ገላትያ 5

BCVትግርኛ26 ፍቕድታት3:55 ስማዕ
ስማዕ 3:55 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ መሊስኩም በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።

2እንሆ፥ ኣነ ጳውሎስ እነግረኩም ኣለኹ፦ እንተ ተገረዝኩም፥ ክርስቶስ ፈፂሙ ኣይጠቕመኩምን እዩ።

3ኵሉ እቲ ዝግረዝ ሰብ ከዓ፥ ነቲ ሕጊ ብምሉኡ ኽፍፅሞ ግቡኡ ኸም ዝኾነ፥ ደጊመ እምስክር ኣለኹ።

4ኣቱም፥ ሕጊ ብምፍፃም ክትፀድቁ እትደልዩ፥ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፤ ካብ ፀጋ ኸዓ ወዲቕኩም ኢኹም።

5ንሕና ግና፥ ብመንፈስ ብእምነት ክንፀድቕ ተስፋ ጌርና ንፅበ ኣለና።

6ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።

7ቅድም ፅቡቕ ትጐዩ ኔርኩም፤ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ኣዐንቀፈኩም?

8እዛ ምሕባል እዚኣ፥ ካብቲ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር ኣይመፀትን።

9ውሑድ ማይ ብሒቝ፥ ንዅሉ እቲ ብሒቝ የብኵዖ እዩ።

10ካብዙይ ዝተፈለየ ኻልእ ከም ዘይትሓስቡ፥ ብጐይታ እተኣማመን እየ። እቲ ዘደናግረኩም ዘሎ ግና፥ ዝኾነ ይኹን ፍርዱ ኽቕበል እዩ።

11ኣሕዋተይ፥ ኣነ “ግርዘት የድሊ እዩ” እናበልኩ፥ ዝሰብኽ እንተ ኾይነ ደኣ፥ ንምንታይ የሳጕጉኒ ኣለዉ? እቲ ናይ መስቀል ዕንቅፋት ከዓ ምተወገደ ነይሩ።

12እቶም ዝህውኹኹም ሰባት፥ እንተ ደልዮም ይሰለቡ።

13ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም፤ ግና ሓርነትኩም ንስጋ ምኽንያት ኣይሃብ፤ ግና ንስንሳትኩም፥ ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ።

14ሕጊ ብምሉኡ ኣብቲ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ትእዛዝ፥ ተጠቕሊሉ ኣሎ እሞ።

15ንስንሳትኩም እንተ ተናኸስኩምን፥ እንተ ተባላዕኹምን ግና፥ ከይትዋድኡ ተጠንቀቑ።

16ኣነ ግና ብመንፈስ ተመላለሱ፤ ድልየት ስጋ ኸዓ፥ ኣይትፈፅሙ እብለኩም ኣለኹ።

17ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም።

18ብመንፈስ እንተ ተመሪሕኩም ግና፥ ትሕቲ ሕጊ ኣይኮንኩምን።

19ተግባር ስጋ ግሁድ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ስድነት፥

20ኣምልኾ ጣዖት፥ ጥንቈላ፥ ፅልኢ፥ ክርክር፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ንባዕልኻ ምፍታው፥ ምፍልላይ፥ መናፍቕነት፥

21መንቀኝነት፥ ምቕታል፥ ስኽራን፥ ስድነት ዘለዎ ጐይላ፥ ነዙይ ዝመስል ኵሉን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፥ እቶም ነዙይ ዝመስል ዝገብሩ ዅሎም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርሱን እዮም።

22ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥

23ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ። ነዝ ኸምዙይ ዝመሰለ፥ ዝኽልክል ሕጊ የለን።

24እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም።

25ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ።

26ንስንሳትና እናተነቓቐፍናን እናተቐናናእናን፥ ብኸንቱ ኣይንመካሕ።

ትርጓሜ

5:1-6

ክርስቶስ ብሕቱ ከም መድሓኒኦም ገይሮም ዘይቕበልዎን ዘይውከልዎን ንዝኾነ ይኹን ኣይድሕኖምን። ኣብ ትምህርትን ሓርነት ወንጌልን ጸኒዕና ንምርካብ፡ ነቲ ሃዋርያ ዝሃቦ መጠንቀቕታን ምትብባዕን ኣባና ንግበር። ኲሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተምሂሮም፡ ዘለኣለማዊ ህይወት፡ ዓስቢ ጽድቂ፡ ዕላማ ተስፋኦም ድማ፡ ብእምነት ብክርስቶስ ጌርና ከም ህያብ ኣምላኽ ይጽበዩ እምበር፡ ብግብሮም ኣይኮነን። እቲ ኣይሁዳዊ ምእመን ነቶም ስነ-ስርዓታት ክብቅዕ ወይ ሓርነቱ ክብራህን ይኽእል ነበረ፤ እቲ ኣህዛባዊ ድማ ከምዘይሃቡ ክቖጽሮም ወይ ክዓትሞም ይኽእል ነበረ፡ ብኣኣቶም እንተዘይተመኪሉ ግን። ብዘይቅንዕቲ እምነት ብጐይታና የሱስ፡ ዝኾነ ይኹን ግዳማዊ መሰል ወይ ምእማን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይጠቅምን። ሓቀኛ እምነት ንግብሪ ዘባብዕ ጸጋ እያ፤ ንኣምላኽን ንኣሕዋትናን ብፍቕሪ ተባዕተወ። ብመንፈስ ገይሮም፡ ንተስፋ ጽድቂ ብእምነት ዝጽበዩ ካብቶም ዝቑጸሩ ንኹን። እቲ ናይ ቀደም ሓደጋ ንበይኖም ዋጋ ኣብ ዘይብሎም ነገራት ኣይነበረን፡ ከምቲ ሕጂ ብዙሓት ቅጥዕታትን ስርዓታትን ዘለዉ። ግን ብዘይ እምነት ብፍቕሪ እትተባዕተወ፡ ኩሉ እቲ ዝተረፈ ዋጋ የብሉን፡ ብኣኣ ምስ ዝወዳደር ድማ ካልኦት ነገራት ጽምውና እዩ።

5:7-12 ህይወት ሓደ ክርስትያን ጉያ እያ፣ ብእኣ ሽልማት ኪረክብ እንተደኣ ደልዩ፣ ኪጐዪን ኪጸንዕን ኣለዎ። ክርስትና ምእማን ጥራይ ኣይበቅዕን፣ የግዳስ በቲ እምነትና ብምምልላስ ጽቡቕ ክንጐዪ ኣሎና። ብዙሓት ብሃይማኖት ጽቡቕ ዝጀመሩ፣ ኣብ ምዕባሌኦም ይዕገቱ ወይ ካብ መገዲ ይወጹ። ነቶም ካብ መገዲ ምውጻእ ዝጅምሩ ወይ ድማ ብእኣ ዝደኽሙ፣ እንታይ ከም ዝዓግቶም ብቕንዕና ምምርማር የገድሶም። እቲ ሓሳብ ወይ እምነት፣ ፍ. 8፣ ብዘይ ጥርጥር ንግብሪ ሕጊ ምስ እምነት ብክርስቶስ ኣብ ምስጋት ምሕዋስ ነይሩ። ሃዋርያ ካበይ ከም ዝመጸ ኪፍርዱ ይሓድጎም፣ ግናኸ ብሰይጣን ጥራይ ከም ዝኸውን ብብቑዕ መገዲ የርኢ። ነቶም ዝስዕቡ፣ ብፍላይ ድማ ኣዕናዊ ስሕተታት ዝዘርግሑ፣ ምትብባዕ ንክርስትያን ኣብያተ ክርስትያን ሓደገኛ እዩ። ንሓጢኣትን ስሕተትን ኣብ ምግሳጽ፣ ንመራሕትን ንዝምርሑን ኩሉ ግዜ ክንፈልዮም ይግባእ። ኣይሁድ ተቖጢዖም ነበሩ፣ ምኽንያቱ ክርስቶስ ንሓጥኣን እንኮ ቤዛነት ተባሂሉ ስለ ዝተሰብከ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6