃለወና፥ ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ናብዝ ዕረፍቲ እዙይ እንተይኣተወ ዝተርፍ ከይህሉ ንፍራሕ።
2ከምቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም፥ ንኣናውን ብስራት ተሰቢኹልና እዩሞ፤ እንተ ኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል፥ ብእምነት ስለ ዘየዋሃድዎ ኣይጠቐሞምን።
3ስራሕ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምፍጣር ዓለም ተወዲኡ እንተ ነበረ እኳ፥ እቲ ፅሑፍ “ናብቲ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም፤ ኢለ ብቝጥዓይ መሓልኩ” ኸም ዝብል፥ ንሕና እንኣምን ግና፥ ናብ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ኢና።
4ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ ስፍራ፥ “እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ስራሑ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ” ይብል።
5ኣብኡ ኸዓ ደጊሙ፥ “ናብቲ ዕረፍተይ ኣይኣትዉን እዮም” ይብል።
6እምበኣር ኣብዛ ዕረፍቲ እዚኣ ዝኣትዉ ሰባት ስለ ዘለዉ እዩ። እቶም ቅድም ብስራት ዝሰምዑ ግና፥ ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ኣይኣተዉዋን።
7ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምቲ ቕድም፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ” ኢልዎ ዝነበረ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ ብኣፍ ዳዊት ገይሩ መሊሱ “ሎሚ” እናበለ ብምዝራቡ፥(ሀ) ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ኸም ዝመደበ የርኢ።
8ኢያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዝኸውንስ፥ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።
9እምበኣር ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ተዳሊያትሎም ኣላ።
10እቲ ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ካብ ስራሑ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ስራሑ የዕርፍ እዩ እሞ።
11ስለዙይ፥ ሓደኳ ናይቲ ዘይምእዛዞም ኣርኣያ ተኸቲሉ ኸይወድቕ፥ ናብቲ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ንፅዓር።
12ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
13ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።
14እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና፥ እምነትና ኣፅኒዕና ንሓዝ።
15ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
16እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።