ትንቢት ሃጌ 1

BCVትግርኛ15 ፍቕድታት6:04 ስማዕ
ስማዕ 6:04 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ዳርዮስ፥ ኣብ ሜዶን ምስ ነገሰ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ነቢይ ሓጌ ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ናብ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅ ሊቀ ካህናትን መፀ።

2ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ‘ቤት እግዚኣብሄር ዝስርሐሉ እዋን ኣይበፅሐን’ ይብሉ ኣለዉ” በለ።

3ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነቢይ ሓጌ መፀ፦

4“እዝ ቤት እዙይ ዓንዩ እንተሎስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ዝተሸለመ ኣባይቲ ኽትነብሩዶ ጊዜኡ እዩ?

5እምበኣር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንመንገድኹም እስኪ ብልብኹም ኣስተውዕልዎ?

6ብዙሕ ዘራእኹም፥ ግና ውሑድ ኣእተኹም። በላዕኹም፥ ግና ኣይፀገብኩምን፤ ሰተኹም፥ ግና ኣይረወኹምን፤ ተኸደንኩም፥ ግና ኣይሞቘኩምን፤ ደሞወዝ ተቐበልኩም ግና ኣብ ቀዳድ ከረጢት ከም ምቕማጥ እዩ።

7ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስኪ መንገድኹም ኣስተውዕሉ?

8ናብ እምባታት ደይቡ፤ ዕንፀይቲ ኣምፅኡ፤ ነቲ ቤትውን ስርሕዎ። ኣነ ብእኡ ኽሕጐስ እየ፤ ክምስገነሉውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

9“ንስኻትኩም ብዙሕ ተፀበኹም፤ እንሆ ኸዓ ውሑድ ኣእተኹም። ናብ ቤት ምስ ኣእተኹምዎ ኸዓ፥ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። እዙይ ስለ ምንታይ እዩ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ነፍሲ ወከፍኩም ናብ ገገዛኹም እናጐየኹም፥ ቤተይ ዑና ኾይኑ ስለ ዝተረፈ እዩ።

10ብሰንኪ እዙይ እውን ሰማይ ኣውሊ ኸልከለ፤ ምድሪ እውን ፍረኣ ኸልአት።

11ኣነውን ኣብ ልዕሊ ንዅሉ ምድርን ኣብ ልዕሊ እምባታትን፥ ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን፥ ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩምን ድርቂ ፀዋዕኹ።”

12ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን እቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ዝተመለሱ ህዝቢ ዅላቶምን፥ ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነቢይ ሓጌን ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሑ።

13ሽዑ ሓጌ እቲ ልኡኽ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ፥ በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር “ኣነ ምሳኻትኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኢሉ ተናገረ።

14እግዚኣብሄር ከዓ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንመንፈስ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ንመንፈስ እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣለዓዓለ። ንሳቶም ድማ መፂኦም፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስራሕ ጀመሩ።

15እዙይ ዝኾነውን ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ካልኣይ ዓመት፥ ብሻድሻይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ነበረ።

ትርጓሜ

1:1-11 ካብ ምርኮ ባቢሎን ድሕሪ ምምላሶም ናይ ኣይሁድ ሓጢኣት ንመልከት። እቶም ንእግዚኣብሔር ዚዓይዩ ሰባት ብማዕበል ካብ ዕዮኦም ኪግፍዑ ይኽእሉ እዮም፣ እንተኾነ ግና ናብኡ ኪምለሱ ይግባኦም እዩ። ቤተ መቕደስ ከይሃንጹ ከም ዘይሓሰቡ ኣይበሉን፣ የግዳስ፡ “ሕጂ ኣይኮነን” በሉ። ከምኡ ድማ ሰባት ከቶ ከም ዘይንስሑን ከም ዘይመሓየሹን ከም ዘይእመኑን ኣይብሉን፣ የግዳስ፡ “ሕጂ ኣይኮነን” ይብሉ እዮም። በዚ ኸምዚ እቲ ኣብ ዓለም ኪንገብርሉ እተላእናዮ ዓብዪ ዕዮ ዘይተገብረ ኮይኑ ይተርፍ። ኣብ ግቡእና ዘጋጥሙና ዕንቅፋታት ካብ ግቡእና ዜፍንውና ዀይኖም ዚረኣዩና፣ ክንደይ ምዃኑ ንትብዓትናን እምነትናን ዚፍትንዎ ጥራይ እንከለዉ፡ ብጌጋ ጌርና ንሓስቦም ሓደ ዝንባለ ኣሎና። ንምሕናጽ ቤት ኣምላኽ ኣመሓለፉዎ፣ ንስጋዊ ጉዳያት ዝያዳ ግዜን ገንዘብን ንኽረኽቡ። እቲ መቕጻዕቲ ምስ ሓጢኣቶም ምእንቲ ኺሰማማዕ፡ ቤተ መቕደስ ብዘይምሕናጾም ኬርሕቕዎ ዝሓሰቡዎ ድኽነት፡ ኣምላኽ ንሳቶም ብዘይምሕናጾም ኣምጽኣሎም። ብዙሓት ጽቡቕ ተግባራት ተሓሲቦም እዮም፣ ግናኸ ቅኑዕ ግዜ ኣይመጸን ዝብል ግምታት ስለ ዝነበሮም ኣይተፈጸሙን። በዚ ኸምዚ ምእመናን ንጥቕሚ ዚኸውን ዕድላት የሕልፉዎ፣ ሓጥኣን ድማ ንነፍሶም ዚምልከት ጉዳይ ክሳብ ዚሕረቑ የናውሑዎ። ከምቶም ኣብዚ ዘለዉ ኣይሁድ፡ ንጠፋኢ መግቢ ጥራይ እንተዓዪና፡ ዕዮና ኸንጠፍእ ኣብ ሓደጋ ኢና፤ እንተኾነ ግና ንዘለኣለማዊ ህይወት ዚኸውን መግቢ እንተዓዪና፡ ንጐይታ ዘየቋርጽ ከም ዝኸውን ንርግጸኛ ኢና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በንጉሡ በዳርዮስ በሁለተኛው ዓመት በስድስተኛው ወር ከወሩም በመጀመሪያው ቀን የእግዚአብሔር ቃል በነቢዩ በሐጌ እጅ ወደ ይሁዳ አለቃ ወደ ሰላትያል ልጅ ወደ ዘሩባቤል፥ ወደ ታላቁም ካህን ወ… አማርኛ ENGNIV In the second year of King Darius, on the first day of the sixth month, the word of the Lord came through the prophet H… English GAZBIB Daariyos biyya Faares irratti mo'ee waggaa lammaffaatti, waggicha keessaa ji'a ja'affaatti, ji'icha keessaa guyyaa tokk… Afaan Oromoo BCV GIZ በካልእት ዓመተ መንግሥቱ ለዳርዮስ ንጉሥ በሳድስ ወርኅ አመ ሠርቅ ኮነ ቃለ እግዚአብሔር በእደ ሐጌ ነቢይ ወይቤሎ፦ በሎ ለዝሩባቤል ወልደ ሰላትየል ዘሕዝበ ይሁዳ ወለዮሴዕ ወልደ ዮሴዴቅ ካህ… giz GAZGAZ Daariyos biyya Faares irratti mo'ee waggaa lammaffaatti, waggicha keessaa ji'a ja'affaatti, ji'icha keessaa guyyaa tokk… Afaan Oromoo BCV aksum ዳርዮስ፥ ኣብ ሜዶን ምስ ነገሰ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ነቢይ ሓጌ ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን… ትግርኛ AMHNIV ዳርዮስ በነገሠ በሁለተኛው ዓመት፣ በስድስተኛው ወር የመጀመሪያ ቀን፣ የእግዚአብሔር ቃል በነቢዩ በሐጌ በኩል ወደ ይሁዳ ገዥ ወደ ሰላትያል ልጅ ወደ ዘሩባቤልና ወደ ሊቀ ካህናቱ ወደ ኢዮሴዴ… አማርኛ SWAHSUV Katika mwaka wa pili wa Dario mfalme, mwezi wa sita, siku ya kwanza ya mwezi, neno la Bwana lilimjia Zerubabeli, mwana … Kiswahili