1ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ።
2ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።
3ሓደ ሰብ፥ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ንባዕሉ የታልል።
4እንተ ኾነ፥ ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ስራሕ ይመርምር፤ ሽዑ ብናይ ብፃዩ ዘይኮነ፥ ብናይ ባዕሉ ስራሕ ክምካሕ እዩ።
5ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ፆር፥ ክፀውር ይግባእ እዩ እሞ።
6እቲ ነቲ ቓል ዝመሃር ከዓ፥ ካብቲ ዘለዎ ፅቡቕ ነገራት ምስቲ መምህሩ ይካፈሎ።(ሀ)
7ኣይትስሓቱ፤ እግዚኣብሄር ኣይዕሾን እዩ፤ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓፅድ።
8እቲ ንስጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ፥ ካብ ስጋኡ ሞት ይዓፅድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ፥ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይዓፅድ።
9እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
10እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።
11ብኸመይ ዝበሉ ፍሩያት ፊደላት፥ ብኢደይ ከም ዝፀሓፍኩልኩም ረአዩ።
12እቶም ብስጋ ኽምክሑ ዝደልዩ ሰባት፥ ክትግረዙ ግዲ ይብሉኹም ኣለዉ፤ ነዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ኸዓ፥ ብሰንኪ መስቀል ክርስቶስ፥ ከይስደዱ ኢሎም እዮም።
13ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኽምክሑ፥ ክትግረዙ ይደልዩኹም ኣለዉ እምበር፥ እቶም ግሩዛት እኳ ባዕልቶም፥ ንሕጊ ኣይሕልዉን እዮም።
14ኣነ ግና፥ ዓለም ንኣይ ዝተሰቕለትሉ፥ ኣነውን ንዓለም ዝተሰቐልኩሉ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ትምክሕቲ ኻባይ ይርሓቕ።
15ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ዝጠቕሞ የብሉን።
16ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን፥ ሰላምን ምሕረትን ይኹን።
17ኣነስ ምልክት መከራ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ሰብነተይ እፀውር ኣለኹ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ሓደኳ ኣየትክረኒ።
18ኣሕዋተይ፥ ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።