1ንዅሉ ጊዜ ኣለዎ፤ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ኸዓ ጊዜ ኣለዎ።
2ንምውላድ ጊዜ ኣለዎ፤ ንሙማትውን ጊዜ ኣለዎ፤ ንምትካል ጊዜ ኣለዎ፤ ንዝተተኽለ ንምንቃልውን ጊዜ ኣለዎ።
3ንምቕታል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድሓን ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፍራስ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስራሕውን ጊዜ ኣለዎ።
4ንብኽያት ጊዜ ኣለዎ፤ ንሰሓቕውን ጊዜ ኣለዎ፤ ንሓዘን ጊዜ ኣለዎ፤ ንጐይላውን ጊዜ ኣለዎ።
5እምኒ ንምድርባይ ጊዜ ኣለዎ፤ እምኒ ንምእካብውን ጊዜ ኣለዎ። ንምትሕቝቛፍ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፍልላይውን ጊዜ ኣለዎ።
6ንምድላይ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምጥፋእውን ጊዜ ኣለዎ። ንምእካብ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድርባይውን ጊዜ ኣለዎ።
7ንምቕዳድ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስፋይ ጊዜ ኣለዎ። ስቕ ንምባል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምዝራብ ጊዜ ኣለዎ።
8ንምፍታው ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፅላእ ጊዜ ኣለዎ። ንውግእ ጊዜ ኣለዎ፤ ንሰላምውን ጊዜ ኣለዎ።
9ንዝሰርሕ ሰብ ዓስቢ ድኻሙ እንታይ እዩ?
10እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኽፅዕሩ ዝሃቦም ስራሕ ረአኹ።
11ንዅሉ ብእዋኑ ፅቡቕ ገይሩ ሰርሖ። እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ፥ ሰብ መርሚሩ ኸይረኽቦ ዘለኣለማዊነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣሕደረ።
12ስለዙይ፥ ሰብ ብህይወት እንተሎ፥ ካብ ምሕጓስን ሰናይ ካብ ምግባርን ዝሐይሽ ሰናይ ነገር ከም ዘየለ ፈለጥኩ።
13እምበኣር ኵሉ ሰብ ኽበልዕን ክሰትን፥ ብዅሉ ፍረ ፃዕሩ ኽሕጐስን እዙይውን ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ።
14ኵሉ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ንዘለኣለም ከም ዝነብር እፈልጥ እየ፤ ክውሰኾ ኾነ ኽንከዮ ኣይከኣልን እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኽፈርሑ ኸምዙይ ገበሮ።
15እቲ ሕዚ ዘሎ ቕድም ዝነበረ እዩ፤ እቲ ዝኸውን ዘሎውን ቀደም ዝኾነ እዩ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓለፈ መመሊሱ ክኸውን ይደልዮ።
16ኣነውን ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክንዲ ፍትሒ ኽፍኣት፥ ክንዲ ፅድቅውን ክፍኣት ከም ዘሎ ረአኹ።
17ኣነ ብልበይ “ኵሉ ነገርን ኵሉ ተግባርን ገጊዜኡ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ፃድቕን ነቲ ኽፉእን ክፈርዶም እዩ” በልኩ።
18ኣነውን ብልበይ “ደቂ ሰባት ከም እንስሳ ምዃኖም ምእንቲ ኽሪኡ እግዚኣብሄር ይፍትኖም እዩ” በልኩ።
19ዕድል ደቂ ሰብን እንስሳን ሓደ እዩ፤ ብፅሒቶምውን ማዕረ እዩ፤ እቲ ሓደ ኸም ዝመውት እቲ ኻሊእውን ይመውት፤ ናይ ኵሎም እስትንፋስ ሓደ እዩ። ኵሉ ኸንቱ እዩሞ፥ ሰብ ካብ እንስሳ ኣይበልፅን።
20ኵሉ ናብ ሓደ ስፍራ ይኸይድ፤ ኵሎም ካብ መሬት እዮም ተፈጢሮም፤ ናብ መሬት ከዓ ይምለሱ።
21ነፍሲ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ፥ ነፍሲ እንስሳ ኸዓ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ ዝፈልጥ መን እዩ?
22ዕድሉ እዙይ እዩ እሞ፥ ሰብ ብፍረ ፃዕሩ እንትርፊ ምሕጓስ ካልእ ዝሐሸ ኸም ዘየለ ኣስተውዓልኩ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኸውን ተመሊሱ ምእንቲ ኽርኢ ኸምፅኦ ዝኽእል መን ኣሎ?