መጽሓፍ መክብብ 9

BCVትግርኛ18 ፍቕድታት3:46 ስማዕ
ስማዕ 3:46 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብዛዕባ እዙይ ኣፀቢቐ ሓሰብኩ። ፃድቃንን ጥበበኛታትን፥ ኵሉ ዝሰርሕዎን፥ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ነዝ ዅሉ ኽምርምር ብልበይ ሓሰብኩ፤ ፍቕሪ ወይ ፅልኢ ይኹን ሰብ ኣይፈልጥን፤ ኵሉ ኣብ ቅድሚኣቶም እዩ።

2ንፃድቕን ንሓጥእን፥ ንሕያዋይን ንኽፉእን፥ ንንፁህን ንርኹስን፥ ነቲ ዝስውእን ዘይስውእን፥ ንዅሎም ብፅሒቶም ሓደ እዩ፤ ከምቲ ንሕያዋይ ከምኡ ንሓጥእ፥ ከምቲ ንዝምሕል ከምኡውን ማሕላ ንዝፈርሕ ሓንቲ እያ ብፅሒቶም።

3ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ኽፉእ ነገር ናይ ኵላቶም ብፅሒቶም ሓደ ምዃኑ እዩ። እምበኣር ልቢ ደቂ ሰብ ክፍኣት መሊኡ እዩ፤ ብህይወቶም እንተለዉ ድማ ዕብዳን ኣብ ልቦም ኣሎ፤ ድሕሪዙይውን ናብ ሙታን ይወርዱ።

4ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ምስ ኵሎም ህያዋን ብሓባር ዘሎ፥ ተስፋ ኣለዎ።

5ህያዋን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም፤ ምዉታት ግና ሓደ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ፤ ድሕሪዙይ ከቶ ረብሓ የብሎምን።

6ፍቕሮምን ፅልኦምን ቅንኣቶምን ሓቢሩ ጠፊኡ እዩ፤ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ኸዓ ንዘለኣለም ግደ የብሎምን።

7ኣምላኽ ግብርኻ ተቐቢልዎ ስለ ዝኾነ፥ ኪድ እንጀራኻ ደስ ኢሉካ ብላዕ፤ ወይንኻውን ብሕጕስ ልቢ ስተ።

8ኵልሻዕ ፃዕዳ ተኸደን፤ ርእስኻ ድማ ዘይቲ ተቐባእ።

9ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እትፅዕረሉ ፃዕርን ግደኻ እዩሞ፥ ብዅለን በተን ከንቱ ዝኾና መዓልቲታትካ፥ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃበካ ዅለን መዓልቲታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲኻ ብሓጐስ ንበር።

10ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።

11ኣነውን ተመሊሰ፥ ኣብቲ ትሕቲ ፀሓይ፥ ጕያ ንፈጣናት፥ ውግእ ንጀጋኑ፥ እንጀራ ንጥበበኛታት፥ ሃብቲ ንመስተውዓልቲ፥ ሞገስ ንፈላጣት ከም ዘይኾነ ረአኹ፤ ጊዜን ዕድልን ግና ንዅሎም ይራኸቦም።

12ሰብ ነታ ጊዜኡ ኣይፈልጣን እዩሞ፥ ከምቶም ብኽፉእ መርበብ ዝተገፉ ዓሳታት፥ ከምተን ብመፈንጠር ዝተትሓዛ ኣዕዋፍ፥ ከምኡ ኸዓ ደቂ ሰብ ኣብ ክፉእ ጊዜ ድንገት እንትወርዶም እዮም ብመፈንጠር ዝተሓዙ።

13ጥበብ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ነዝ ጥበብ እዙይ ረአኹ፤ ንሳ ኸዓ ንዓይ ዓባይ ኮይና ተርኣየትኒ።

14ውሑድ ዝህዝባ ንእሽተይ ከተማ ነበረት። ሓያል ንጉስ መፂኡ ድማ ኸበባ፤ ኣብ ዙርያኣውን ዕርድታት ሰርሐ።

15ኣብኣ ኸዓ ጥበበኛ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ተረኽበ፤ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሓና፤ ግና ነዝ ድኻ ሰብኣይ እዙይ ሓደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን።

16ሽዑ ኣነ “ካብ ሓይልስ ጥበብ ትበልፅ፤ ጥበብ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፤ ቃሉውን ኣይትስማዕን” በልኩ።

17ኣብ ማእኸል ዓያሹ ብዓውታ ኻብ ዝንገር ዘረባ ገዛኢስ፥ ብህድኣት ዝንገር ቃል ጥበበኛታት ብዝበለፀ ይስማዕ።

18ካብ ኣፅዋር ውግእ ጥበብ ትበልፅ፤ ሓደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ ነገራት የጥፍእ።

ትርጓሜ

9:1-3 ንቓል ኣምላኽ ወይ ንግብሪ ኣምላኽ ምምርማርና ከንቱ እዩ ክንብል የብልናን፣ ምኽንያቱ ኩሉ ጸገማት ክንገልጾም ስለዘይንኽእል። ብዙሕ ንዓና ጽቡቕ ዝኸውንን ንኻልኦት ከኣ ጠቓሚ ዝኸውን ትምህርቲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ግና ሰብ ወትሩ መን እዮም ፍሉይ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝረኸቡ ወይ ኣብ ትሕቲ ቁጥዓኡ ዘለዉ ክውስን ኣይክእልን እዩ። ኣምላኽ ድማ ኣብ መንጎ ክቡራትን ንቑሳትን ኣብታ ኻልእ ዓለም ብርግጽ ፍልልይ ክገብር እዩ። እቲ ሕጂ ኣብ ሓጎስ ዘሎ ፍልልይ፣ ካብቲ ጻድቃን ብውሽጢ ዝረኽብዎ ድጋፍን ምጽንናዕን፣ ከምኡ’ውን ካብ እተፈላለየ መከራታትን ምሕረትን ዝረኽብዎ ጥቕሚ ዝምንጩ እዩ። ደቂ ሰብ ናብ ባዕሎም ከም ዝተገድፉ መጠን፣ ልቦም ብእኩይ ምሉእ እዩ። ከምኡ’ውን ብሓጢኣት ምብልጻግ፣ ብድፍረት ዝመልኦ እኩይ ተግባር ንኣምላኽ እኳ ከም ዝብድህዎ ይገብር። ሞት ከይመጸ ጻድቃንን ረሲኣንን ብዙሕ ግዜ ማዕረ ዝመስሉ እኳ እንተኾኑ፣ በቲ ሓደ ወገን ግን ኣዝዩ ዓብዪ ፍልልይ ክህሉ እዩ።

9:4-10 እቲ ኣዝዩ ዝንዓቕ ህያው ሰብ ኩነታቱ፡ ንንስሓ ከይኣተወ ዝሞተ እቲ ኣዝዩ ልዑል ሰብ ኩነታት ይበልጽ። ሰሎሞን ንጥበበኛታትን ንኣምለኽቲን፡ ኩነታት ህይወቶም ዝኾነ ይኹን፡ ኣብ ኣምላኽ ባህ ብዝበለ መንፈስ ክተኣማመኑ የባብዕ። እቲ ካብ ፍቕሪ ኣቦኦም ንጸሎት መልሲ ኮይኑ ዝመጸ፡ ኣዝዩ ንኡስ ዝኾነ ምቑራሽ መግቢ እኳ እንተኾነ፡ ፍሉይ ዝኾነ ጥዑም መዘዘ ክህልዎ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ጻድቃንና ጠቢባን ሥራዎቻቸውም በእግዚአብሔር እጅ እንደ ሆኑ፥ ይህን ሁሉ እመረምር ዘንድ በልቤ አኖርሁ፤ ፍቅር ወይም ጥል ቢሆን ሰው አያውቅም ሁሉ ወደ ፊታቸው ነው። አማርኛ ENGNIV So I reflected on all this and concluded that the righteous and the wise and what they do are in God's hands, but no ma… English GAZBIB Ani wanta kana hundumaa garaatti qabadheera, qoreeras; namoonni qajeelonnii fi ogeeyyiin hojii isaanii wajjin harka Waa… Afaan Oromoo BCV GIZ ከመ ጻድቃን ወጠበብት ወምግባሮሙ ውስተ እደ እግዚአብሔር ፍቅረ ወጸልአ አልቦ ዘያአምር ሰብእ ኵሉ ቅድመ ገጾሙ። giz GAZGAZ Ani wanta kana hundumaa garaatti qabadheera, qoreeras; namoonni qajeelonnii fi ogeeyyiin hojii isaanii wajjin harka Waa… Afaan Oromoo BCV aksum ብዛዕባ እዙይ ኣፀቢቐ ሓሰብኩ። ፃድቃንን ጥበበኛታትን፥ ኵሉ ዝሰርሕዎን፥ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ነዝ ዅሉ ኽምርምር ብልበይ ሓሰብኩ፤ ፍቕሪ ወይ ፅልኢ ይኹን ሰብ ኣይፈልጥን፤ ኵሉ… ትግርኛ AMHNIV ስለዚህ ይህን ሁሉ በልቤ አስቤ እንዲህ አልሁ፤ ጻድቃንና ጠቢባን የሚሠሩትም ሥራ በእግዚአብሔር እጅ ነው፤ ነገር ግን ፍቅር ይሁን ወይም ጥላቻ የሚጠብቀውን ማንም አያውቅም። አማርኛ SWAHSUV Na kwa ajili ya hayo yote, nikatia moyo wangu katika kuyatafutatafuta haya; ya kuwa wenye haki, na wenye hekima, pamoja… Kiswahili