1ጳውሎስን ሲላስን ብኣንፊጶልን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም፥ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ሀ) ነበረ።
2ጳውሎስ ከምቲ ልማዱ ናብኣቶም ኣትዩ፥ ሰለስተ ሰንበት ካብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ እናጠቐሰ፥ ከረድኦም ቀነየ።
3ክርስቶስ መከራ ኽቕበልን፥ ካብ ምዉታን ክትስእ ከም ዘለዎውን፥ ይገልፀሎምን የረድኦምን ነበረ። “እዝ ኣነ ዝሰብከልኩም ዘለኹ ኢየሱስ፥ ንሱ ክርስቶስ እዩ” ኸዓ ይብል ነበረ።
4ካብኣቶምውን ገሊኣቶም፥ ኣሚኖም ንጳውሎስን ሲላስን ዝተኸተሉ ነበሩ፤ ብዙሓት ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዘምልኹ ግሪካውያንን፥ ብዙሓት ፍሉጣት ኣንስትን ድማ ኸምኡ ገበሩ።
5እቶም ኣይሁድ(ለ) ከዓ ቐኒኦም፥ ካብቲ ዕዳጋ፥ ክፉኣት ሰባት ኣምፂኦም፥ ህዝቢ ኣኪቦም ድማ፥ ነታ ኸተማ ሃወኽዋ፤ ንጳውሎስን ንሲላስን ኣውፂኦም፥ ናብቶም ህዝቢ ምእንቲ ኸቕርብዎም ድማ፥ ንገዛ ኢያሶን ከበብዋ።
6ምስ ሰኣንዎም ግና፥ ንኢያሶንን ንገሊኣቶም ኣሕዋትን እናጐተቱ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ኣቕረብዎም፤ “እዞም ንዓለም ዝሃወኹ ናብዙይ ከዓ መፂኦም ኣለዉ።
7ኢያሶን ከዓ ኣብ ገዛኡ ተቐቢልዎም ኣሎ፤ ንሳቶም ‘ኢየሱስ ዝበሃል ካልእ ንጉስ ኣሎ’ እናበሉ፥ ንትእዛዝ ቄሳር ይፃረሩ ኣለዉ” ኢሎም ከሰስዎም።
8እቶም ህዝብን ኣሕሉቕ እታ ኸተማን፥ ነዙይ ምስ ሰምዑ ተጨነቑ።
9ንኢያሶንን ነቶም ካልኦት ብፆቱን፥ ዋሕስ ኣቝፂሮም ሰደድዎም።
10ሽዑ ንሽዑ እቶም ኣሕዋት፥ ንጳውሎስን ንሲላስን፥ ብለይቲ ናብ ቤርያ ኸም ዝኸዱ ገበርዎም፤ ኣብኡ ምስ በፅሑ ድማ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተዉ።
11እቶም ሰብ ቤርያ፥ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝቕመጡ ኣይሁድ፥ ብዝበለፀ ዘስተውዕሉ ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ተቐበልዎ፤ እዝ ነገር እዙይ ከምኡ እንተ ኾይኑ ንኽፈልጡ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ በብመዓልቱ ይምርምሩ ነበሩ።
12ስለዙይ ብዙሓት ካብኣቶም ኣመኑ፤ ካብቶም ግሪካውያን ድማ፥ ብዙሓት ክቡራት ኣንስትን ብዙሓት ግሪካውያን ሰብኡትን ኣመኑ።
13እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ቓል እግዚኣብሄር ከም ዝመሃረ ምስ ፈለጡ፥ ናብኡ መፂኦም ነቲ ህዝቢ ሃወኹዎ።
14ሽዑ እቶም ኣሕዋት፥ ንጳውሎስ ቀልጢፎም ክሳዕ ባሕሪ ኣፋነውዎ፤ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብ ቤርያ ተረፉ።
15እቶም ንጳውሎስ ዘፋነውዎ ሰባት፥ ክሳዕ ኣቴና ኣብፅሕዎ፤ “ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ይስዓቡኒ” ዝብል መልእኽቲ ሒዞም ድማ፥ ናብ ቤርያ ተመለሱ።
16ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኽፅበዮም እንተሎ፥ እታ ኸተማ ጣዖታት መሊኣ ምስ ረአያ፥ ብመንፈሱ ተቘጥዐ።
17ስለዙይ ኣብ ቤተ ፀሎት፥ ምስ ኣይሁድን ምስቶም ምስ ኣይሁድ ዘምልኹ ግሪካውያንን፥ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን፥ ይከራኸሮም ነበረ።
18ገሊኣቶም ካብ ኤጲቆሮስን እስጦኢኮን ዝኾኑ ፈላስፋታት፥ ምስኡ ይካትዑ ነበሩ፤ ገሊኣቶም ድማ “እዝ ለፍላፊ፥ እንታይ ኮን ክብል ደልዩ እዩ?” በሉ። ገሊኣቶም፥ ጳውሎስ ብዛዕባ ኢየሱስን፥ ትንሳኤ ሙታንን ስለ ዝሰበኸሎም፥ “ብዛዕባ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ዝምህር ዘሎ እባ ደኣ ይመስል” በሉ።
19ስለዙይ ንጳውሎስ ናብቲ ኣርዮስፋጎስ ዝተብሃለ መጋባእያ ወሲዶም፦ “እዝ ንስኻ እትምህሮ ዘለኻ ሓድሽ ትምህርትስ፥ እንታይ እዩ እስኪ ንገረና?
20ሓድሽ ነገር ኣብ እዝንና ተስምዐና ኣለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ስለ ዝደለና ንገረና” በልዎ።
21ኵሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዝነብሩ ኻልኦትን ግና፥ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኮይኑ፥ ንኻልእ ጉዳይ ጊዜ ኣይነበሮምን።
22ሽዑ ጳውሎስ ኣብቲ ማእኸል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ሰብ ኣቴና፥ ብዅሉ ነገርኩም፥ ብሃይማኖት ከም እትግደሱ እርኢ ኣለኹ።
23እናዞርኩ እቲ እተምልኽዎ ጣዖትኩም ክርኢ እንተለኹ፥ ‘ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዝብል ዝተፅሓፎ መሰውኢ ረኸብኩ፤ እምበኣርከስ ብዛዕባ እዝ እንተይፈለጥኩም እተምልኽዎ ኣምላኽ፥ ንእኡ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።(ሐ)
24ንሱ እቲ ዓለምን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ ኣምላኽ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ፤ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንፀ መቕደስ ኣይነብርን እዩ።
25ንሱ ህይወትን እስትንፋስን፥ ዘድሊ ዅሉ ነገራትን፥ ንዅሉ ሰብ ዝህብ ስለ ዝኾነ፥ ዝጐድሎ ነገር የብሉን፤ ብኢድ ሰብውን ኣይግልገልን እዩ።
26ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ፥ ኵሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ፤ ኣብ ዅላ ምድሪ ኸም ዝነብሩ ድማ ገበረ፤ እቲ ዝነብሩሉ ውሱን ዘመናትን ቦታን መደበሎም።
27እዙይ ከዓ፥ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ እንተሎስ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽደልይዎን፥ ምናልባሽውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኽረኽብዎን ኢሉ ገበሮ።
28ገሊኣቶም ካብቶም ተቐነይትኹም ‘ንሕና ደቂ እግዚኣብሄር ኢና’ ኸም ዝብልዎ፥ ‘ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፥ ብእኡ ኸዓ ኢና ዘለና’
29“እምበኣርከስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ካብ ኮንናስ፥ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቅርፂ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ኸም ዝመስል ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር(መ) ክነመሳስሎ ኣይግብአናን እዩ።
30እግዚኣብሄር ነቲ ዘመን ድንቍርና፥ ሸለል ኢሉ ኣሕሊፍዎ ኣሎ። ሕዚ ግና፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ፥ ክንሳህ ኣዚዙ ኣሎ።
31በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ፥ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገፆ ድማ፥ ነቲ ዝሓረዮ ሰብ፥ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ እዩ” በሎም።
32ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ምስ ሰምዑ፥ ገሊኣቶም ኣላገፁሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ፥ “ብዛዕባ እዙይ፥ ካልእ ጊዜ ኽንሰምዐካ ንደሊ ኢና” በልዎ።
33ሽዑ ጳውሎስ ካብ ማእኸሎም ወፂኡ ኸደ።
34ገሊኣቶም ሰባት ከዓ፥ ኣሚኖም ሰዓብዎ፤ ንሳቶም ድማ፥ ሓደ ኻብቶም ናይ ኣርዮስፋጎስ ባይቶ፥ ዲዮናስዮስ ዝበሃልን፥ ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን፥ ከምኡውን ካልኦት ሰባት ምስኣቶም ነበሩ።