ገላትያ 4

BCV aksumትግርኛ30 ፍቕድታት4:29 ስማዕ
ስማዕ 4:29 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣነ ዝብሎ እዙይ እዩ፦ እቲ ወራሲ ኣብ ጊዜ ህፃንነቱ፥ ናይ ኵሉ ጐይታ እንተ ኾነ እኳ፥ ካብ ባርያ ኣይፍለን።

2ክሳዕ እቲ ኣቦኡ ዝወሰነሉ ጊዜ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሓለውትን መገብትን እዩ።

3ከምኡውን ንሕና ህፃናት እንተለና፥ ኣብ ትሕቲ ኣተሓሳስባ ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና።

4ጊዜኡ ምስ በፅሐ ግና፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኽቢዘው፥ ንሕናውን ናይ ውሉድነት ስልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፥ ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ሰበይቲ እውን ተወለደ፤ ንሕጊ እውን ተኣዛዚ ኾነ።(ሀ)

6ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ።(ለ)

7ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ድማ፥ ብክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ወራሲ ኢኻ።

8ቀደም ንእግዚኣብሄር ከይፈለጥኩምዎ እንተለኹም፥ ነቶም ብባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኮኑ፥ ብባርነት ትግዝኡ ነበርኩም።

9ሕዚ ግና ንእግዚኣብሄር ምስ ፈለጥኩምዎ፥ ብሕልፊ እኳ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ምስ ፈለጠኩም፥ ከመይ ኢልኩም ድኣ፥ ናብቲ ድኹምን ዘይጠቅምን ስርዓት ዓለም ትምለሱ ኣለኹም? መሊስኩምዶ ንኣኣቶም ባርያ ዄንኩም ክትግዝኡ ትደልዩ ኣለኹም?

10ንስኻትኩም፥ ፍሉያት መዓልቲታትን ኣዋርሕን ዘመናትን ዓመታትን ተኽብሩ ኣለኹም።

11ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሕ ኣለኹ።

12ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝመሰልኩ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ክትመስሉ እልምነኩም ኣለኹ፤ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን።

13ብመጀመርታ ጊዜ ወንጌል ዝሰበኽኩልኩም፥ ካብ ድኻም ስጋ ዝተልዓለ ኸም ዝነበረ ትፈልጡ ኢኹም።

14እቲ ሕማመይ ንኣኻትኩም ፈተና እኳ እንተ ነበረ፥ ኣይነዓቕኩምንን፤ ወይ ኣይተፀየፍኩምንን። እኳ ደኣ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር።

15እቲ ምሕጓስኩም ደኣ ኣበይ ኣሎ? ዝከኣል ነይሩ እንተ ዝኸውን፥ ዓይንኹም እኳ እንተይተረፈ፥ ኣውፂእኹም ምሃብኩምኒ ኔርኩም ኢለ፥ ባዕለይ እምስክረልኩም ኣለኹ።

16እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ፥ ፀላኢ ኾይነኩም እየ?

17ኣበርቲዖም ይደልዩኹም ኣለዉ፤ ግና ንፅቡቕ ኣይኮነን፤ ንኣኣቶም ምእንቲ ኽትደልዩ፥ ክፈልዩኹም ኢሎም እዮም እምበር።

18ንፅቡቕ ደኣ ይኹን እምበር፥ ንሰብ ምሕላይ ሰናይ እዩ፤ እዙይ ግና ኣነ ምሳኻትኩም እንተለኹ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኵልሻዕ ክኸውን ኣለዎ።

19ኣቱም ደቀይ፥ ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝቕረፅ፥ መሊሰ ንኣኻትኩም፥ ከም ሕማም ሕርሲ እፀዓር ኣለኹ።

20እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝብሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ምሳኻትኩም እንተ ዝህሉ ፅቡቕ ነይሩ፤ ሕዚ ግና ዝብሎ ጠፊኡኒ ኣሎ።

21ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ንንበር እትብሉ ዘለኹም፥ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም? እስኪ ንገሩኒ።

22ኣብርሃም ክልተ ኣወዳት፥ ሓደ ኻብታ ባርያ፥ ሓደ ኸዓ ኻብታ እመቤት ከም ዝወለደ ተፅሒፉ እዩ።

23ወዲ እታ ገረድ፥ ከም ናይ ስጋዊ ልማድ ተወለደ፤ ወዲ እታ እመቤት ግና፥ በቲ ተውሂቡ ዝነበረ ተስፋ ተወለደ።

24እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፥ ክልተ ኺዳን እየን ዘመልክታ። ብኣጋር ዝተመሰለት፥ እታ ንባርነት እትወልድ፥ ናይ ደብረ ሲና ኺዳን እያ።

25ኣጋር ከዓ ኣብ ሃገር ዓረብ ዘላ፥ ደብረ ሲና እያ እተመልክት። ንሳ ምሳሌ ናይታ ሕዚ ምስ ደቃ፥ ኣብ ባርነት ዘላ ኢየሩሳሌም እያ።

26እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ግና፥ ብነፃነት እትነብር እያ፤ ንሳ ኸዓ እኖና እያ።

27“ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፥ ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ንምውላድ ዘይፀዓርኪ ዕልል በሊ፤ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ፥ ደቂ እታ ንበይና ዘላ ይበዝሑ” ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ።

28ኣሕዋተይ፥ ንሕና ኸም ይስሓቅ ደቂ ተስፋ ኢና።

29ግና ኸምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ ዝተወለደ፥ ነቲ ብናይ መንፈስ ዝተወለደ ዘሳጐጎ፥ ሕዚ እውን ከምኡ እዩ።

30እቲ ፅሑፍ ግና “ወዲ እታ ባርያ፥ ምስ ወዲ እታ እመቤት ኣይወርስን እዩ እሞ፥ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ” ይብል።

31ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ደቂ እታ እመቤት እምበር፥ ደቂ እታ ባርያ ኣይኮንናን።(ሐ)

ትርጓሜ

4:1-7 እቲ ሐዋርያ፡ ሕጊ ሙሴ ምስ ወንጌል ክርስቶስ ሓዊሶም ዘጽብቑን ንመንመን ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ባርነት ክሕዝዎም ዝፈተኑን ንሰባት ብግልጺ ተዛሪብዎም። ንሳቶም ንትርጉም እቲ ብሙሴ እተዋህበ ሕጊ ብምሉኡ ክርድኡ ኣይከኣሉን። እቲ ግዜ ጸልማት ከም ዝነበረ፡ ከምኡ ድማ ናይ ባርነት ግዜ እዩ ነይሩ። ንሳቶም ብብዙሓት ከቢድ ስርዓታትን ልምምዳትን ተኣሲሮም ነበሩ፣ በዚ ድማ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ሞግዚትን ሓላውን ዝነብር ህጻን ክምሃሩን ተገዛእቲ ኮይኖም ክቕመጡን ተገይሮም። ኣብ ትሕቲ ግዜ ወንጌል ናይ ክርስትያናት ዝሓሸን ሕጉስን ኩነታት ንምሃር።

ካብዚኣተን ጥቕስታት እቲ ግሩም ናይ መለኮታዊ ፍቕርን ምሕረትን ተመልከት፤ ብፍላይ ድማ ናይ ኣምላኽ ኣቦ፡ ንወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ ንዓና ንኸቤዘናን ከድሕነናን። ናይ ወዲ ኣምላኽ ድማ፡ ንኸምኡ ዝበለ ትሕትና ብምግላጽን ንዓና ኢሉ ኽንድዚ ብዙሕ ብምሕማሙን። ናይ መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ንኸምዚ ዝበለ ናይ ጸጋ ዕላማታት ኣብ ልቢ ኣመንቲ ክነብር ብትሕትና ብምምጽኡ።

ከምኡ'ውን ኣብ ትሕቲ ወንጌል ክርስትያናት ዝረኽብዎ ረብሓታት። ብትውልዶኦም ደቂ መዓትን ዘይእዙዛትን እኳ እንተኾኑ፡ ብጸጋ ግና ደቂ ፍቕሪ ኮይኖም፡ ናይ ኣምላኽ ደቅን ባህሪኦም ይካፈሉ። ከመይሲ ንሱ ኩሎም ደቁ ኺመስልዎ ይደሊ። ኣብ ሰባት እቲ በዅሪ ወዲ ወራሲ እዩ፤ ግናኸ ኩሎም ደቅን ኣምላኽ ግና ውርሻ ናይ በዅሪ ደቅን ኪረኽቡ እዮም። ባህርያትን ተግባራትን ናይ ደቅን ምዃንና ነቲ ውሉድነትና የርእየና፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ደቂ ኣምላኽን ወረስትን ከም ዝኾንና ምስ መንፈስና ይምስክር።

4:8-11 ገላጣውያን ካብ ጣኦታት ናብ ህያው ኣምላኽ እተመልስሉ፣ ብክርስቶስ ድማ ምውሳድ ውሉድ እተቐበልሉ ሕጉስ ለውጢ፣ ብናይ ነጻን ሃብታምን ጸጋኡ ዝተባዕተወ እዩ ነይሩ፤ ነቲ ንሱ ዘሓረሮም ሓርነት ምእንቲ ኺሕልዉ ድማ ብዝዓበየ ግዴታ ተሰኪሞም። ኩሉ ፍልጠትና ብዛዕባ ኣምላኽ ካብኡ እዩ ዝጅምር፤ ንሕና ብእኡ ስለ እተፈለጥና ኢና ንዕኡ እንፈልጦ። ሃይማኖትና ጣኦት ምምላኽ እንተኸልከለ እኳ፣ ገሊኦም ግና መንፈሳዊ ጣኦት ኣምልኾ ኣብ ልቦም ይፍጽሙ። ሓደ ሰብ ዝበዝሐ ዘፍቅሮን ዝሓልየሉን፣ ንሱ ኣምላኹ እዩ፤ ገሊኦም ሃብቶም ኣምላኾም ገይሮም፣ ገሊኦም ደስታኦም፣ ገሊኦም ድማ ትምኒቶም ኣምላኾም ይገብሩ። ብዙሓት ድማ ብዘይፍላጥ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣምላኽ ይምልኹ፤ እዚ ኣምላኽ እዚ ድማ ብምሕረት ጥራይ እተገብረ እምበር ፍርዲ ዘይብሉ እዩ። ንሳቶም ንነብሶም ይውሽሑ፤ ከይተነሰሑ ብሓጢኣቶም ክቕጽሉ ከለዉ እኳ፣ ምሕረት ኣምላኽ ንዓኣቶም ከም ዘሎ ይኣምኑ። ዓብዪ ሃይማኖታዊ ተኣማንነት ዝገለጹ ሰባት፣ ድሕሪኡ ካብ ንጽሕናን ቅንዕናን ክስሕቡ ይኽእሉ እዮም። ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ወንጌልን ሓርነቱን መሰላቱን ንኽፈልጥ ዘርኣዮ ምሕረት ክሳዕ ዝበዝሐ፣ ንዓኣቶም ምጥፋኦም ድማ ዝዓበየ ሓጢኣትን ዕሽነትን እዩ። ስለዚ፣ ኩሎም ኣባላት ናይ ግዳማዊት ቤተክርስትያን፣ ንርእሶም ኪፈርሁን ኪጥርጥሩን ይግባእ። ንዓና ጽቡቕ ነገራት ስለ ዘለና ጥራይ ክንዕገብ የብልናን። ጳውሎስ ዕዮኡ ከንቱ ይኸውን እዩ ኢሉ ይፈርሕ ነበረ፣ ገና ግና ይጽዕር።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6