ኤፌሶን 5

BCV aksumትግርኛ32 ፍቕድታት4:25 ስማዕ
ስማዕ 4:25 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እ??ዚኣብሄር ኩኑ።

2ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።

3ንቅዱሳን ኣይግባእን እዩ እሞ፥ ዝሙት፥ ዝኾነ ዓይነት ርኽሰት፥ ከትሪ ወይ ስስዐ፥ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ።

4እኳ ደኣ ንእግዚኣብሄር ምስጋና እምበር፥ ዘሕንኽ ወይ ዘነውር ዘረባ ወይ ዋዛ፥ ኣባኻትኩም ክስማዕ ኣይግባእን እዩ።

5ዘማዊ፥ ርኹስ፥ ወይ ጣዖት ከም ምምላኽ ዝቝፀር ስስዐ ዘለዎ ሰብ፥ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን እግዚኣብሄርን፥(ሀ) ርስቲ ኸም ዘይብሉ ፍለጡ።

6ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ኣብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።

7እምበኣር ምስኣቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም።

8ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ።

9ፍረ ብርሃን፥ ኣብ ኵሉ ሰናይን፥ ቅንዕናን ሓቅን እዩ፥ ዝርከብ እሞ።

10እምበኣር እቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ፥ እንታይ ከም ዝኾነ መርምሩ።

11ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር፥ ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ሕብረት ኣይሃሉኹም፤

12እቲ ንሳቶም ብሕቡእ ዝገብርዎ፥ ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍር እዩ።

13ኵሉ ነገር እንተ ደኣ ናብ ብርሃን ቀሪቡ ግና፥ ይረአ፤ ኵሉ እቲ ዝረአ ብርሃን እዩሞ።

14ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ተበራበር፤ ካብ ምዉታንውን ተስእ፤ ክርስቶስ ከዓ ኸብርሀልካ እዩ” ዝተብሃለ።

15እምበኣር ተጠንቀቑ፤ እዝ ዘመን ክፉእ እዩ እሞ፥ ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብምሉኡ፥ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ፥ ከም ለባማት ንበሩ።

17ስለዙይ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፥ ዓያሹ ኣይትኹኑ።

18ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።

19ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን፥ ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ፥ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን፥ ኣመስግኑ።

20ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ።

21ንክርስቶስ ካብ ዘለኩም ፍርሓት፥ ንስንሳትኩም እዙዛት ኩኑ።

22ኣትን ኣንስትውን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርክን፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።

23ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ፥ ሰብኣይ ከዓ ርእሲ ሰበይቱ እዩ። ክርስቶስ ድማ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ መድሕን እዩ እሞ።

24ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ እትእዘዞ፥ ከምኡ ድማ ኣንስቲ፥ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም።

25ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘፍቀራ፥ ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን።

26ብምሕፃብ ማይ፥ ብቓሉ ኣፅርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ፥

27ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።

28ከምኡ ኸዓ ኣቱም ሰብኡት፥ ነተን ኣንስትኹም፥ ከም ሰብነትኩም ጌርኩም ኣፍቅርወን። እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር፥ ንባዕሉ እዩ ዘፍቅር።

29ከምቲ ክርስቶስ፥ ንቤተ ክርስቲያን ዝከናኸና፥ ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይከናኸኖን እምበር፥ ሰብነቱ ዝፀልእ ሓደኳ የለን።

30ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።

31“ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይሓብር፤ ክልቲኦም ከዓ፥ ሓደ ኣካል ይኾኑ።”

32እዝ ምስጢርዙይ ዓብዪ እዩ፤ ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስቲያንን፥ እምስሎ ኣለኹ።

33ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፤ ሰበይቲውን፥ ንሰብኣያ ተኽብሮ።

ትርጓሜ

5:1,2 ኣምላኽ ምእንቲ ክርስቶስ ይቕረ ስለ ዝበለኩም፡ ስለዚ ሰዓብቲ ኣምላኽ፡ መምሰልቲ ኣምላኽ ኩኑ። ብፍላይ ብፍቕሩን በቲ ይቕረ በሃሊ ሕያውነቱን ምሰልዎ፡ ከምቶም ብሰማያዊ ኣቦኦም ዝተፈቕሩ ዝግባእ። ኣብ መስዋእቲ ክርስቶስ ፍቕሩ ይዕወት፡ ንሕና ድማ ብምሉኡ ክንሓስቦ ይግብኣና።

5:3-14 ርኹስ ምኞታት ክሰዓዕሩ ኣለዎም። እዞም ሓጥያታት እዚኦም ክፈርሑን ክጽየፉን ኣለዎም። ኣብዚ እምበኣር ጥንቃቐታት ንገፊሕ ግብሪ ሓጥያት ጥራይ ኣይኮነን ዘሎ፡ የግዳስ ገሊኦም ብቐሊሉ ዝርእይዎ ነገራት'ውን እዩ። እዞም ነገራት ግን ካብ ምጥቃም ዝረሓቑ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ንሰማዕቲ'ውን ይረኽሱን ይመርዙን። ሓጎስና ኸም ንክርስቲያን ዝግባእ፡ ናብ ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ዝመርሕ ነገራት ርእሱ ኬርኢ ይግባእ። ስሱዕ ሰብ ንገንዘቡ ኣምላኽ ይገብር፤ ተስፋን፡ እምነትን፡ ባህግን ኣብ ስጋዊ ነገራት ይገብር፡ እዚ ድማ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ኪኸውን ዝግባእ እዩ። እቶም ኣብ ስጋዊ ምኞታትን ፍቕሪ ዓለምን ርእሶም ዘፍቅዱ፡ ናይ መንግስቲ ጸጋ ኣይኮኑን፡ ናብ መንግስቲ ክብሪ'ውን ኣይበጽሑን። እቶም ዝኸፉኡ በደልቲ ምስ ንስሓ ዝኣተዉን ንወንጌል'ውን ዝኣመኑን፡ ደቂ እዝነት ይኾኑ እሞ ቁጥዓ ኣምላኽ ካባታቶም ይርሕቕ። ንቁጥዓ ኣምላኽ ዘውርድ ነገር ብቐሊሉ ክንርእዮዶ ንድፈር? ሓጥኣን፡ ከምቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ ሰባት፡ ናበይ ከም ዝኸዱ ዘይፈልጡ፡ እንታይ ከም ዝገብሩ'ውን ዘይፈልጡ እዮም። ግናኸ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ነፍሳት ብዙሓት ዓብዪ ለውጢ ገበረ። ፍልጠትን ቅድስናን ከም ዘሎኩም ኴንኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ተመላለሱ። እዚኦም ግብርታት ጸልማት፡ ዝኾነ ይኹን ዝምክሕዎ ረብሓ እንተሃለዎም'ውን፡ ፍረ ዘይብሎም እዮም፤ ከመይሲ ኣብ ጥፍኣት እቲ ዘይተነሰሓ ሓጥእ እዮም ዝዛዝሙ። ንሓጥያት ካልኦት ንምስታፍ ብዙሕ መገድታት ኣሎ፡ ብምምጓስ፡ ብምኽሪ፡ ብምፍቓድ ወይስ ብምሽፋን። ምስ ካልኦት ኣብ ሓጥያቶም እንተተኻፈልና፡ ኣብ መዓቶም ክንካፈል ክንጽበ ይግባእ። ሓጥያት ካልኦት እንተዘይገሰጽና፡ ምሳታቶም ሓድነት ኣለና። ጽቡቕ ሰብ፡ ብዙሓት ክፉኣት ሰባት ክገብርዎ ዘይሓፍሩዎ ነገር ክዛረበሉ ይሓፍር። ሓጥያት ሓጥያት ምዃኑን ብሓደ ወገን'ውን ሕፍረት ምዃኑን ርኢቶን ፍልጠትን ጥራይ ክህልወና የብሉን፤ የግዳስ ከም ምፍራስ ናይ ቅዱስ ሕጊ ኣምላኽ ክንርእዮ ኣለና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6