ግብሪ ሃዋርያት 6

BCV aksumትግርኛ15 ፍቕድታት2:42 ስማዕ
ስማዕ 2:42 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በቲ እዋን እቱይ፥ ደቀ መዛሙርት ብቝፅሪ እናበዝሑ ምስ ከዱ፥ እቶም ካብ ግሪክ ዝመፁ ኣይሁድ፥ እተን ናታቶም መበለታት፥ ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ ዝተብሃላ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ይሁዳ ዕብራውያን ኣጕረምረሙ።

2ሽዑ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣኪቦም፥ “ንሕና ማእዲ ኽንሰርዕ ክንብል፥ ቃል እግዚኣብሄር ምስባኽ ክንሓድግ ኣይግብአናን እዩ።

3ስለዙይ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዝ ጉዳይ እዙይ ክንሸሞም፥ ካባኻትኩም ብፅቡቕ ዝተመስከረሎም፥ መንፈስ ቕዱስን ጥበብን ዝመልኦም፥ ሸውዓተ ሰባት ሕረዩ፤

4ንሕና ግና ኣብ ፀሎትን፥ ኣብ ምምሃር ቃሉን፥ ክንተግህ ኢና” በልዎም።

5እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣሐጐሰ፤ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብ እስጢፋኖስን፥ ንፊልጶስን፥ ንጵሮኮሮንን፥ ንኒቃሮናን፥ ንጢሞናን፥ ንጰርሜናን፥ ነቲ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተወ ኒቆላዎስ በዓል ኣንፆኪያን ድማ ሓረዩ።

6ነዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ኣቖምዎም፤ ንሳቶምውን ፀለዩሎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣንበሩሎም።

7ቃል እግዚኣብሄር ድማ እናሰፍሐን እናተባፅሐን ከደ፤ ቍፅሪ እቶም ደቀ መዛሙርትውን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም የመና እናበዝሐ ኸደ፤ ካብ ካህናትውን ብዙሓት ኣመኑ።

8እስጢፋኖስ ድማ ፀጋን ሓይልን መሊእዎ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ፥ ዓበይቲ ምልክታትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ።

9ገሊኣቶም ናይታ ውፁኣት ሓራ(ሀ) እትበሃል ቤተ ፀሎትን፥ ሰብ ቀሬናዎንን፥ ሰብ እስክንድርያን፥ ሰብ ኪልቅያን እስያን ግና፥ ተልዒሎም ንእስጢፋኖስ ይከራኸርዎ ነበሩ።

10ነቲ ዝዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን(ለ) ግና ኽረትዕዎ(ሐ) ኣይከኣሉን።

11ሽዑ “እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን፥ እንትፃረፍ ሰሚዕናዮ” ዝብሉ ሰባት ሓባበሉ።

12በዙይ ከዓ ንህዝብን ንሽማግለታትን ንመምህራን ሕግን ኣለዓዓሉ፤ ንሳቶም ድማ መፂኦም ሓዝዎ፤ ናብ መጋባእያውን ኣቕረብዎ።

13“እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕዱስ ስፍራን፥ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን፥ ምፅራፍ ኣቋሪፁ ኣይፈልጥን” ዝብሉ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣተስኡሉ።

14ንሳቶም “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ‘ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ ከፍርሶ እዩ፤ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ሕጊ እውን ክልውጦ እዩ’ ኽብል እንተሎ ሰሚዕናዮ” ዝብሉ መሰኻኽር ኣቖሙ።

15እቶም ኣብቲ መጋባእያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት፥ ኵላቶም ጠመትዎ፤ ገፁ ኸዓ፥ ከም ገፅ መልኣኽ ኮይኑ ተርኣዮም።

ትርጓሜ

6:1-7 ክሳዕ እዚ ግዜ'ዚ ደቀ መዛሙርቲ ሓንቲ ልቢ ነበሩ፤ እዚ ኸኣ ንኽብሮም ብዙሕ ግዜ ተስተብሃለሉ ነይሩ፤ ግናኸ ሕጂ ምስ በዝሑ ግን ምጕርምራም ጀመሩ። ቃል ኣምላኽ ንኹሉ ሓሳባትን ሻቕሎታትን ግዜን ናይ ሃዋርያት ክሕዝ እኹል ነበረ። እቶም መኣዲ ንምግልጋል እተመርጹ ሰባት ብግቡእ ብቑዓት ክኾኑ ይግባእ። ብህያባትን ጸጋታትን መንፈስ ቅዱስ ክመልኡ ኣለዎም፤ እዚ ሓላፍነት ብቕኑዕ ንምምሕዳር ዘድሊ፤ ሰባት ሓቂ ኪኾኑን ስስዔ ዝጸልኡን እውን ኪኾኑ ይግባእ። እቶም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኩሎም እተዋፈሩ ሰባት፡ ብጸሎት ቤተ ክርስቲያን ናብ ጸጋ ኣምላኽ ክውከሉ ይግባእ። ብስም እግዚኣብሔር ባረኹዎም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በዚህም ወራት ደቀ መዛሙርት እየበዙ ሲሄዱ ከግሪክ አገር መጥተው የነበሩት አይሁድ በይሁዳ ኖረው በነበሩት አይሁድ አንጐራጐሩባቸው፥ በየቀኑ በተሠራው አገልግሎት መበለቶቻቸውን ችላ ይሉባቸው … አማርኛ ENGNIV In those days when the number of disciples was increasing, the Grecian Jews among them complained against the Hebraic J… English BCV በቲ እዋን እቱይ፥ ደቀ መዛሙርት ብቝፅሪ እናበዝሑ ምስ ከዱ፥ እቶም ካብ ግሪክ ዝመፁ ኣይሁድ፥ እተን ናታቶም መበለታት፥ ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ ዝተብሃላ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም … ትግርኛ GAZBIB Bara sana lakkoobsi warra Yesusitti amananii baay'atee, Yihudoonni warri afaan Griikii dubbatan warra afaan Yihudootaa … Afaan Oromoo BCV GIZ ወውእተ አሚረ በዝኁ ሕዝብ ወግዕዝዎሙ እለ እምአረሚ አርድእት ለአይሁድ እስመ ይሬእይዎን ለመበለታቲሆን እንዘ ኢይፀመዳ ኵሎ አሚረ ወያሰትታ ተልእኮቶን። giz GAZGAZ Bara sana lakkoobsi warra Yesusitti amananii baay'atee, Yihudoonni warri afaan Griikii dubbatan warra afaan Yihudootaa … Afaan Oromoo AMHNIV የደቀ መዛሙርት ቍጥር እየጨመረ በሄደበት በዚህ ወቅት፣ ከግሪክ አገር የመጡ አይሁድ በይሁዳ ይኖሩ በነበሩት አይሁድ ላይ አጒረመረሙ፤ ምክንያቱም በየዕለቱ በሚከናወነው ምግብ የማደል አሠራር … አማርኛ SWAHSUV Hata siku zile wanafunzi walipokuwa wakiongezeka hesabu yao, palikuwa na manung'uniko ya Wayahudi wa Kiyunani juu ya Wa… Kiswahili