ግብሪ ሃዋርያት 19

BCV aksumትግርኛ41 ፍቕድታት6:39 ስማዕ
ስማዕ 6:39 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣጵሎስ ኣብ ቆሮንቶስ እንተሎ፥ ጳውሎስ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። ኣብኡ ኸዓ ውሑዳት ደቀ መዛሙርት ረኸበ።

2“ምስ ኣመንኩምስ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ፥ “ኣይተቐበልናን፤ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎውን ሰሚዕና ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ።

3ንሱ ኸዓ “በየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም?” በሎም፤ ንሳቶም ድማ “ብጥምቀት ዮሃንስ” በልዎ።

4ሽዑ ጳውሎስ “ዮሃንስ በቲ ድሕሪኡ ዝመፅእ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምኑ፥ ነቶም ህዝቢ እናነገረ፥ ጥምቀት ንስሃ እዩ ዘጥመቐ” በሎም።

5እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ተጠመቑ።

6ጳውሎስ ኢዱ ምሰ ኣንበረሎም ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።

7እቶም ሰባት ከዓ፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ዝኣኽሉ ነበሩ።

8ጳውሎስ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ሀ) ኣትዩ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር እናተኻትዐን እናረድአን፥ ንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ተናገረ።

9ሓድሓደ ነቲ መንገዲ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ልቦም ምስ ኣትረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፥ ካብኣቶም ረሓቐ፤ ነቶም ደቀ መዛሙርት ፈልዩ ድማ፥ በብመዓልቱ ኣብቲ ጢራኖስ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ይምህሮም ነበረ።

10እዙይ፥ እቶም ኣብ እስያ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ግሪካውያንን፥ ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰምዕዎ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ቀፀለ።

11እግዚኣብሄር ከዓ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ ዘደንቕ ተኣምራት ይገብር ነበረ።

12እንሆ ድማ፥ መንዲል ወይ ክዳን ካብ ሰብነቱ(ለ) ወሲዶም፥ ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ፥ ሕማሞም ይሓድጎም፤ ርኹሳት መናፍስቲ እውን ካብኣቶም ይወፁ ነበሩ።

13እናዞሩ ኻብ ሰብ ኣጋንንቲ እናውፅኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም “በቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ፥ ብስም ኢየሱስ ክትወፁ ንእዝዘኩም ኣለና” እናበሉ፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክፅውዑሎም ፈተኑ።

14እቶም እዙይ ዝገበሩ ኸዓ፥ ሸውዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ካህናት ነበሩ።

15እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ “ንኢየሱስ እፈልጦ፤(ሐ) ንጳውሎስውን እፈልጦ እየ፤ ንስኻትኩም ደኣ እንታዎት ኢኹም?” በሎም።

16እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ከዓ፥ ዘሊሉ ሓነቖም እሞ ሰዓሮም፤ ክዳኖም ቀዲዱ፥ ጥራሕ ዝባኖም ኣውፂኡ ኣቝሲሉ፥ ካብታ ገዛ ሃዲሞም ክሳዕ ዝወፁ ድማ ንዅሎም ኣሰነፎም።

17እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነብሩ ኣይሁድን ግሪካውያንን ተሰምዐ፤ ንዅላቶምውን ፍርሓት ሓዞም፤ ስም ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኸበረ።

18ካብቶም ዝኣመኑ ኸዓ፥ ብዙሓት እናመፁ፥ ነቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም ብገሃድ ይንስሑ ነበሩ።

19ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ፥ መፃሕፍቶም ኣኪቦም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኣቃፀልዎ፤ ዋጋኡ ምስ ፀብፀብዎ ኸዓ፥ ሓምሳ ሽሕ ድሪም(መ) ኮይኑ ተረኽበ፤

20ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምዙይ ኢሉ ብሓይሊ እናሰፍሐን እናበርትዐን ከደ።

21እዝ ነገር እዙይ ምስ ሓለፈ፥ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ገይሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ሓሰበ(ሠ) እሞ “ኣብኣ ምስ በፃሕኹውን፥ ንሮም ክሪኣ ይግብአኒ እዩ” በለ።

22ንኽልተ ኻብቶም ሓገዝቱ፥ ንጢሞቴዎስን ንኣርስጦንን፥ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፤ ንሱ ግና ኣብ እስያ ብዙሕ መዓልቲ ፀንሐ።

23በቲ ቕነ እቱይ፥ ብዛዕባ እቲ መንገዲ ጐይታ፥(ረ) ኣብ ኤፌሶን ብዙሕ ሁከት ኮነ።

24ሓደ ድሜጥሮስ ዝተብሃለ ሰራሒ ብሩር ነበረ። ንሱ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ዝኸውን ምስሊ ብሩር እናሰርሐ፥ ነቶም ኣንጠረኛታት የርብሖም ነበረ።

25ነዚኣቶምን ነቶም ብስራሖም ዝተሓባበርዎምን ኣኪቡ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፥ ጥቕምና ኻብዝ ስራሕዙይ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።

26ከም እትሪኡዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ እዝ ጳውሎስ ‘እዞም ብኢድ ሰብ ዝስርሑስ፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን’ እናበለ፥ ኣብ ኤፌሶን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ፥ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝሓበለን ከም ዘስሓተን፥ ትሪኡን ትሰምዑን ኣለኹም።

27ዘፍርሐና ዘሎ፥ እታ ዅላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻ፥ ዓባይ ኣርጤምስ ዕብየታ ኸይሰዓር፥ መቕደሳውን ከም ከንቱ ኸይቝፀር እምበር፥ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራሕ ኣይኮነን።”

28ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ እሞ፥ ዓው ኢሎም “ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” በሉ።

29ኣብታ ኸተማ ድማ ሁከት ኮነ፤ ነቶም ኣዕርኽቲ ጳውሎስ ዝኾኑ፥ ንጋይዮስን ንኣርስጠርኮስን ሰብ መቄዶንያ ሒዞም፥ እናጐተቱ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ጐየዩ።

30ጳውሎስ ድማ፥ ናብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ኽኣቱ ደለየ፤ እንተ ኾነ ደቀ መዛሙርት ከልከልዎ።

31ካብ እስያ ዝኮኑ ሹመኛታት ፈተውቱ ልኢኾም፥ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ኸይኣቱ ለመንዎ።

32እቲ ህዝቢ ድብልቕልቕ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ዝበዝሑ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፤ ስለዙይ ገሊኣቶም ከምዙይ፥ ገሊኣቶምውን ከምቱይ እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ የስምዑ ነበሩ።

33እቶም ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ኣብቲ ቕድሚ ህዝቢ ምስ ኣቕረብዎ፥ ካብቶም ህዝቢ እውን ገሊኣቶም ዓው ኢሎም ኣደፋፈርዎ። እስክንድሮስ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ኽምጕተሎም ደልዩ፥ ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም።

34ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፥ ኵላቶም ብሓደ ቓል ኮይኖም፥ “ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” እናበሉ ኽልተ ሰዓት ዝኣክል፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።

35እቲ ናይታ ኸተማ ሹም፥ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፥ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን፥ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ፥ ዘይፈልጥ ሰብ መን እዩ?

36እምበኣርከስ፥ እዙይ ኣሉ ዘይበሃል ነገር ካብ ኮነ፥ ክትሃድኡ ደኣ እምበር፥ ብታህዋኽ ሓደ ነገር ክትገብሩ ኣይግብአኩምን እዩ።

37እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስ እንተይሰረቑ፥ ንኣምላኽናውን እንተይፀረፉ ኢኹም ኣምፂእኹምዎም ዘለኹም።

38ድሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና፥ ክሲ እንተ ሃልይዎም፥ መዓልቲ መጋባእያን ሹመኛታትን ኣለዉዎም፤ ንስንሳቶም ይካሰሱ።

39ካልእ ነገር እንተ ሃልዩኩም ድማ፥ ኣብቲ ስሩዕ መጋባእያ ይረአ።

40ነዝ ሁከት እዙይ፥ እንህቦ ምኽንያት የብልናን፤ በዝ ሎሚ ዝኾነ ሁከት እኳ፥ ከይንኽሰስ ንፈርሕ ኢና”

41ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።

ትርጓሜ

19:1-7 ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን፡ ንየሱስ ከም መሲሕ ዝርእይዎ ዝነበሩ ገለ ሃይማኖታውያን ሰባት ረኸበ። ንሳቶም ትእምርታዊ ሓይልታት መንፈስ ቅዱስ ኪጽበዩ ኣይተመርሑን ነበሩ፣ ወይ ከኣ ወንጌል ብፍላይ ኣገልግሎት መንፈስ ምዃኑ ኣይተነግሮምን ነበረ። ግናኸ ብዛዕባኡ ዚመጽእ ፍልጠት ኪቕበሉ ድሉዋት ምዃኖም ገለጹ። ጳውሎስ ከኣ ዮሃንስ ንዝኣጥመቖም ኣብኡ ጥራይ ኪጸንሑ ከም ዘይሓሰበ፡ የግዳስ ድሕሪኡ ኣብ ዚመጽእ፡ ማለት ኣብ ክርስቶስ የሱስ ከም ዚኣምኑ ከም ዝነገሮም ኣርኣዮም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ዝተገለጸሎም ሓቂ ብምስጋና ተቐቢሎም፡ ብስም ጐይታ የሱስ ተጠምቁ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ብዜደንቕን መዓልምን መንገዲ ኣብኦም ወረደ፤ ብልሳናት ተዛረቡ፡ ትንቢት እውን ተነበዩ፡ ከምቶም ሃዋርያትን ቀዳሞት ኣህዛብ ዝነበሩ ዝተለወጡን ዝገበሩዎ።

ሎሚ ትእምርታዊ ሓይልታት እንተዘይተጸበና እኳ፡ ገና ግና ኩሎም ደቀ-መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃኖም ዝእምኑ ሰባት፡ ንቕንዕና እምነቶም፡ ብምቅድዳሳዊ ጽልዋታቱ፡ ማሕተም መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ድዮም ኣይፋሎምን ኪምርምሩ ኺጽወዑ ይግባእ። ብዙሓት መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ ዝሰምዑ ኣይመስሉን፤ ብዙሓት ከኣ ብዛዕባ ጸጋታቱን ምጽንናዑን ዝተዛረብዎ ዘበለ ኩሉ ቅብጸት ጌሮም ይቖጽርዎ። ንኸምዚኦም ሰባት ከኣ፡ ‘እንታይ ደኣ ኢኹም ተጠሚቕኩም?’ ኢልካ ብቕዱስ ኣገባብ ኪሕተቱ ይግባእ፤ ከመይሲ ነቲ ዓብዪ ምትእምማን ዝገብሩሉ ናይ ግዳም ምልክት ትርጉሙ ብግልጺ ኣይፈልጥዎን እዮም።

19:8-12

ክርክርን ምዕጋትን ንሰባት ናብ ዘይምእማንን ምርብራብን ጥራይ ከደድንዕዎም ከለዉ፡ ነፍስናን ካልኦትን ካብ ከምዚ ዝበለ ርኹስ ማሕበር ክንፈልይ ኣሎና። ኣምላኽ ድማ ትምህርቲ ናይዞም ቀዳሞት ቅዱሳን ሰባት ከረጋግጽ ባህ በሎ፡ ከመይሲ ተሰማዕቶም እንተዘይኣመንዎም፡ ነቲ ግብርታት ክኣምንዎ ምኸኣሉ።

19:13-20 ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ኣይሁድ፡ ሰባት ኣጋንንቲ ንምጥራይ ወይ ንምስጋግ ይእውጁ ወይ ይፍትኑ ምዃኖም ልሙድ ነበረ። ብእምነት ብክርስቶስ ኣቢልና ንሰይጣን እንተ ተቓዊምናዮ፡ ካባና ኺሃድም እዩ። ግናኸ ብስም ክርስቶስ ወይ ብግብሩ ኸም ጥንቆላ ወይ ጥብሲ ጌርና ንምጥቃም ተቓዊምናዮ ሓሲብና፡ ሰይጣን ኣባና ኺሰልጥን እዩ። ሓቀኛ ጓሂ ንሓጢኣት ኣብ ዝህሉሉ፡ ኣብ ኩሉ ጸሎትና ናብ ኣምላኽ ብናጻ ምእማን ሓጢኣት፡ ጉዳይ ኣብ ዝጠልበሉ ግዜ ኸኣ ንዝበደልናዮ ሰብ ምእማን ኪህሉ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6