ትንቢት ህዝቅኤ 46

BCVትግርኛ24 ፍቕድታት4:54 ስማዕ
ስማዕ 4:54 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ፥ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ በተን ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ክትዕፆ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ግና ኽትክፈት፥ ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒውን ክትክፈት እያ።

2እቲ ሓለቓ ከዓ፥ በቲ ገበላ እታ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወፃኢ ኽኣቱ፥ ኣብ ልዳት እታ ደገውን ክቐውም እዩ፤ ካህናት ከዓ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን ከቕርቡ እዮም፤ ንሱ ድማ ኣብ መድረኽ እታ ደገ ኽሰግድ፥ ድሕሪዙይውን ክወፅእ እዩ፤ እታ ደገ ግና ኽሳዕ ምሸት ኣይትዕፆን እያ።

3ህዝቢ እታ ምድሪ፥ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን ኣብ መእተዊ እዛ ደገ እዚኣ ኾይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።

4እቲ ሓለቓ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ንእግዚኣብሄር ዘቕርበሉ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ጕድለት ዘይብሎም ሽዱሽተ ጡበታትን ጕድለት ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ይኹን።

5መስዋእቲ ብልዒ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ ሓንቲ ኢፍ፥(ሀ) መስዋእቲ ብልዒ ነቶም ጡበታት ድማ፥ ከም ርካቡ ክኸውን፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍውን ሓደ ኢን ዘይቲ ኽህልዎ እዩ።

6ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸዓ፥ ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕን፥ ጕድለት ዘይብሎም ሽዱሽተ ጡበታትን፥ ሓደ ማጕላን ከቕርብ እዩ።

7ንሱ ኸዓ መስዋእቲ ብልዒ፥ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኢፍ፥ ነቶም ጡበት ከም ርካቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍ ኸዓ ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ።

8እቲ ሓለቓ ኽኣቱ እንተሎ፥ ብገበላ እታ ደገ ኽኣቱ፥ ብኣኣ ኣቢሉውን ክውፅእ እዩ።

9“ህዝቢ እታ ምድሪ፥ በተን ዓበይቲ፥ በዓላት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ መፁ፥ እቲ ኽሰግድ ኢሉ በደገ ሰሜን ዝኣተወ፥ ብደገ ደቡብ ክወፅእ እዩ፤ እቲ ብደገ ደቡብ ዝኣተወ ድማ፥ ብደገ ሰሜን ክወፅእ እዩ፤ በታ ኣንፃራ ደኣ ኽወፅእ ኣለዎ እምበር፥ ሓደ እኳ በታ ዝኣተወላ ደገ ኣይምለስን እዩ።

10እቲ ሓለቓ ኸዓ፥ እቶም ህዝቢ ኽኣትዉ እንተለዉ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ኽኣቱ፥ ንሳቶም ክወፁ እንተለዉ ድማ፥ ምስኣቶም ክወፅእ እዩ።

11ብበዓላትን ብመዓልቲ ኽብረ በዓላትን፥ እቲ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ነቲ ማጕላ ድማ ሓደ ኢፍ፥ ነቶም ጡበታትውን ከም ርካቡ፥ ነንሓደ ኢፍ ኸዓ፥ ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ።

12“እቲ ሓለቓ ኸዓ ናይ ፍቓዱ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ምስጋና፥ ከም ፍቓዱ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ እንተሎ፥ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ትከፈተሉ እሞ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን፥ ከምቲ ናይ ሰንበት ገይሩ ከቕርብ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኽወፅእ፥ ምስ ወፀ ድማ እታ ደገ ትተዐፆ።

13“ጐደሎ ዘይብሉ ናይ ዓመት ጡበት ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ኣብ ፀፅባሕ ንእግዚኣብሄር ክተቕርበሉ ኢኻ፤ መዓልቲ መዓልቲ ኽተቕርብ ኢኻ።

14ምስ ናይዝ መስዋእቲ ብልዒ፥ ሻድሻይ ኣፍ ኢፍ፥ መለስለሲ እቲ ሕሩጭ ከዓ፥ ሳልሳይ ኣፍ ኢን ዘይቲ፥ ንግሆ ኽተቕርብ ኢኻ፤ እዝ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዙይ፥ ንሓዋሩ ስርዓት ንዅሉ ጊዜ ክኸውን እዩ።

15ማጕላን መስዋእቲ ብልዕን ዘይትን፥ ንግሆ ንግሆ ኸም ናይ ኵሉ ጊዜ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትስውኡ ኢኹም።”

16እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ሓለቓ ንሓደ ኻብቶም ደቁ ውህብቶ እንተ ሃቦ፥ ርስቱ እዩ፤ እዙይ ንደቁ ይኹን፤ ደቁ ዝወረስዎ ርስቶም እዩ።

17ንሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ኻብቲ ርስቱ መቒሉ፥ ውህብቶ እንተ ሃቦ ግና፥ እዚኣ ኽሳዕ ዓመት ሓራ፥ ናቱ ትኹን፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብቲ ሓለቓ ትመለስ፤ ርስትነቱ ድማ ንደቁ ክኸውን እዩ።

18እቲ ሓለቓ ከዓ፥ ነቶም ህዝቢ ኻብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም፤ ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ኸይንቀልስ፥ ነቶም ደቁ ኻብ ርስቱ ኸረስትዮም እዩ።”

19ድሕሪዙይ ንሱ ናብተን ናብ ወገን ሰሜን ዝሪኣ ናይ ካህናት ቅዱሳት ክፍሊ ኣባይቲ፥ በታ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ዘላ መእተዊት ኣቢሉ ኣእተወኒ፤ እንሆ ድማ ኣብቲ ወሰኑ፥ ንምዕራብ ኣቢሉ ዝርኢ ቦታ ነበረ።

20ንሱ ኸዓ፦ “እቶም ካህናት ነቲ ህዝቢ ንምቕዳስ፥ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ከየውፅእዎ፤ ነቲ መስዋእቲ በደልን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዘብስሉሉ፥ ነቲ መስዋእቲ ብልዒውን ዝስንክቱሉ ቦታ እዙይ እዩ” በለኒ።

21ናብ ወፃኢ ዓፀድ ድማ ኣውፅአኒ፤ ኣብ ኣርባዕቲአን መኣዝን እታ ዓፀድ ከዓ ኣዞረኒ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝን እታ ዓፀድ ድማ ዓፀድ ነበረ።

22ኣብተን ኣርባዕተ መኣዝን እታ ዓፀድ ድማ፥ እተቘፀራ ዓፀዳት ነበራ፤ ምንዋሐን ኣርብዓ እመት፥ ወርደን ከዓ ሰላሳ እዩ፤ እዘን ኣርባዕተ ብመኣዝን ልክዐን ሓደ እዩ።

23ኣብ ዙርያአን፥ ኣብ ዙርያ ኣርባዕቲአን ከዓ መንደቕ ነበረ፤ ኣብ እግሪ እቲ መንደቕ ብዙርያ ድማ፥ መብሰሊ ተሰሪሕዎ ነበረ።

24እዚኣተን ከዓ “እቶም ኣገልገልቲ እዛ ቤት፥ ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ዘብስሉለን እየን” በለኒ።

ትርጓሜ

46:1-24 ስርዓታት ኣምልኾ ንመስፍንን ንህዝብን ኣብዚ ተገሊጾም ኣለዉ፣ እቲ መስፍን ከኣ ንደቁን ንኣገልገልቱን ዝውድዕ ህያባት። ጐይታና ብዙሕ ግቡኣት ክንፍጽም መሪሑና እዩ፣ ግናኸ ብዙሕ ነገራት ንምርጫና ሓዲጉልና ኣሎ፣ እቶም ብትእዛዛቱ ዝሕጎሱ ንኽብሩ ኣብኡ ክለምዕዋ፣ ንሕልናኦም ከየተሓሓዙ ወይ ከኣ ንኻልኦት ዘይበቅዑ ሕግታት ከየውጽኡ። ግናኸ ነቲ መዓልታዊ ኣምልኾና ከቶ ኽንሓድጎ የብልናን፣ ከምኡ’ውን ነቲ መስዋእቲ ገንሸል ኣምላኽ ናብ…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ጌታ እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፦ በውስጠኛው አደባባይ ወደ ምሥራቅ የሚመለከተው በር ሥራ በሚሠራበት በስድስቱ ቀን ተዘግቶ ይቈይ፤ ነገር ግን በሰንበት ቀንና በመባቻ ቀን ይከፈት። አማርኛ ENGNIV “ ‘This is what the Sovereign Lord says: The gate of the inner court facing east is to be shut on the six working days,… English GAZBIB Waaqayyo gooftaan,“Karri oobdii isa gara keessaa inni gara ba'a-biiftuutti gara galu, guyyoota hojii ja'anuu cufamee ha… Afaan Oromoo BCV GIZ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር እግዚእ፦ አንቀጽ ዘዓፀደ ውሳጢ ዘይኔር ጽባሐ ዕፀወ ይንበር ሰዱሰ መዋዕለ ግብር፡ ወበዕለተ ሰንበት ይትረኃው፡ ወበዕለተ ሠርቅ ይትረኃው። giz GAZGAZ Waaqayyo gooftaan,“Karri oobdii isa gara keessaa inni gara ba'a-biiftuutti gara galu, guyyoota hojii ja'anuu cufamee ha… Afaan Oromoo BCV aksum እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ፥ እታ ውሽጣዊት ዓፀድ በተን ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ክትዕፆ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ግና ኽትክፈት፥ ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒውን … ትግርኛ AMHNIV “ጌታ እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፤ ለምሥራቅ ትይዩ የሆነው የውስጠኛው አደባባይ በር በስድስቱ የሥራ ቀኖች ይዘጋ፤ ነገር ግን በሰንበት ቀንና በወር መባቻ ቀን ይከፈት። አማርኛ SWAHSUV Bwana MUNGU asema hivi; Lango la ua wa ndani, lielekealo upande wa mashariki litafungwa siku sita za kazi; lakini siku … Kiswahili