ትንቢት ህዝቅኤ 5

BCV aksumትግርኛ17 ፍቕድታት3:31 ስማዕ
ስማዕ 3:31 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ንስኻ ድማ፥ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም መላፀ ላፃዪ ዝበለ በሊሕ ሰይፊ ውሰድ እሞ፥ ርእስኻን ጭሕምኻን ተላፀየሉ፤ ሚዛን ወሲድካውን ነቲ ፀጕሪ ምቐሎ።

2መዓልቲታት ምኽባብ ምስ ተፈፀመ፥ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ፤ ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ፥ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፤ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፤ ኣነ ድማ ደድሕሪኣቶም ሰይፊ ኽመዝዝ እየ።

3ካብኡውን ውሑድ ዝቝፅረን ውሰድ እሞ፥ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ቛፅረን።

4ካብ እዚኣተን ከዓ መሊስካ ውሰድ፤ ኣብ ማእኸል ሓዊ ድማ ደርብየን፥ ብሓዊውን ኣቃፅለን፤ ድሕሪዙይ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ሓዊ ኽወፅእ እዩ።”

5እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዚኣስ ኢየሩሳሌም እያ፤ ኣነ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣንበርክዋ፤ ሃገራትውን ኣብ ዙርያኣ ኣለዋ።

6ንፍርደይ ንዒቖም፥ ከም ሕግጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፥ ንሳ ብሓጢኣታ ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተፃረረቶ፤ ካብተን ከቢበንኣ ዘለዋ ሃገራት ገዲዳ ድማ ንሕግጋተይ ኣፍረሰቶ።”

7ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት ገዲድኩም ስድታት ስለ ዝኾንኩምን ከም ሕግጋተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ፍርደይ ስለ ዘይገበርኩምን፥ ከም ፍርዲ እቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት እኳ ስለ ዘይገበርኩምን”

8ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ እመፀኪ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከዓ፥ ኣብ ማእኸልኪ ፍርዲ ኸውፅእ እየ።

9ብሰንኪ ዅሉ ርኽሰትኪ ኸዓ፥ ገይረዮ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪዙይውን ከቶ ዘይገብሮ፥ ክገብረኪ እየ።

10ስለዙይ ኣብ ማእኸልኪ ወለዲ ንውሉዶም፥ ውሉድ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም፤ ፍርዲ ኣባኺ ኽፍፅም፥ ንዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።”

11ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ህያው እየ፤ ብርግፅ ንመቕደሰይ፥ ብዅሉ ፅዩፍ ነገርክን ብዅሉ ርኽሰትክን ኣርከስክዮ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ኸንእሰኪ፥ ዓይነይ ንኣኺ ኣይርህርህን፤ ኣነውን ኣይሓዝነልክን።

12ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።

13“ቍጥዓይ ሕነኡ ኽወፅእ፥ ቍጥዓይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክዝሕል እዩ፤ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ቍጥዓይ ኣብኣቶም ምስ ኣዝሓልኩ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብቕንኣተይ ከም እተዛረብኩ ኽፈልጡ እዮም።

14ኣብቶም ከቢቦምኺ ዘለዉ ኣህዛብን፥ ኣብ ዓይኒ እቶም ብእኡ ዝሓልፉ ዅላቶምን ከዓ፥ ምድረ በዳን መፃረፍን ክገብረኪ እየ።

15“ብቝጥዓን ብመዓት ቍጥዓን ምስ ፈረድኩኺ፥ እዙይ ኣብቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ህዝብታት፥ ንመፃረፍን ንመላገፅን ንመለበምን ንመሰክሕን ክኸውን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።

16ንጥፍኣቶም ዝኸውን፥ ናይ ጥሜት ክፉእ ፍላፃ፥ ኣብ ርእሶም ምስ ሰደድኩ፥ ምእንቲ ኸጥፍአኩም ክሰዶ እየ፤ ነቲ ጥሜትኩም ከግድዶ እየ፤ ንምርኩስ እንጀራኹምውን ክሰብሮ እየ።

17ጥሜትን ንደቅኹም ዝቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩም፥ ፌራን ደምን ከዓ ብማእኸልኪ ኽሓልፍ እዩ፤ ሰይፊ እውን ከተስአልኪ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እዙይ ተዛሪበ ኣለኹ።”

ትርጓሜ

5:1-4 እቲ ነብዪ ጸጉሪ ርእሱን ጭሕሙን ኪላጭ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ኣምላኽ ነቶም ህዝቢ ብምሉኦም ከም ዝነጸጎምን ገዲፉዎምን ምዃኑ የርኢ። ሓንቲ ኽፍሊ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ብሓዊ ኽትቃጸል ኣለዋ፣ እዚ ኸኣ ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ኪጠፍኡ ዝነበሮም ብዙሓት ህዝቢ ዘመልክት። ካልእ ክፍሊ ድማ ንኣሽሓት ክትቆራረጽ ነበረት፣ እዚ ድማ ብሰይፊ ዝተቐትሉ ብዙሓት የርኢ። ካልእ ክፍሊ ድማ ብንፋስ ኪብተን ነበረት፣ እዚ ኸኣ ገለ ናብ ሃገር እቲ ሰዓሪ ከም ዝውሰዱ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ መዕቈቢት ደልዮም ናብ ከባቢ ሃገራ…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አንተም፥ የሰው ልጅ ሆይ፥ የተሳለን ጐራዴ ውሰድ፥ እንደ ጢም መላጫ ወደ አንተ ትወስደዋለህ፥ ራስህንና ጢምህንም ትላጭበታለህ፤ ሚዛንንም ውሰድ ጠጕሩንም ትከፋፍላለህ። አማርኛ ENGNIV “Now, son of man, take a sharp sword and use it as a barber's razor to shave your head and your beard. Then take a set … English BCV “ንስኻ ድማ፥ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም መላፀ ላፃዪ ዝበለ በሊሕ ሰይፊ ውሰድ እሞ፥ ርእስኻን ጭሕምኻን ተላፀየሉ፤ ሚዛን ወሲድካውን ነቲ ፀጕሪ ምቐሎ። ትግርኛ GAZBIB Ammas Waaqayyo,“Yaa mucaa namaa! Ati billaa qara qabeessa fudhadhuutii akka qarabaatti ittiin mataa kee fi areeda kee h… Afaan Oromoo BCV GIZ ወአንተ ወልደ ዕጓለ እመሕያው ንሣእ ለከ ኲናት በሊሕ ዘይበልሕ እምላጼ ቀራፂ፡ ተሣየጥ ለከ ወተላፀይ ባቲ ርእስከ ወጽሕመከ፡ ወትነሥእ ለከ እብነ መዳልወ ወትደልዎ ወትከፍሎሙ። giz GAZGAZ Ammas Waaqayyo,“Yaa mucaa namaa! Ati billaa qara qabeessa fudhadhuutii akka qarabaatti ittiin mataa kee fi areeda kee h… Afaan Oromoo AMHNIV “አንተም፤ የሰው ልጅ ሆይ፤ የተሳለ ሰይፍ ወስደህ እንደ ጢም መላጫ ጠጒርህንና ጢምህን ተላጭበት፤ ጠጒሩንም በሚዛን ከፋፍል። አማርኛ SWAHSUV Nawe, mwanadamu, ujipatie upanga mkali, kama wembe wa kinyozi ujipatie, ukaupitishe juu ya kichwa chako na ndevu zako; … Kiswahili