ግብሪ ሃዋርያት 26

BCV aksumትግርኛ32 ፍቕድታት6:01 ስማዕ
ስማዕ 6:01 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣግሪጳ ንጳውሎስ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ኸምዙይ እናበለ ኽዛረብ ጀመረ፦

2“ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ብዛዕባ እቲ ብኣይሁድ ዝኽሰሰሉ ዘለኹ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ሎሚ መልሲ ኽምልስ ስለ ዝተፈቐደለይ፥ የመና ሕጉስ እየ።

3ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለዙይ ድማ ብትዕግስቲ ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።

4“እምበኣርከስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እየ ዝዓበኹ፤ ዘሕለፍክዎ ህይወትውን፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኵላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም።

5ክምስክሩ እንተ ደኣ ደልዮምስ፥ ኣነ ኻብቶም ብዛዕባ ኣምልኾትና ኣፀቢቖም ዝጥንቀቑ፥ ወገን ፈሪሳውያን ከም ዝነበርኩ፥ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም።

6ሕዚ ድማ በታ እግዚኣብሄር ነቦታትና ዝሃቦም ናይ ተስፋ ቓል፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ደው ኢለ እኒሀኹ።

7እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድና ኸዓ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንእግዚኣብሄር እናምለኹ፥ ናይዛ ቓል ተስፋ እዚኣ ፍፃሜ ይፅበዩ ነበሩ። ኣነውን ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ፥ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘለኹ፤

8እግዚኣብሄር፥ ንምዉታን ከም ዘተስኦም ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓደ ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትሪእዎ ኣለኹም?(ሀ)

9ኣነ ንባዕለይ ብዝከኣለኒ ዅሉ፥ ኣብ ልዕሊ ስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ዝፃረር ነገር ክገብር፥ ግቡእ እዩ ኢለ እኣምን ነበርኩ።

10ነዙይ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገይረዮ እየ፤ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተቐቢለ፥ ንብዙሓት ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተኽዎም፤ ክቐትልዎም እንተለዉውን ሓቢረ ተሰማማዕኹ።

11ኣብ ኵሉ ኣብያተ ፀሎት ድማ፥ ብዙሕ ጊዜ እናቐፃዕኹ፥ እምነቶም ከም ዝኽሕዱ ገበርክዎም፤ የመና እናደድ ስለ ዝነበርኩ ኸዓ፥ ክሳዕ እተን ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ኸተማታት እናሰዓብኩ፥ ኣሳጕጎም ነበርኩ።”

12“በዝ ጉዳይ እዙይ፥ ብትእዛዝ ሊቃነ ካህናትን ብፍቓዶምን፥ ናብ ደማስቆ ክኸይድ እንተለኹ፥

13ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ቐትሪ ኣብ መንገዲ እንተለኹ፥ ካብ ፀሓይ ዝደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን፥ ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን፥ ከንፀባርቕ እንተሎ ረአኹ።

14ኵላትና ኣብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸዓ፥ ብቛንቋ ዕብራይስጢ ‘ሳውል! ሳውል! ስለ ምንታይ እተሳጕጐኒ? በሊሕ ነገር እንተ ረገፅካ፥ ንባዕልኻ እዩ ዝገደካ’ ኢሉ ዝዛረበኒ ድምፂ ሰማዕኹ።

15ኣነ ድማ ‘መን ኢኻ ጐይታይ?’ በልክዎ፤ ጐይታ ኸዓ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጎ ዘለኻ ኢየሱስ እየ።

16ግና ተስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፤ በቲ ዝረአኻንን ድሕሪ ሕዚ እውን ክትሪኦ ዘለካን፥ ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን ስለ ዝመረፅኩኻ እየ ዝተገለፅኩልካ።

17ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናብኣቶም ዝልእኸካ ኣህዛብን ከዓ፥ ከናግፈካ እየ።

18ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”

19“እምበኣር፥ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን።

20እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ።

21ብዛዕባ እዙይ ከዓ፥ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓዙኒ፤ ክቐትሉኒውን ደለዩ።

22እንተ ኾነ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ረድኤት እግዚኣብሄር ረኺበ፥ ንንኡስን ንዓቢይን እናመስከርኩ፥ ደው ኢለ እኒሀኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነቢያትን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝተዛረብዎ፥ ካልእ ሓደኳ ኣይወሰኽኩን።

23ንሳቶም ክርስቶስ መከራ ኸም ዝቕበል፥ መጀመርታ ኻብ ሞት ብምትሳኡውን፥ ንህዝቢ እስራኤልን፥ ንኣህዛብን ብርሃን ከም ዘብስር ተዛሪቦም ነበሩ።”

24ከምዙይ ኢሉ ብዛዕባ ርእሱ ምስ ተዛረበ ድማ፥ ፊስጦስ ዓው ኢሉ፥ “ጳውሎስ ዓቢድካ ኢኻ? እዝ ብዙሕ ትምህርትኻ፥ ናብ ዕብዳን ኣብፂሑካ ኣሎ” በሎ።

25ጳውሎስ ከዓ፥ “ኦ ኽቡር ፊስጦስ! እታ ፅርይቲ ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣይዓበድኩን።

26እዝ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ ኣግሪጳ ድማ፥ ነዝ ነገር እዙይ ይፈልጦ እዩ፤ ብሕቡእ ስለ ዘይተገብረ፥ እዝ ነገር እዙይ ከም ዘይስሕቶ እፈልጥ እየ።

27ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ንነቢያትዶ ተኣምኖም ኢኻ? ከም እትኣምኖም ድማ እፈልጥ እየ።”

28ኣግሪጳ ኸዓ ንጳውሎስ “ብሓፂር ጊዜዶ፥ ክርስቲያን ክትገብረኒ ደሊኻ?” በሎ።

29ጳውሎስ ከዓ “እንተስ ብሓፂሩ እንተስ ብነዊሑ፥ ንስኻ ጥራሕ ዘይኮንካስ፥ ኵሎም እዞም ሎሚ ዝሰምዑኒ ዘለዉውን፥ እንትርፊ እዝ መቝሐይ፥ ከምዝ ኸማይ ክኾኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር እልምን ኣለኹ” በለ።

30ሽዑ እቲ ንጉስን፥ እቲ ሹም ብርኒቄን፥ እቶም መቓምጦምን ተስኡ።

31ካብኡ ወፂኦም ምስ ከዱ ንስንሳቶም፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ፥ ሓንቲ ነገር እኳ ኣይገበረን ተበሃሃሉ።

32ኣግሪጳ ኸዓ ንፊስጦስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢሉ እንተ ዘይኸውንስ፥ ክፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ” በሎ።

ትርጓሜ

26:1-11

ክርስትና ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ተስፋ ምኽንያት ክንህብ፡ ከምኡ'ውን ንዝግብኦ ክብርን ንኸብሮ፡ ብዘይ ምስላጥን ፍርሃት ሰብን ብቕኑዕ ክንገብር የምህረና። ንጉስ ኣግሪጳ ብመጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ብጽቡቕ ዝሰልጠነ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ መሲሕ ምዃኑ ዘተልዕል ባእሲ ብዝሓየለ ክፈርድ ይኽእል ነበረ። ኣገልገልቲ እምነት ክርስቶስ ክሰብኩ ኸለዉ፡ ብርግጽ ብትዕግስቲ ክስምዑ ክጽበዩ ይኽእሉ እዮም። ጳውሎስ ነቲ ብመጀመርታ እተማህሮን እተስልጠነሉን ጽቡቕ ኵሉ ከም ዝሓለዎ ይገልጽ። እምነቱ እንታይ ከም ዝነበረ ኣብዚ ተመልከቱ። ንሱ ስነ-ምግባራዊ ሰብ፡ ሰብ ንጽህና ነበረ። ስልትታት እቶም ተንኮለኛታትን ስሱዓትን ፈሪሳውያን ኣይተማህረን ነበረ። ብገለ ግሉጽ እከይን ፍንፉንነትን ኣይተኸሰሰን። ብእምነት ጽኑዕ ነበረ። ንሱ ንጥንታዊት እግዚአብሔር ንኣቦታት ዝሃባ ተስፋ ቅዱስ ኣኽብሮት ነበሮ፡ ተስፋኡ ድማ ኣብኣ ሰረተ። እቲ ሃዋርያ እዚ ኹሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዘይስግቶ (justification) ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ነበረ። ግናኸ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ስሙ ከም ዝዕቅበሉ፡ ከምኡ’ውን ንሱ ኸምቶም ዝገልጽዎ ሰብ ከም ዘይነበረ መከራኸሪ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ንክርስቶስ ምእንቲ ኺረክብሲ ኹሉ ትርፊ ቘጸሮ እኳ እንተኾነ፡ ክርስቶስ ከኽብረሉ ኣብ ዝኽእልሉ ግዜ ግና ጠቐሶ። እምነት ጳውሎስ እንታይ ምዃኑ ኣብዚ ተመልከት። ከምቲ ኣብ ንእስነቱ ዝነበሮ ዘይኰነ፡ ሕጂ ነቲ ስርዓታዊ ሕጊ ከምኡ ዝበለ ቅንኣት የብሉን። እቲ ብእኡ ዝተሰርዐ መስዋእትን ዕንባታትን፡ በቲ ንሳቶም ዝመሰልዎ ዓብዪ መስዋእቲ ተወጊዱ እዩ። ንኣብነት ንስርዓታዊ ምጥራያት ግና ሕልናኡ ኣየዋጅኣሉን እዩ። እቲ ሌዋውያን ክህነት ብክህነት ክርስቶስ ከም ዝተወገደ ይኣምን። ብዛዕባ ቀንዲ መሰረታዊ መትከላታት እምነቱ ግና፡ ከም ዝነበረ ቅንኣቱ ሎሚ'ውን ከምኡ እዩ። ክርስቶስን ሰማይን፡ እቶም ክልተ ዓበይቲ ትምህርቲ ወንጌል እዮም። እግዚአብሔር ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና፡ እዛ ህይወት እዚኣ ድማ ኣብ ወዱ ከም ዘላ። እዚኣቶም እዮም ትሕዝቶ እቲ ንኣቦታት እተዋህበ ተስፋ። ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ፡ ወይ ድማ ኩሉ ግዜ ዝቕጽል ሃይማኖታዊ ግቡኣት፡ ለይትን መዓልትን፡ ከም ምምስካር እምነት ብተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ንእኣ ምጽባይን ይቕጽል ነበረ። ትጽቢት ዘለኣለማዊ ህይወት፡ ኣብ ኩሉ ሃይማኖታዊ ምምሕዳራት ተባዕተወን (effectually) ጽኑዓትን ክንከውን ከተተባብዓና ይግባእ። ሳዱቃውያን ግና ንጳውሎስ ብምስባኽ ትንሳኤ ይጸልእዎ ነበሩ። ካልኦት ኣይሁድ ድማ ንየሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ፡ ከምኡ’ውን እቲ እተዋህበ ቤዛ (redemption) እስራኤል ምዃኑ ስለ ዝመስከረ፡ ተሓዊሶምዎም። ብዙሕ ነገራት ንምእማን ዘጸግም ይመስሉ፡ እቲ ዘለኣለማዊ ባህርይን ፍጹምነትን ናይቲ ዝገለጾም ወይ ዝፈጸሞም ወይ ዝተስፈዎም ሓሊፉ ስለ ዝርአ ጥራይ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6