ትንቢት ኣሞጽ 4

BCV aksumትግርኛ13 ፍቕድታት2:45 ስማዕ
ስማዕ 2:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ።

2ጐይታ እግዚኣብሄር ንኣኻትክን ብመሳርሒ ውግእ፥ ተረፋትክንውን ብመቝለብ እትሰሓባለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ኢሉ፥ ብቕድስናኡ መሓለ።

3ንስኻትክን ነፍሲ ወከፍክን በቲ ኣብ ቅድመኽን ዝተነፀለ መንደቕ ክትወፃ ኢኽን፤ ናብ ሬማንውን ክትድርበያ ኢኽን፤ ይብል እግዚኣብሄር።

4ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ነዙይ ፈቲኹም ኢኹምሞ፥ ናብ ቤቴል ንዑ እሞ ሓጢኣት ግበሩ፤ ናብ ጌልጌላውን ኪዱሞ ሓጢኣት ኣብዝሑ። ንግሆ ንግሆ መስዋእትኹም፥ ኣብ ሰሳልስቲ መዓልቲ ኸዓ ኣስራትኩም ኣቕርቡ።

5መባኵዕቲ ዘለዎ መስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኣቕርቡ። ብፍቓድኩም ንተቕርብዎ ውህብቶ ኣውጁን ኣውርዩን፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።

6“ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ስኒ ምፅራይ፥ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩምውን እንጀራ ምስኣን ሃብኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።

7“ቀውዒ እንተይበፅሐ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፤ ኣብታ ኻልእ ከተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓደ ወገን ዘነመ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን ግና ኣይዘነመን፤ ስለዙይውን ሃጐጐ።

8ናይ ክልተ ወይ ናይ ሰለስተ ኸተማታት ሰባት ናብ ሓንቲ ኸተማ ማይ ክሰትዩ ኸዱ፥ ግና ኣይረወዩን፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።

9“ብሃጕን ብሕሞድያን ወቓዕኩኹም፤ ንብዝሒ ኣትኽልትኻትኩምን ወይንኻትኩምን ኣዋልዕኹምን ኣንበጣ በልዖ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።

10“ከምቲ ኣብ ግብፂ ዝገበርክዎ፥ መቕሰፍቲ ለኣኽኩልኩም፤ ኣጓብዝኩም ኣብ ኲናት ከም ዝቕተሉ፥ ኣፍራስኩም ከም ዝማረኹ ገበርክዎም። ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣውፃእኹ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።

11እግዚኣብሄር “ከምቲ ንሰዶምን ንገሞራን ኣቐዲመ ዝገልበጥኩወን፥ ገልበጥኩኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኻብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግ ኮንኩም፤ ግና ንስኻትኩም ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።

12“ስለዙይ ኣታ እስራኤል፥ ኣነ ኸምዙይ ክገብረካ እየ፤ ከምዙይ ስለዝገብረካውን ኣታ እስራኤል፥ ኣምላኽካ ንኽትራኸብ ተዳሎ።”

13ንእምባታት ዝሰርሐ፥ ንንፋሳት ከዓ ዝፈጠረ፥ ሓሳቡውን ንሰብ ዝነግር፥ ንወጋሕታ ፀልማት ዝገብር፥ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪ እውን ዝረግፅ፥ ስሙ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።

ትርጓሜ

4:1-5 ብብዝበዛ ዝርከብ ንብረት ብሓፈሻ ንስጋ ንምምጋብን ንትምኒታቱ ንምፍጻምን ይውዕል። ብግፍዒ ዝርከብ ብዕግበት ኣይጥቀመሉን። ወዮኦም እቶም እምነቶም ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዘቕመጡ፣ ሓሶት ከም ዝኣምኑ ጥራይ ዘመልክት! እምነትና፡ ተስፋናን ኣምልኾናን ብመለኮታዊ ቃል ዝተሰነደ ምዃኑ ነረጋግጽ።

4:6-13 ናይ ስጋዊ ልብታት ዕሽነት ተመልከቱ፤ ካብ ሓንቲ ፍጥረት ናብ ካልእ ይባኽኑ፣ ዘዕግብ ነገር እናደለዩ፣ ከምኡውን ዘየዕግብ ነገር ይሰርሑ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በሰማርያ ተራራ የምትኖሩ፥ ድሆችንም የምትበድሉ፥ ችጋረኞችንም የምታሰጨንቁ፥ ጌቶቻቸውንም፦ “አምጡ እንጠጣ፡” የምትሉ እናንተ የባሳን ላሞች ሆይ፥ ይህን ቃል ስሙ። አማርኛ ENGNIV Hear this word, you cows of Bashan on Mount Samaria, you women who oppress the poor and crush the needy and say to your… English BCV ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ። ትግርኛ GAZBIB Isin yaa giiftolii, warra akka saawwan biyya Baashaan tulluu Samaariyaa irratti gabbattanii, warra dadhaboo immoo cunqu… Afaan Oromoo BCV GIZ ስምዑ ዘንተ ነገረ እጐልተ ባሳን እለ ውስተ አድባረ ሰማርያ እለ ይትኤገላ ነዳየ ወየሀይዳ ምስኪናነ እለ ይብላሆሙ ለአጋእስቲሆሙ ሀቡነ ንስተይ። giz GAZGAZ Isin yaa giiftolii, warra akka saawwan biyya Baashaan tulluu Samaariyaa irratti gabbattanii, warra dadhaboo immoo cunqu… Afaan Oromoo AMHNIV እናንተ በሰማርያ ተራራ የምትኖሩ የባሳን ላሞች፣ ድኾችን የምትጨቁኑና ችግረኞችን የምታስጨንቁ፣ ባሎቻችሁንም፣ “መጠጥ አቅርቡልን” የምትሉ ሴቶች ይህን ቃል ስሙ፣ አማርኛ SWAHSUV Lisikieni neno hili, enyi ng'ombe wa Bashani, mnaokaa juu ya mlima wa Samaria, mnaowaonea maskini, na kuwaponda wahitaj… Kiswahili