ትንቢት ኣሞጽ 6

BCV aksumትግርኛ14 ፍቕድታት2:30 ስማዕ
ስማዕ 2:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቶም ኣብ ፅዮን ሃዲኦም ዝቕመጡ፥ ኣብ እምባ ሰማርያ ድማ ተኣማሚኖም ዝነብሩ ቤት እስራኤል፥ ናብኣቶም ዝመፁዎም፥ መራሕቲ ኣህዛብ ወይለኦም!

2ናብ ካልኔ ሕለፉን ጠምቱን፤ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ከተማ ሃማት ኪዱ፤ ቀፂልኩም ከዓ ናብ ጌት ከተማ ፍልስጥኤማውያን ውረዱ። ንሳተን ካብዘን መንግስታት እዚኣተን ይሐሻ ዲየን? ወይ ወሰናተን ካብ ወሰናታትኩምዶ ይሰፍሕ እዩ?

3ንኽፍእቲ መዓልቲ ኻባኻትኩም ንእተርሕቑ፥ ወንበር ዓመፅ ንተቕርቡ፥

4ኣቱም ብስኒ ሓርማዝ ኣብ ዝተሰርሐ ዓራት እትድቅሱ፥ ኣብ ልዕሊ መንፀፍኩም ድማ ተደላዲልኩም ንእትቕመጡ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታት፥ ካብ ደምበ ኸፍቲ ምራኹት እትበልዑ፥

5ብበገና እትደርፉ ኸም ዳዊት መሳርሒ ሙዚቃ እተዳልዉ፥

6ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ እትሰትዩ፥ ዝተመረፀ ሽቱ ኸዓ እትቕብኡ፥ ብመከራ ዮሴፍ ግና ዘይትሓዝኑ ወይለኹም!

7“ስለዙይ ሕዚ ምስቶም ኣቐዲሞም ዝማረኹ ኽትማረኹ ኢኹም። እቲ ኣብ ማእዲ እተውክዕዎ ዝነበርኩም ድማ ኽውዳእ እዩ።”

8ኣምላኽ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር “ንትዕቢት ያእቆብ እፅየፎ እየ፤ ኣደራሻቱ ኸዓ ፀላእኹ። ነታ ኸተማውን ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ፥ ኵሉ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።

9ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፦ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰባት እኳ እንተ ተረፉ ኽሞቱ እዮም።

10ዘመድ እቲ መዋቲ ምስ እቲ ዘቃፅሎ ሰብ፥ ነቲ ሬሳ ኻብ ገዛ ኸውፅኦ ምሰልዓሎ፥ ነቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘሎ ኸዓ “ገናዶ ዝኾነ ሰብ ምሳኻ ኣሎ” ኢሉ ኽጥይቖ እዩ። ንሱ ድማ ሽዑ “ሓደ እኳ የለን” ኢሉ ኽምልሰሉ እዩ። እቱይ ድማ “ስም እግዚኣብሄር ክንሰሚ ኣይግብአናን እዩ እሞ፥ ስቕ በል” ክብሎ እዩ።

11እንሆ፥ እግዚኣብሄር ክእዝዝ እዩ እሞ፥ እታ ዓባይ ቤት ክትፈርስ፥ እታ ንእሽተይ ቤት ከዓ ምእንቲ ኽትደቅቕ ክውቅዓ እየ።

12ኣፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ይጋልቡ እዮም? ኣብዑርከ ኣብ ልዕሊኡዶ ይሓርሱ እዮም? ንስኻትኩም ግና ንፍርዲ ናብ መርዚ፥ ንፍረ ፅድቂ ናብ ዕረ ለወጥኩምዎ።

13ንስኻትኩም “ብኸንቱ ነገር እትሕጐሱ፥ ብሓይልናዶ ኣይኮናን ኣቕርንቲ ዝወሰድና እትብሉ ዘለኹም።

14“ስለዙይ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ እንሆ ህዝቢ ኸተስአልኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኻብቲ መእተዊ ሃማት ጀሚሮም፥ ክሳዕ ሩባ ዓረባ ከጨንቑኹም እዮም” ይብል ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

6:1-7 እቶም ንስጋኦም ጽቡቕ ዝገብሩ: ንርእሶም ጽቡቕ ዝገብሩ ኮይኖም ይርኣዩ፤ ግናኸ ኣብዚ ምቾቶም እንታይ ምዃኑን መከራኦም ድማ እንታይ ምዃኑን ተነጊርና ኣሎና። ኣብዚ ንትዕቢት: ንዘይግቡእ ምትእምማን: ከምኡውን ንስጋዊ ስምዒት: ኣምላኽ ዝሕሰበሎም መግለጺ ኣሎ። ዘየገድሱ ሓጥኣን ኣብ ኩሉ ቦታ ኣብ ሓደጋ እዮም፤ ግናኸ እቶም ኣብ ጽዮን ምቾት ዝረኸቡ: ዕሽሽ ዝበሉ: ብኸንቱ ዝተኣማመኑ: ከምኡውን ንዝወሃቦም ክብሪ ዝበድሉ: ኣብ ዝኸበደ ሓደጋ እዮም ዘለዉ። ብዙሓት ግና ንርእሶም ህዝቢ ኣምላኽ ኢና ኢሎም ይሓስቡ: ሓጢኣት ዝገብሩን ምስ ዓለም ዝመሳሰሉን ክነሶም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በጽዮን ላሉ ዓለመኞች፥ በሰማርያም ተራራ ላይ ተዘልለው ለተቀመጡ፥ የእስራኤልም ቤት ወደ እነርሱ ለመጡባቸው ለአሕዛብ አለቆች ወዮላቸው! አማርኛ ENGNIV Woe to you who are complacent in Zion, and to you who feel secure on Mount Samaria, you notable men of the foremost nat… English BCV እቶም ኣብ ፅዮን ሃዲኦም ዝቕመጡ፥ ኣብ እምባ ሰማርያ ድማ ተኣማሚኖም ዝነብሩ ቤት እስራኤል፥ ናብኣቶም ዝመፁዎም፥ መራሕቲ ኣህዛብ ወይለኦም! ትግርኛ GAZBIB Isin gurguddoonni saba isa saba warra kaan irra caalu, warri namoonni Israa'el gorsaaf gara keessan dhufanii, isin Xiyo… Afaan Oromoo BCV GIZ አሌ ሎሙ ለእለ ይሜንንዋ ለጽዮን ወለእለ ይትአመኑ በደብረ ሰማርያ ይቅስምዎሙ መላእክተ አሕዛብ። giz GAZGAZ Isin gurguddoonni saba isa saba warra kaan irra caalu, warri namoonni Israa'el gorsaaf gara keessan dhufanii, isin Xiyo… Afaan Oromoo AMHNIV በጽዮን ተዘልላችሁ የምትቀመጡ፣ በሰማርያ ተራራ ያለ ሥጋት የምትኖሩ፣ የእስራኤልም ሕዝብ ለርዳታ ወደ እናንተ የሚመጡባችሁ፣ እናንት የአሕዛብ አለቆች ሆይ፤ ወዮላችሁ! አማርኛ SWAHSUV Ole wao wanaostarehe katika Sayuni, na hao wanaokaa salama katika mlima wa Samaria, watu mashuhuri wa taifa lililo la k… Kiswahili