1ከም ጥበበኛ ዝኾነ ሰብ መን እዩ? ምትርጓም ነገራት ዝፈልጥከ መን እዩ? ጥበብ ንሰብ ገፁ ተብርሆ፤ ንድፍረት ገፁ ኸዓ ትልውጦ።
2ኣነ “ብእግዚኣብሄር ስለ ዝመሓልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሓልዎ” እብለካ ኣለኹ።
3ንጉስ ዝደለዮ እዩ ዝገብር እሞ፥ ካብ ቅድሚ ንጉስ ንምርሓቕ ኣይትህፀፅ፤ ኣብ ክፉእ ነገርውን ኣይትፅናዕ።
4ንጉስ ብስልጣን ይእዝዝ እዩሞ፥ “ንምንታይ እዙይ ትገብር” ዝብሎኸ መን እዩ?
5ትእዛዝ ዝሕሉ ኽፉእ ነገር ኣይበፅሖን፤ ልቢ ጥበበኛ ኸዓ ንጊዜን ኣካይዳን ይፈልጦ እዩ።
6ናይ ሰብ መከራ ብእኡ ኸቢድ ስለ ዝኾነ፥ ንዅሉ ነገር ጊዜን ኣካይዳን ኣለዎ።
7ነቲ ዝኸውን ኣይፈልጦን እዩ። ከመይ ከም ዝኸውንከ ዝነግሮ መን እዩ?
8መንፈስ ንምትራፍ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ስልጣን ዘለዎ ሰብ የለን፤ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞቱውን ስልጣን የብሉን። ኣብ ጊዜ ውግእ ከዓ ምስንባት የለን፤ ክፍኣት ድማ ነቲ ሰራሒኡ ኣየድሕኖን።
9እዝ ዅሉ ረአኹ፤ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግብሪ ኸዓ ልበይ ኣቕናዕኹ፤ ሰብ ንሰብ ክጐድእ ገዛኢ ዝኾነሉ ጊዜ ኣሎ።
10ከምኡውን ሓጥኣን ከም ዝተቐብሩን ናብ ዕረፍቲ ኸም ዝኣተዉን ረአኹ፤ ቅኑዓት ግና ኻብታ ቕድስቲ ቦታ ወፁ፥ ኣብታ ኸተማ ኸዓ ተረስዑ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
11ክፉእ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩሞ፥ ስለዙይ ልቢ ደቂ ሰብ ክፉእ ንምግባር ዝተረረ እዩ።
12ሓጥእ ሚእቲ ጊዜ እኳ ኽፍኣት እንተ ገበረ፥ መዋዕሉውን እንተ ነውሐ፥ ኣነስ ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሓት ዝነብሩ፥ ሰናይ ከም ዝኾነሎም ብርግፅ እፈልጥ እየ።
13ሓጥእ ግና ንኣምላኽ ኣይፈርሕን እዩ እሞ፥ ሰናይ ኣይኾነሉን፤ ንመዓልትታቱውን ከም ፅላሎት ገይሩ ኣየንውሕን እዩ።
14ኣብ ምድሪ ዝግበር ከንቱ ነገር ኣሎ፦ ንግብሪ ፃድቃን ዝግባእ ስራሕ ዝበፅሖም ሓጥኣን ኣለዉ፤ ንግብሪ ሓጥኣን ዝግባእ ድማ ዝበፅሖም ፃድቃን ኣለዉ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ በልኩ።
15ንሰብስ ካብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ዝበልፅ የብሉን እዩ እሞ፥ ኣነ ንታሕጓስ ኣመስገንኩ። ስለዙይ በተን እግዚኣብሄር ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃቦ መዓልቲታት ህይወቱ እናፀዓረ ኽሕጐስ ይግብኦ።
16ንጥበብ ክፈልጣ፥ ኣብ ምድሪ ዝግበር ፃዕሪውን ክርኢ ንልበይ ምስ ኣቕናዕኹ፥ ለይትን መዓልትን ነዒንቶም ሰለምታ ዘይረኽቡ ሰባት ከም ዘለዉ ኣስተብሃልኩ።
17ሰብ ክምርምሮ ኢሉ እንተ ፀዓረ፥ ኣይረኽቦን እዩ እሞ፥ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግብሪ ክፈልጦ ኸም ዘይኽእል፥ ነዝ ግብሪ እግዚኣብሄር እዙይ ረአኹ። ጥበበኛውን ዝፈልጦ እንተ መሰሎ፥ ክረኽቦ ኣይኽእልን እዩ።