1እምነት፥ ነቲ ብተስፋ እንፅበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዘረጋግፅ፥ ነቲ ዘይረአ ነገር ከዓ፥ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ።(ሀ)
2ነቶም ዓበይቲ እውን፥ በዙይ እዩ ዝተመስከረሎምሞ።
3ኵሉ ዓለማት ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥረ፥ እቲ ዝረአ ድማ፥ ካብ ዘይረአ ኸም ዝተፈጥረ፥ ብእምነት ኢና እነስተውዕሎ።
4ኣቤል፥ ካብ መስዋእቲ ቃየል ዝበልፅ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ብእምነት ኣቕረበ። እግዚኣብሄር፥ ንመስዋእቱ ብፅቡቕ ስለ ዝተቐበሎ ኸዓ፥ ፃድቕ ሰብ ከም ዝኾነ መስከረሉ። ሞይቱ እንተሎውን፥ ገና ብእምነቱ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ።
5ሄኖክ ምእንቲ ኸይመውት፥ ብእምነት ንላዕሊ ተወሰደ፤ እግዚኣብሄር ናብ ሰማይ ስለ ዝወሰዶ ኸዓ ኣይተረኽበን። ቅድሚ ምውሳዱ፥ ብእኡ ኸም ዝተሓጐሰ እግዚኣብሄር መስኪሩሉ እዩ እሞ።
6ብዘይ እምነት ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ፤ እቲ ዅሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ፥ እግዚኣብሄር ከም ዘሎን፥ ነቶም ዝደልይዎ ኸዓ፥ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ።
7ኖህውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተርኣየ ነገራት ተረዲኡ፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ቤተሰቡ ዝድሕኑላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዙይ ከዓ ንዓለም ኰነና፤ ነታ ብእምነት እትርከብ ፅድቂ እውን ወረሳ።
8ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን፥ ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዘለዎ ሃገር ከደ።
9ነታ እግዚኣብሄር ዝሓናፂኣን ዝሰራሒኣን፥ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይፅበ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ፥ ከም ጓና ኾይኑ ተቐመጠ፤ ምስቶም ናይዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን ያእቆብን ከዓ፥ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።
11ሳራውን ጊዜኣ እኳ ሓሊፉ እንተ ነበረ፥ ነቲ ተስፋ ሂብዋ ዝነበረ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነት፥ ክትጠንስ ብእምነት ሓይሊ ረኸበት።
12ስለዙይውን ካብቲ ኸም ምዉት ተቘፂሩ ዝነበረ ኣብርሃም፥ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ብዙሓትን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ፥ ክቝፀሩ ዘይኽእሉን ተወለዱ።
13እዚኣቶም ኵላቶም ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ሞቱ። ነታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎምውን ኣይረኸብዋን፤ ግና ብርሑቕ ሪኦም ተሳለምዋ፤ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም፥ ቅቡል ገይሮምዎውን ሓለፉ።
14እዞም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት፥ ንኣኣቶም እትኸውን ሃገር ይፅበዩ ኸም ዘለዉ የርእዩ ኣለዉ።
15ነታ ሓዲጎምዋ ዝወፁ ሃገር ይሓስቡ ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ክምለሱ ምኸኣሉ ነይሮም።
16ሕዚ ግና ነታ ሰማያዊት ዝኾነት፥ ዝበለፀት ሃገር እዮም ዝናፍቑ ዘለዉ። እግዚኣብሄር ከተማ ስለ ዘዳለወሎም ድማ፥ ኣምላኾም ተብሂሉ ኽፅዋዕ ኣየሕፍሮን እዩ።
17ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፥ ንይስሓቅ ብእምነት ክስውኦ ኣቕረቦ። ተስፋ ተቐቢሉ እንተ ነበረ እኳ፥ ከምኡውን “ብይስሓቅ ዘርኢ ኽፅውዐልካ እዩ” ተብሂሉ እንተ ነበረ፥ ነቲ ሓደ ወዱ ወፈዮ።
19ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ከተስኦ ኸም ዝኽእል ብምእማኑ፥ ካብ ሞት ከም ዝተስአ ኾይኑ፥ ንይስሓቅ መሊሱ ረኸቦ።
20ይስሓቅ፥ ንያእቆብን ንኤሳውን፥ ብዛዕባ እቲ ንቕድሚት ክመፅእ ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብእምነት ባረኾም።
21ያእቆብ ጊዜ ሞቱ ምስ ቀረበ፥ ብእምነት ንደቂ ዮሴፍ፥ ንነፍሲ ወከፎም ባረኾም፤ ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
22ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸም ዝወፁ፥ ብእምነት ኣዘከረ፤ ብዛዕባ ኣዕፅምቱውን ትእዛዝ ሃበ።
23ሙሴ ምስ ተወለደ፥ ወለዱ ፅቡቕ ህፃን ምዃኑ ሪኦም፥ ኣዋጅ እቲ ንጉስ እንተይፈርሑ፥ ብእምነት ንሰለስተ ወርሒ ሓብእዎ።
24ሙሴ ምስ ዓበየ፥ ወዲ ጓል ፈርዖን ከይበሃል፥ ብእምነት ኣበየ።
25ብሓጢኣት ካብ ዝርከብ ጊዜያዊ ደስታ፥ ምስ ህዝቢ እግዚኣብሄር መከራ ኽቕበልውን መረፀ።
26ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ፥ ካብ ሃብቲ ግብፅስ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል፥ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘፀሮ።
27ነቲ ዘይረአ ስለ ዝረአየ ፀንዐ፤(ለ) ንቝጥዓ ንጉስ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብእምነት ንግብፂ ሓደጋ።
28እቲ በዅሪ ዝቐስፍ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቐርቦም፥ ብእምነት ስርዓት ፋሲካን ምንፃግ ደምን ገበረ።
29ደቂ እስራኤል፥ ንባሕሪ ኤርትራ ኸም ንቑፅ ምድሪ፥ ብእምነት ተሳገርዋ፤ ግብፃውያን ግና፥ ከምኡ ኽገብሩ ምስ ፈተኑ ተውሒጦም ተረፉ።
30ቅፅሪ ኢያሪኮ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፥ ብእምነት ፈረሰ።
31ረኣብ እታ ኣመንዝራ፥ ብእምነት ነቶም ሰለልቲ ብሰላም ስለ ዝተቐበለቶም፥ ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን።
32እንታይ እሞ ኽብል እየ? ብዛዕባ እኒ ጌዴዎን፥ እኒ ባርቅ፥ እኒ ሶምሶን፥ እኒ ዮፍታሔ፥ እኒ ዳዊት፥ እኒ ሳሙኤል፥ ከ??ኡውን ብዛዕባ ነቢያት ከይትርኸልኩም ጊዜ የብለይን።
33ንሳቶም ብእምነት ንመንግስታት ሰዓሩ፤ ብቕንዕና መርሑ፤ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ረኸቡ፤ ኣፍ ኣናብስ ዓፀዉ፤
34ሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፤ ካብ ስሕለት ሰይፊ ደሓኑ፤ ኣብ ድኻም በርትዑ፤ ኣብ ውግእ ሓየሉ፤ ሰራዊት ፀላእቲ ሰዓሩ፤
35ኣንስቲ፥ ምዉታተን ካብ ሞት ተሲኦምለን ተቐበላኦም፤ ካልኦት ግና ዝበለፀ ትንሳኤ ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ምሕረት እንተይተቐበሉ ተሳቕዮም ሞቱ።
36ገሊኣቶም ድማ ብላግፅን ብመግረፍትን፥ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ብመቝሕን ብማእሰርትን ተሳቐዩ።
37ብእምኒ ተቐጥቂጦም ተቐተሉ፤ ብመጋዝ ተመገዙ፤(ሐ) ተሰይፎም ሞቱ፤ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፤ ሰኣኑ፤ ፀበቦም፤ መከራ ተቐበሉ።
38ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቕዕ ስለ ዝኾነት፥ ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል በሉ።
39እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዝሐሸ ስለ ዝወሰነ፥ ብዘይ ብኣና ናብ ፍፃሜ ምእንቲ ኸይበፅሑ፥ እዚኣቶም ኵላቶም፥ ብእምነት ዝተመስከረሎም እኳ እንተ ኾኑ፥ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።