ትንቢት ህዝቅኤ 11

BCV aksumትግርኛ23 ፍቕድታት4:31 ስማዕ
ስማዕ 4:31 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1መንፈስ ኣልዓለኒ፤ ናብቲ ወገን ምብራቕ፥ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዝርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ፥ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ነበሩ፤ ኣብ ማእኸሎም ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ፥ ያእዛንያ ወዲ ዓዙርያን ፈላጥያ ወዲ በናያን ረአኽዎም።

2በለኒ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዝሓስ??፥ ክፉእውን ዝመኽሩ ሰባት እዮም።

3ንሳቶም ድማ ‘ብሓቂ ኣባይቲ እንሰርሐሉ እዋን ዝቐረበዶ ኣይኮነን? ንሳ ድስቲ እያ፤ ንሕና ኸዓ ስጋ ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።

4ስለዙይ ኣንፃሮም ተነበየሎም፤ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ” በለኒ።

5መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣባይ ወረደ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንስኻትኩም ከምዙይ ትብሉ ኣለኹም፤ ኣነውን ንሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ፤ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ቀተልኩም፤ ነደባባያታውን ቅቱላት መላእኹምዋ፤ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም” በለኒ።

7ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ኣብ ማእኸላ ዘንበርኩምዎም ቅቱላት፥ ንሳቶም ስጋ እዮም፤ ንሳ ኸዓ ድስቲ እያ፤ ንስኻትኩም ግና ኻብ ማእኸላ ኽትወፁ ኢኹም።

8ሰይፊ ፈራሕኹም፤ ሰይፊ ድማ ኸምፅአልኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

9ካብ ማእኸላ ኸውፅአኩም፥ ናብ ኢድ ጓኖት ከዓ ኸሕልፈኩም፥ ፍርድውን ኣባኻትኩም ክገብር እየ።

10ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

11እዛ ኸተማ እዚኣ ድስቲ ኣይትኾነልኩምን፤ ንስኻትኩምውን ኣብ ማእኸላ ስጋ ኣይትኾኑን ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ።

12ንስኻትኩምስ ሕጊ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ገበርኩም እምበር፥ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለስኩምን፤ ፍርደይ ከዓ ኣይገበርኩምን እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

13ኮነ ኸዓ፥ ኣነ ኽንበ እንተለኹ፥ ፊላጥያ ወዲ በናያስ ሞተ፤ ሽዑ ብግምባረይ ተደፊአ ዓው ኢለ፥ “ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤልዶ ፈፂምካ ኽተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ።

14ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦

15“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ እዮም ኣሕዋትካ፤ እወ ኣሕዋትካ፥ እቶም ኣዝማድካን ኵሎም ቤት እስራኤልን ካብ እግዚኣብሄር ረሓቑ፤ ‘እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ’ በልዎም።”

16ስለዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ናብ ማእኸል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራትውን እንተ በተንኩዎም፥ ኣብቲ ዘዝመፅዎ ሃገራት ንቑሩብ ጊዜ መቕደስ ክኾኖም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።

17ስለዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘለኹም ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ንምድሪ እስራኤልውን ክህበኩም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።

18ናብኣ ኸዓ ኽመፁ እዮም፤ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ፅዩፍ ነገራን ኵሉ ርኽሰትን ድማ ኻብኣ ኸርሕቕዎ እዮም።

19ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኽመላለሱ፥ ንፍርደይ ከዓ ኽሕልዉን ክገብርዎን፥ ሓደ ልቢ ኽህቦም፥ ሓድሽ መንፈስውን ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ፤ ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እየ።

21ግናኸ እቶም፥ ልቦም ንልቢ እቶም ፍንፉናት ነገሮምን ርኽሰቶምን ዝስዕብስ፥ መንገዶም ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።

22ሽዑ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዓሉ፤ እቲ መንኰራዅር ከዓ ኣብ ጐኖም ነበረ፤ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረ።

23ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ማእኸል እታ ኸተማ ተልዓለ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ብወገን ምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ እምባ ቖመ።

24መንፈስ ድማ ኣልዓለኒ፤ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከዓ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፥ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ፤ እቲ ዝሪኦ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ኻብ ቅድመይ ተሰወረ።

25ኣነ ኸዓ እቲ እግዚኣብሄር ዘርአየኒ፥ ኵሉ ቓላት ነቶም ምሩኻት ነገርክዎም።

ትርጓሜ

11:1-13 ሰይጣን ንሰብ ነቲ ዝመጽእ ፍርዲ ዘየተኣማምን እዩ ኢሉ ከተቕንዕ ዘይክእለሉ እዋን፡ ርሑቕ እዩ ኢሉ ብምቕናዕ ዕላማኡ የዕውተሉ። እዞም ድኹማት ገዛእቲ ኸኣ፡ ኣብዛ ከተማ እዚኣ ኸምቲ ኣብ ዝነደደ ጣውላዕ ዘሎ ስጋ ድሑናት ኢና፤ መናድቕ እታ ከተማ ንዓና ኸም መናድቕ ነሓስ ኪኾኑና እዮም፤ ከምቲ ንጣውላዕ ካብ ሓዊ ጕድኣት ዘይበጽሖ፡ ንሕና እውን ካብቶም ከባጢት ዝበዝሐ ጉድኣት ኣይክበጽሓናን እዩ ክብሉ ይድፍሩ ነበሩ። ሓጥኣን ንርእሶም ናብ ጥፍኣቶም ከወድቁ ኸለዉ የታልሉዋ እንተደኣ ኾይኖም፡ እንተቐጺሎም ሰላም ከምዘይብሎም ክነግሮም ግዜኡ እዩ። ኣብታ ከተማ ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እቶም ኣብኣ ዝቕበሩ እንተዘይኮይኖም ግን። እቶም ብዝያዳ ድሑናት ኢና ዝብሉ፡ እቶም ዝውሑድ ድሕነት ዘለዎም እዮም። ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ንገሊኦም ሓጥኣን ንኻልኦት መምከሪ ንኽኾኑ ይመርጾም። ፈላጥያ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ የሩሳሌም ሞይቱ እንተኾይኑ፡ ወይስ ምፍጻም ትንቢት ምስ ቀረበ፡ እዚ ዘይተረጋገጸ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG መንፈስም አነሣኝ፤ ወደ ፀሐይ መውጫ ወደሚመለከት ወደ እግዚአብሔር ቤትም ወደ ምሥራቁ በር አመጣኝ። እነሆም፥ በበሩ መግቢያ ሀያ አምስት ሰዎች ነበሩ፥ በመካከላቸውም የሕዝቡን አለቆች የዓዙር… አማርኛ ENGNIV Then the Spirit lifted me up and brought me to the gate of the house of the Lord that faces east. There at the entrance… English BCV መንፈስ ኣልዓለኒ፤ ናብቲ ወገን ምብራቕ፥ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዝርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ፥ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ነበሩ፤ ኣብ ማእኸሎም ድ… ትግርኛ GAZBIB Hafuurri ol na fuudhee, gara karra mana Waaqayyoo isa gara ba'a-biiftuutti gara galee jirutti na geesse; balbala karich… Afaan Oromoo BCV GIZ ወአንሥአኒ መንፈስ ወወሰደኒ ኅበ አንቀጸ ቤተ እግዚአብሔር ዘይኔጽር መንገለ አንጻረ ጽባሕ፤ ወረከብኩ ኆኅተ ዴዴ ዕሥራ ወኃምስተ እደው ወርኢክዎ በማእከሎሙ ለመልአኮሙ ለኢኮንያን ወልደ አዙር… giz GAZGAZ Hafuurri ol na fuudhee, gara karra mana Waaqayyoo isa gara ba'a-biiftuutti gara galee jirutti na geesse; balbala karich… Afaan Oromoo AMHNIV መንፈስም ወደ ላይ አነሣኝ፤ ከዚያም በምሥራቅ በኩል ወዳለው ወደ እግዚአብሔር ቤት በር አመጣኝ። በበሩም መግቢያ ላይ ሃያ አምስት ሰዎች ነበሩ፤ በእነርሱም መካከል የሕዝቡን መሪዎች የዓዙርን… አማርኛ SWAHSUV Tena roho ikaniinua, ikanileta hata lango la upande wa mashariki wa nyumba ya Bwana, lililoelekea upande wa mashariki; … Kiswahili