ግብሪ ሃዋርያት 8

BCVትግርኛ40 ፍቕድታት5:34 ስማዕ
ስማዕ 5:34 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሳውል ድማ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ተሓባቢሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ስደት ኮነ። እንትርፊ ሃዋርያት፥ ኵሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ።

2ንእስጢፋኖስ፥ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሰባት ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ መሪር ብኽያትውን በኸዩሉ።

3ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ፥ ገዛ ገዛ እናኸደ፥ ሰብኡትን ኣንስትን እናጐተተ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።

4እቶም ዝተበተኑ ሰባት ግና፥ ኣብ ኵሉ ዝኸድዎ፥ ቃል ወንጌል ሰበኹ።

5ፊልጶስ ከዓ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ፥ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም።

6እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ፊልጶስ ዝነገሮም ሰምዕዎ፤ እቲ ዝገበሮ ተኣምራት፥ ምስ ሰምዑን ምስ ረአዩን ድማ፥ ብሓደ ልቢ ነቲ ዝናገሮ ኣቕለቡ።

7ካብ ብዙሓት ሰባት፥ ርኹሳት መናፍስቲ ብዓብዪ ድምፂ እናእወዩ ይወፁ ነበሩ፤ ብዙሓት መፃጕዓትን ሓንካሳትንውን ይሓውዩ ነበሩ።

8ካብዙይ ዝተልዓለ፥ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።

9ኣብታ ኸተማ፥ ሓደ ሲሞን ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ፤ ብጥንቍልናኡን ብዘረባኡን፥ ንባዕሉ ኸም ዓብዪ ሰብ እናቕረበ ንሰብ ሰማርያ የገርሞም ነበረ።

10ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም “ዓብዪ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ እዙይ እዩ” እናበሉ የዳምፅዎ ነበሩ።

11ዘዳምፅዎ ዝነበሩ ኸዓ፥ ንብዙሕ እዋን ብጥንቍልናኡ የገርሞም ስለ ዝነበረ እዩ።

12ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ ስም ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፊልጶስ ሰቢኹሎም ምስ ኣመኑ ግና፥ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠመቑ።

13ሲሞን ባዕሉውን ኣሚኑ ተጠመቐ፤ ንፊልጶስውን ሰዓቦ፤ ምልክትን ዓበይቲ ተኣምራትን እንትፍፀም ምስ ረአየውን ተገረመ።

14እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት ከዓ፥ ሰብ ሰማርያ ቃል እግዚኣብሄር ከም ዝተቐበሉ ምስ ሰምዑ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ናብኣቶም ለኣኹሎም።

15ንሳቶም ድማ ወሪዶም፥ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበሉ ፀለዩሎም።

16ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራሕ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፥ መንፈስ ቅዱስ ገና ኻብኣቶም፥ ኣብ ሓደኳ ኣይወረደን ነበረሞ።

17ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ፥ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።

18ሲሞን ከዓ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት፥ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተውሃበ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ እናበለ ገንዘብ ኣምፅአሎም፦

19“እቲ ኣነ ኢደይ ዘንብረሉ፥ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበልስ፥ ንኣይውን እዝ ስልጣን እዙይ ሃቡኒ” በሎም።

20ጴጥሮስ ግና “ነቲ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ብገንዘብ ክትዕድጎ ስለ ዝሓሰብካ፥ ገንዘብካ ምሳኻ ይጥፋእ፤

21ልብኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ፥ ኣብዝ ነገር እዙይ ክፍሊ ወይ ዕድል የብልካን።

22እምበኣር ካብዝ ኽፍኣትካ ተነሳህ፤ ምናልባሽ ክፍኣት ልብኻ እንተ ሓደገልካ ንእግዚኣብሄር ለምን።

23ኣብ መሪር ሕንዚ ቕንእን፥ ኣብ ማእሰርቲ ሓጢኣትን ከም ዘለኻ እሪአካ ኣለኹሞ” በሎ።

24ሲሞን ድማ “ካብዝ ዝበልኩምዎ ነገራት ሓደኳ ኸይበፅሐንስ፥ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ” በሎም።

25እንሆ ኸዓ ንሳቶም ምስ መስከሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምስ መሃሩን፥ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ፥ ወንጌል እናሰበኹ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።

26መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፥ “ተስእ እሞ በታ ኻብ ኢየሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ ምድረ በዳ መንገዲ፥ ናብ ደቡብ(ሀ) ኣቢልካ ኺድ” በሎ።

27ተሲኡ ኸዓ ኸደ፤ እንሆ ድማ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ፥ ንህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ምሉእ ስልጣን ዝነበሮ፥ ክሰግድ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ነበረ።

28ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ኽምለስ እንተሎ ኸዓ፥ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ።

29መንፈስ ቅዱስ ከዓ ንፊልጶስ “ነዝ ሰረገላ እዙይ ኣርክቦ እሞ ምስኡ ኺድ” በሎ።

30ፊልጶስ ከዓ ጐይዩ ኣርከቦ፤ ትንቢት ኢሳይያስ ከንብብ ምስ ሰምዖ ኸዓ፥ “ነዝ እተንብቦ ዘለኻስ፥ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ?” ኢሉ ጠየቖ።

31ንሱ ድማ “ዝምህረኒ(ለ) ዘይብለይ፥ ከመይ ገይረ ኸስተውዕሎ” በሎ፤ ንፊልጶስ ከዓ ደዪቡ ምስኡ ኽቕመጥ ለመኖ።

32እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ፅሑፍ ከዓ፦ “ከም በጊዕ፥ ናብ ማሕረዲ ተዀብኰበ፤(ሐ) ከምቲ ኣብ ቕድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ ከዓ፥ ኣፉ ኣይከፈተን፤

33ኣብ ጊዜ ውርደቱ፥ ፍትሒ ሰኣነ፤ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ስለ ዝተወሰደት፥ ብዛዕባ ትውልዱ መን ክነግር ይኽእል?” ዝብል ነበረ።

34እቲ ስሉብ ከዓ፥ መሊሱ(መ) ንፊልጶስ “እቲ ነቢይ ብዛዕባ መን እዩ እዙይ ዝብል ዘሎ? ብዛዕባ ርእሱ ድዩ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እዩ? በይዛኻ ንገረኒ” በሎ።

35ፊልጶስ ከዓ ኣፉ ኸፊቱ፥ ካብዝ መፅሓፍ እዙይ ጀሚሩ ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስራት ሰበኸሉ።

36ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ በፅሑ፤ ሽዑ እቲ ስሉብ “እንሆ ኣብዙይ ማይ ኣሎ፤ ከይጥመቕ ዝኽልክለኒ እንታይ ኣሎ?”(ሠ) በሎ።

37ፊልጶስ ከዓ “ብምሉእ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፥ ክትጥመቕ ትኽእል ኢኻ” በሎ። ንሱ ድማ “ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ እኣምን እየ” ኢሉ መለሰሉ።

38ነቲ ሰረገላ ደው ከብልዎ ኸዓ ኣዘዘ፤ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኦም፥ ናብቲ ማይ ወረዱ፤ ኣጥመቖውን።

39ካብቲ ማይ ምስ ወፁ ኸዓ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ ወሰዶ፤ ብድሕሪኡ እቲ ስሉብ መሊሱ ኣይረኣዮን፤ እናተሓጐሰውን መንገዱ ቐፀለ።

40ፊልጶስ ድማ ኣብ ሃገር ኣዛጦን ተረኽበ፤ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንእግረ መንገዱ ኣብ ኵለን ከተማታት እናተዘዋወረ፥ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።

ትርጓሜ

8:1-4 ስደት ካብ ዕዮና ከባርረና እኳ እንተ ዘይብሉ፣ ግናኸ ንኻልእ ቦታ ከስርሓና ይኽእል እዩ። እቲ ዝተረጋገጸ ምእመን ናብ ዝኾነ ቦታ ይባረር እምበር፣ ንፍልጠት ወንጌል ይጸውር፣ ኣብ ኩሉ ቦታ ድማ ክቡርነት ክርስቶስ የፍልጥ። ንሰናይ ምግባር ዝተራእየ ንጹህ ትምኒት ንልቢ እንተ ደሪኽዎ፣ ሓደ ሰብ ካብ ኩሉ ዕድላት ኣገልግሎት ከም ዝተኸልከለ ክግበር ዘይክኣል ክኸውን እዩ።

8:5-13 ወንጌል ክሳብ ዝዓትር፡ ኣጋንንቲ ይስጎጉ፡ ብፍላይ ከኣ ርኹሳት መናፍስቲ። ኩሉ ናብ ምኞት ስጋ ዘዘንበለን ንነፍሲ ዚዋግእንኸ ኸምኡ እዩ። እዞም ኣብዚ እተጠቕሱ ሕማማት፡ ብተፈጥሮኣዊ ኣገባብ ኪፍወሱ እቲ ዝኸበደ እዮም፡ ንሕማም ሓጢኣት እቲ ዝገሃደ መግለጺ እዮም። ትዕቢት፡ ምጥርማሕ ስልጣንን ናይ ክብሪ ምሃፍን፡ ወትሩ ንዓለምን ንቤተ ክርስትያንን ብሓደ ብዙሕ ጉድኣት ኣስዒቦም እዮም። እቶም ህዝቢ ብዛዕባ ስምኦን፡ "እዚ ሰብኣይ እዚ እቲ ዓብዪ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ" በሉ። እሞ እቶም ዘይፈልጡን ዘይሓስቡን ሰባት ብኸመይ ከም ዚጋገዩ ርአ። ግናኸ፡ እቲ ብእኡ ገይሮም ናብ ክርስቶስ፡ ንሱ ርእሱ ሓቂ ዝኾነ፡ እተምጽኡሉ ሓይሊ መለኮታዊ ጸጋ ክንደይ ሓያል እዩ! እቶም ህዝቢ ንቓል ፊልጶስ ትኩረት ምሃቦም ጥራይ ዘይኮነ፡ የግዳስ፡ እቲ ዝተነግረ ናይ ኣምላኽ እምበር ናይ ሰባት ከም ዘይኮነ ብምሉእ ተኣሚኖም፡ ብእኡ ኸኣ ንርእሶም ክምርሑ ሃቡ። እኳ ደኣ እቶም ሕሱማት ሰባትን ልቦም ንስስዔ ዝስዕብ ዘሎን፡ ከምቲ ህዝቡ ዚመጽኡ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመጹን ንግዜኡ ድማ ምስኦም ክጸንሑን ይኽእሉ። ብዙሓት ንመርኣያ መለኮታዊ ሓቅታት ይግረሙ እዮም፡ ግናኸ ሓይሎም ተመክሮ ዘይብሎም። እቲ እተሰበኸ ወንጌል፡ ኣብታ ውሽጣዊ ቅድስና ዘይፈጠራ ነፍሲ፡ ተራ ግብሪ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቶም ብወንጌል ንእምን ዚብሉ ኩሎም ምድሓናዊ ለውጢ ኣይገበሩን።

8:14-25 መንፈስ ቅዱስ ብፍሉይ ሓይሊ ብምውራዱ ኣብ መዓልቲ ጰንጠቆስጤ ከም ዝወረደ፣ ኣብቶም ሓደስቲ ዝተለወጡ ሰባት ሓደ እኳ ገና ኣይወረደን ነበረ። ነዞም ንመንፈሳዊ ደሓንነቶም እንደንግዕሎም ዘበሉ ኹሎም፣ መንፈስ ቅዱስ ጸጋታት ምሕዳስ ክህቦም ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኸለና፣ ካብዚ ኣብነት እዚ ምብርትዖ ንረክብ፤ ከመይሲ እዚ ንኹሉ በረኸት ዝሓቘፈ እዩ። ብምድራብ ኣእዳው ዝኾነ ሰብ ንመንፈስ ቅዱስ ክህብ ኣይክእልን እዩ፤ ግናኸ ነቶም እንጽልየሎም ሰባት ክንምህር ዝበለጸ ጻዕርና ክንገብር ይግብኣና። ስምኦን መገስ ክብሪ ሃዋርያ ክረክብ ትምኒት ዝነበሮ እዩ ነይሩ፣ ግናኸ መንፈስን ባህርይን ክርስትያን ምውሓስ ብፍጹም ኣይገደሶን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ሳውልም በእርሱ መገደል ተስማምቶ ነበር። በዚያን ቀንም በኢየሩሳሌም ባለች ቤተ ክርስቲያን ላይ ታላቅ ስደት ሆነ፤ ሁሉም ከሐዋርያትም በቀር ወደ ይሁዳና ወደ ሰማርያ አገሮች ተበተኑ። አማርኛ ENGNIV And Saul was there, giving approval to his death. On that day a great persecution broke out against the church at Jerus… English GAZBIB Saa'ol ajjeefamuu Isxifaanositti walii galee ture. Kana irratti immoo guyyuma sana waldaa amantoota Yerusaalem keessa j… Afaan Oromoo BCV GIZ ወሳውልኒ ኮነ ኅቡረ ውስተ ቀቲለ ዚኣሁ። ወውእተ አሚረ ኮነ ዐቢይ ምንዳቤ ወሁከት በቤተ ክርስቲያን ዘኢየሩሳሌም፣ ወተዘርዉ ኵሎሙ ውስተ ኵሉ በሐውርተ ይሁዳ፡ ወሰማርያ፡ ወገሊላ፣ ዘእንበለ … giz GAZGAZ Saa'ol ajjeefamuu Isxifaanositti walii galee ture. Kana irratti immoo guyyuma sana waldaa amantoota Yerusaalem keessa j… Afaan Oromoo BCV aksum ሳውል ድማ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ተሓባቢሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ስደት ኮነ። እንትርፊ ሃዋርያት፥ ኵሎም ናብ ሃ… ትግርኛ AMHNIV ሳውልም በእስጢፋኖስ መገደል ተስማምቶ ነበር። በዚያ ቀን በኢየሩሳሌም በነበረችው ቤተ ክርስቲያን ላይ ታላቅ ስደት ተነሣ፤ ከሐዋርያትም በስተቀር አማኞች በሙሉ በይሁዳና በሰማርያ አውራጃዎች … አማርኛ SWAHSUV Siku ile kukatukia adha kuu ya kanisa lililokuwa katika Yerusalemu; wote wakatawanyika katika nchi ya Uyahudi na Samari… Kiswahili