1ብድሕሪ እዝ ነገር እዙይ፥ ቃል እግዚኣብሄር ብራእይ ናብ ኣብራም መፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ኣብራም ኣይትፍራሕ፤ ዋልታኻ ኣነ እየ፤ ዓስብኻ የመና ብዙሕ ክኸውን እዩ።”
2ኣብራም ከዓ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እቲ እትህበኒ እንታይ እዩ? እንሆ፥ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ኣለኹ፤ ቤተይን ንብረተይን ዝወርስ ድማ በዓል ደማስቆ ኤልኤዘር(ሀ) እዩ” በለ።
3ኣብራም ኣስዒቡ “ውሉድ ኣይሃብካንን፤ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ ዝተወለደ ኽወርሰኒ እዩ” በለ።
4እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ካባኻ ዝተወልደ እዩ ዝወርሰካ እምበር፥ እዙይስ ኣይወርሰካን እዩ” በሎ።
5ንደገ ኣውፂኡ ድማ “ንሰማይ ጠምት፤ ምቝፃሮም ትኽእል እንተ ዄንካ፥ ንኸዋኽብቲ ቝፀር” በሎ። ኣስዒቡውን “ዘርእኻ ኸምኡ ኽበዝሕ እዩ” በሎ።
6ኣብራም ከዓ ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ።
7እግዚኣብሄር ድማ “ነዛ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ዓዲ ከለዳውያን ዘውፃእኹኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” በሎ።
8ኣብራም ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝወርሳ ብምንታይ ክፈልጥ እየ?” በሎ።
9እግዚኣብሄር ድማ “ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ዓርሕን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ማጕላ በጊዕን ኣምፅአለይ፤ ባሪቶን ርግብንውን ኣምፅአለይ” በሎ።
10ኣብራም ከዓ እዝ ዅሉ ኣምፂኡ ኣብ ከክልተ መቐሎ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ከዓ፥ ኣብ መንፅር እቲ ሓደ ምቃል ኣቐመጦ። ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይመቐለንን።
11ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፤ ኣብራም ግና የባርሮም ነበረ።
12ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀን ግብ ዝበለ ፀልማትን ወደቖ።
13ሽዑ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዘርእኻ ኣብ ዘይዓዶም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝነብሩን፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ባሮት ገይሮም ከም ዘጨንቑዎምን ብርግፅ ፍለጥ።
14ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ግና ኣነ ኽፈርዶም እየ፤ ብድሕሪኡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ክወፁ እዮም።
15ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፤ ብፅቡቕ እርጋን ድማ ኽትቅበር ኢኻ።
16ፅዋዕ ዓመፅ ኣሞራውያን ገና ኣይመልአን እዩ እሞ፥ ንዘርእኻ ኣብ ራብዓይ ትውልዲ ናብዙይ ክመልሶም እየ” በሎ።
17ፀሓይ ምስ ዓረበት፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ምስ ኮነ ኸዓ፥ እንሆ ዝተክኽ እቶንን ሃልሃል ዝብል ሓዊን ብመንጎ እቲ ዝተመቐለ ሓለፈ።
18በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥
19ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቀድሞናውያንን
20ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ራፋይምንን
21ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ጌርጌሳውያንን ኢያቡሳውያንን ንዘርእኻ ኽህቦ እየ” ኢሉ ኺዳን ኣተወ።