መጽሓፍ መክብብ 10

BCVትግርኛ20 ፍቕድታት2:54 ስማዕ
ስማዕ 2:54 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ዝሞቱ ፅንፅያታት ነቲ ብጥዑም ጨና ተቐሚሙ ዝተሰርሐ ሽቱ ኸም ዘጭንውዎ፥ ንእሽተይ ዕሽነትውን ንጥበብን ክብርን ተበላሽዎ።

2ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፥ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ፀጋሙ እዩ።

3ዓሻ ብመንገዲ ኽመላለስ እንተሎ ምስትውዓል ይጐድሎ፤ ኩሉ ዝሓስቦውን ዕሽነት እዩ።

4ትዕግስቲ ንዓብዪ በደል ተህድእ እያ እሞ፥ ገዛኢ እንተ ተቘጥዐካ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።

5ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፍኣት ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ብገዛእቲ ዝፍፀም ጌጋ እዩ።

6ዓያሹ መዓርግ ኣብ ዘለዎ ስፍራ ተቐሚጦም፤ ሃብታማት ግና ኣብ ትሑት ቦታ ተቐመጡ።

7ባሮት በፍራስ፥ መሳፍንቲ ኸዓ ኸም ባሮት ብእግሪ ክኸዱ እንተለዉ ረአኹ።

8ጕድጓድ ዝዅዕት ናብኣ ይወድቕ፤ መካበቢያ ዘፍርስ ድማ ተመን ይነድፎ።

9ኣእማን ዝፈናቕል ብእኡ ይሓምም፤ ዕንፀይቲ ዝፍልፅውን ብእኡ ይጕዳእ።

10ሓፂን እንተ ጐተመ እሞ ንብልሑ ኸዓ እንተ ዘይስሒልካዮ፥ ብዙሕ ሓይሊ የድሊ፤ ጥበብ ግና ስራሕኻ የስልጠልካ።

11ተመን እንተይተዓዘመ እንተሎ እንተ ነደፈ፥ ዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን።

12ጥበበኛ ሰብ ዝዛረቦ ሞገስ የውህቦ፤ ንዓሻ ግና ኸንፈሩ ይውሕጦ።

13መጀመርያ ነገሩ ዕሽነት እዩ፤ መወዳእታ ዘረብኡ ኸዓ ሕሱም ዕብደት እዩ።

14ዓሻ ዘረባ የብዝሕ፤ ሰብ ከዓ ነቲ ዝኸውን ኣይፈልጦን፤ ነቲ ብድሕሪኡ ዝኸውን ድማ መን ይነግሮ?

15ንሰነፍ ስራሑ የድክሞ፤ ናብ ከተማ ምውፃእ ኣይፈልጥን እዩሞ።

16ንጉስኪ ቘልዓ ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዝበልዑ ሃገር፥ ወይለኺ!

17ንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኮነስ፥ ሓይሊ ኽረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዝበልዑ ሃገር ብርኽቲ ኢኺ።

18ብሰንኪ ትህኺት፥ ናሕሲ ይንህል፤ ብሰንኪ ህኩያት ኣእዳው ከዓ ቤት የንጥብ።

19ድግስ ንሰሓቕ፥ ወይኒ ኸዓ ንህይወት ደስ የብል፤ ግና ዅሉ ብገንዘብ እዩ ዝዕደግ።

20ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትሕመዮ፤ ንሃብታምውን ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ ኣይትፅረፎ። ዒፍ ሰማይ ነቲ ቓልካ ኽተብፅሖ እያ፤ በራሪ ዒፍውን ነገርካ ኽተውርየልካ እያ።

ትርጓሜ

10:1-3 እቶም ብፍላይ እምነት ዝምስክሩ ካብ ኵሉ መልክዕ እኩይ ክርሕቁ ይግባእ። ጥበበኛ ሰብ ንዓሻ ዓብዪ ብልጫ ኣለዎ፣ ንሱ ኸኣ ገለ ክገብር ከሎ ኵሉ ግዜ ይስገር። ሓጢኣት ንሓጥኣን ናበይ እኳ እንተኸዱ ውርደት እዩ፣ ንዕሽነቶም ድማ የርኢ።

10:4-10 ሰሎሞን ንሰብ ብቕልጡፍ መገዲ ፍትሒ ከይደልዩ፡ ከምኡውን ንትዕቢትን ንበቐልን ከየቕንዑ ከጠንቅቖም ዝቐርብ ይመስል። ብቊጥዓ ኢልካ ካብ ግቡእካን ሓላፍነትካን ኣይትልቀቕ። ንእሽቶ ግዜ ጽናሕ እሞ፡ ምቕናዕ ንዓበይቲ ኣበሳታት ከም ዜህድእ ክትረክብ ኢኻ። ሰባት ከም ብቕዓቶም ኣይዝምረጹን። ብዙሕ ግዜ እቶም ንሓገዝ ዝቐርቡ፡ እቶም ብዛዕባ እቲ ዕንቅፋታት ወይ ሳዕቤናት ድሩት ፍልጠት ዘለዎም እዮም። እዚ ተመሳሳሊ ርእይቶ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ወይ ንስጋ ክርስቶስ ይውዕል፡ ብኡኡ ኸኣ ኩሎም ኣባላት ሓድሕዶም ሓደ ዓይነት ሓልዮት ክህልዎም።

10:11-15 ኣብ ምብራቕ፣ ብሙዚቃ ኣስሓማት ምፍታሕ ወይ ምምስጣር ልሙድ ልምዲ ኣሎ። ልሳን እቲ ዘይጭሩ ሰብ ዘይተገዝአ ክፉእ እዩ፣ ብመዓት መርዚ ዝመልአ እዩ። ምምስራሕ ድማ ብዝበለጸ ጥራይ የኸፍኦ። ገርሂ ኮይኑ ንኽቕጽል መገዲ ክንረክብ ኣለና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6