ትንቢት ህዝቅኤ 4

BCVትግርኛ16 ፍቕድታት3:06 ስማዕ
ስማዕ 3:06 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጡብ ውሰድ፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸዓ ኣንብሮ እሞ፥ ከተማ ኢየሩሳሌም ሰኣለሉ።

2ክቢ ኽበባ፤ ኣብ ልዕሊኣ ግንቢ ስራሕ፤ ዕርዲ ዓርዳ፤ ሓመድ ደልድለላ፤ ሰፈር ኣቑመላ፤ ብዅሉ ዙርያኣ ድማ ዘፍርስ ጕንዲ ግበር።

3ንስኻ ኸዓ መቚሎ ሓፂን ወሲድካ፥ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን፥ ከም መንደቕ ሓፂን ጌርካ ኣንብሮ፤ ገፅካ ናብኣ ኣቢልካ ኣቕንዕ፤ ክብብቲ ትኹን፤ ክበባውን፤ እዙይ ንቤት እስራኤል ምልክት ይኹን።

4“ደሓር ብፀጋማይ ጐንኻ ደቅስ፤ ኣብኡውን ንሓጢኣት ቤት እስራኤል ኣንብሮ፤ ክንዲ ቝፅሪ እተን ዝደቀስካለን መዓልቲታት ከዓ ሓጢኣቶም ክትፀውር ኢኻ።

5ኣነ ድማ ንዓመታት ሓጢኣቶም ብቚፅሪ መዓልቲታት፥ ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፥ ገይረልካ ኣለኹ፤ ንስኻውን ሓጢኣት ቤት እስራኤል ክትፀውር ኢኻ።

6እዙይ ምስ ኣእኸልካ ኸዓ፥ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐንኻ ኽትድቅስ ኢኻ፤ ነርብዓ መዓልቲ እውን ሓጢኣት ቤት ይሁዳ ኽትፀውር ኢኻ፤ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ ኣለኹ።

7“ገፅካን እቲ ጥራሑ ዘሎ ቕልፅምካን ናብታ ኽብብቲ ኢየሩሳሌም ኣቕንዕ እሞ ተነበየላ።

8እንሆ፥ ብገመድ ቀጥ ኣቢልካ፥ ነተን መዓልቲታት ምኽባብካ እንተየእኸልካየን ከዓ፥ ካብ ሓደ ጐንኻ ናብቲ ሓደ ጐንኻ ኣይትግልበጥን ኢኻ።

9“ንስኻ ስርናይን ስገምን ዓተርን ዓተር ባሕሪን ብርስንን ዓረስን ውሰድ፤ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፥ እንጀራ ሰንክት፤ ብቚፅሪ እተን ብሓደ ጐንኻ እትድቅሰለን መዓልቲታት፥ ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፥ ክትበልዕ ኢኻ።

10እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሰቕሊ(ሀ) ይኹን። በብጊዜኡ ኽትበልዖ ኢኻ።

11ማይውን ብመስፈሪ፥ ሻድሸይቲ ኣፍ ኢን፥ ክትሰቲ ኢኻ። በብጊዜኡ ኽትሰትዮ ኢኻ።

12ኣብ ቅድሚኣቶም ብዅስሒ ሰብ ኣብሲልካ፥ ኣብኡ ኸም ቅጫ ስገም ክትበልዖ ኢኻ።”

13እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ንደቂ እስራኤል፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣነ ናብኣቶም ፋሕ ዘብሎም ህዝብታት ኮይኖም፥ ከምኡ ርኹስ እንጀራኦም ክበልዑ እዮም” በለ።

14ሽዑ ኣነ፥ “ወዮ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ፥ ነፍሰይ ከቶ ኣይረኸሰትን፤ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝሐለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኹን፤ ርኹስ ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይኣተወን” በልኩ።

15ንሱ ኸዓ፥ “እንሆ፥ ክንዲ ብዅስሒ ሰብ፥ ዒባ ኸፍቲ እህበካ ኣለኹ፤ ብእኡ ጌርካ እንጀራኻ ኽተብስል ኢኻ” በለኒ።

16መሊሱውን “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ኣብ ኢየሩሳሌም ንምርኩስ እንጀራ ኽሰብሮ እየ፤ እንጀራን ማይን ክስእኑ እዮም እሞ፥ ንእንጀራ ብሚዛንን ብፍርሕን ክበልዕዎ፥ ንማይ ከዓ ብመስፈሪን ብድንጋፀን ክሰትይዎ እዮም፤ እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኾይኖም ክትክዙ፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶምውን ክጠፍኡ እዮም” በለኒ።

ትርጓሜ

4:1-8 እቲ ነብዪ ምዕባስ የሩሳሌም ብምልክታት ኪውክል ነይሩ። ንሱ ኣብ ጸጋማይ ጐድኑ ንሓያሎ መዓልታት ኪድቅስ ነይሩ፣ እዚ ድማ ካብቲ ጣኦታዊ ኣምልኾ ዝተመስረተሉ ዘመን ዝነበረ ዓመታት ዝሰማማዕ ነይሩ ተባሂሉ ይግመት። እቲ ነብዪ ንውሉድ ህዝቡ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም ዘቕረቦ ኩሉ፣ ሓጢኣት እያ ናይታ ሓንሳብ እተንበብከተ ከተማ ንጥፍኣት ዘለዓዓለት ምኽንያት ምዃኑ ንምርኣይ እዩ።

4:9-17 እቲ ንህዝቅኤል መደገፊኡ ክኸውን ዝነበሮ እንጌራ፡ ካብ ዝተሓዋወሰ ርጉድ ፍረ-በለስን ጥረን ክስራሕ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ብዘይካ ብግዜ ኣዝዩ ኣስጋኢ ሕጽረት ጥራይ ብቐሊሉ ዘይ…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6