ግብሪ ሃዋርያት 13

BCVትግርኛ50 ፍቕድታት7:26 ስማዕ
ስማዕ 7:26 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብታ ኣብ ኣንፆኪያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቢያትን መምህራንን ነበሩ። ንሳቶም ከዓ በርናባስን፥ እቲ “ፀሊም” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ስምኦንን፥ ሉቅዮስ ቀሬናውን፥ ምስ ገዛኢ ርባዕ ክፍሊ ዝኾነ ሄሮድስ ዝዓበየ ምናሄን ሳውልን ነበሩ።

2እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር እናገልገሉን እናፆሙን እንተለዉ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ “ንበርናባስን ሳውልን፥ ነቲ ኣነ ዝመረፅክዎም ኣገልግሎት ፍለዩለይ” በሎም።

3ምስ ፆሙን ምስ ፀለዩን፥ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ኣፋነውዎም።

4ንሳቶም ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም፥ ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፤ ካብኡ ድማ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።

5ኣብ ስልማና ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ቃል እግዚኣብሄር መሃሩ፤ ዮሃንስውን ይሕግዞም ነበረ።

6ነታ ደሴት ብምልእታ ኣቋሪፆም ኣብ ጳፉ ምስ በፅሑ፥ ሓደ ጠንቋሊ ሰብኣይ፥ ናይ ሓሰት ነቢይ፥ በርያሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ረኸቡ።

7ንሱ ምስቲ መስተውዓሊ ሰብኣይ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝበሃል ሹም ይነብር ነበረ፤ ሰርግዮስ ጳውሎስ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዕ ደልዩ ንበርናባስን ንሳውልን ናብኡ ፀውዖም።

8ግና ብቛንቋ ግሪክ ኤሊማስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጠንቋሊ፥ ነቲ ሹም ካብ ምእማን ክኽልክሎ ደልዩ፥ ንበርናባስን ንሳውልን ተቓወሞም።

9እቲ ጳውሎስ ዝተብሃለ ሳውል ግና፥ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኣትኲሩ ጠመቶ እሞ፥

10“ኣታ ዅሉ ተንኰልን ኵሉ ኽፍኣትን ዝመልአካ ወዲ ዲያብሎስ ፀላኢ ዅሉ ፅድቂ፥ ነቲ ቕኑዕ መንገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥምዛዝዶ ኣይትዓርፍን?

11ሕዚ እውን እንሆ፥ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፤ ክትዓውር፥ ንጊዜኡውን ፀሓይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ፥ ጣቓን ፀልማትን ወደቖ፤ ኣብዙይን ኣብቱይን ሃሰስ እናበለ ድማ፥ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ደለየ።

12ሽዑ እቲ ሹም፥ ነቲ ዝኾነ ነገር ምስ ረአየ፥ ብትምህርቲ ጐይታ ተደኒቑ ኣመነ።

13ድሕሪዙይ ጳውሎስን ብፆቱን፥ ካብ ጳፉ ተልዒሎም፥ ብመርከብ ናብ ጴርጌን ናይ ጵምፍልያ መፁ። ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሃንስ ከዓ፥ ካብኣቶም ተፈልዩ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።

14ንሳቶም ግና ኻብ ጴርጌን ሓሊፎም፥ ናብታ ኣብ ጲስድያ እትርከብ ኣንፆኪያ መፁ፤ ብመዓልቲ ሰንበት፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ሀ) ኣትዮም ተቐመጡ።

15ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ምስ ተነበቡ ኸዓ፥ እቶም መራሕቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንህዝቢ ዝጠቅም ቃል ምዕዳን እንተ ሃልዩኩም ተናገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም።

16ሽዑ ጳውሎስ ተሲኡ፥ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ እናመልከተ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን ስምዑ።

17ኣምላኽ ህዝቢ እስራኤል፥ ነቦታትና ሓረዮም፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ተሰዲዶም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ነቲ ህዝቢ ልዕል ልዕል ኣበሎ፤ በቲ ዓብዪ ሓይሉ ድማ፥ ካብኣ ኣውፅኦም።

18ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ከዓ፥ ኣብ በረኻ ፆሮም።

19ካብ ምድሪ ከነዓን ሸውዓተ መንግስታት ኣጥፊኡ ኸዓ፥ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም።

20ድሕሪዙይ ክሳዕ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል፥ ንኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ዝኣክል፥ መሳፍንቲ ሸመሎም።

21ብድሕሪዙይ ንጉስ ከንግሰሎም ለመኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ነገድ ብንያም ንዝኾነ ሳኦል ወዲ ቂስ፥ ነርብዓ ዓመት ኣንገሰሎም።

22እግዚኣብሄር ንሳኦል ምስ ሰዓሮ ድማ፥ ንዳዊት ኣንገሰሎም፤ ‘ከም ልበይ ዝኾነ ሰብ፥ ኵሉ ፍቓደይ ዝገብር ንዳዊት ወዲ እሴይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸዓ መስከረሉ።

23እግዚኣብሄር ከምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ነቲ መድሓኒ እስራኤል ዝኾነ ኢየሱስ ለኣኾ።

24ቅድሚ ምምፃኡውን፥ ዮሃንስ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ንንስሃ ዝኸውን ጥምቀት ሰበኸ።

25ዮሃንስ ከዓ ተልእኾኡ እንትፍፅም፥ ‘ኣነ መን እመስለኩም? ኣነኮ ክርስቶስ ኣይኮንኩን፤ እቲ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ፥ ካብ ኣእጋሩ ኽፈትሕ ዘይበቅዕ፥ እንሆ ንሱ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ’ በለ።

26“ኣቱም ኣሕዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእኸሎም ዘለኹም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን፥ እዝ ቃል ምድሓን እዙይ ናባኻትኩም(ለ) እዩ ዝተልኣኸ።

27እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ኣሕሉቖምን ግና፥ ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፤ እቲ ሰንበት ሰንበት ዘንብብዎ ቓል ነቢያት እንተየስተውዓሉ፥ ምእንቲ ቓል መፃሕፍቲ ኽፍፀም ንሞት ፈረድዎ።

28ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እኳ እንተ ዘይረኸቡሉ፥ ክቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ።

29ኹሉ ነቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ምስ ፈፀሙ ኸዓ፥ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ናብ መቓብር ኣእተውዎ።

30እግዚኣብሄር ግና ካብ ምዉታን ኣተስኦ።

31ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡን፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መሰኻኽሩ ኾይኖም ንዘለዉን፥ ብዙሕ መዓልቲ ተርኣዮም።

32“ንሕና ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ነቦታትና ኣተስፍይዎም ዝነበረ፥ ነብስረኩም ኣለና።

33ኣብ ካልኣይ መዝሙረ ዳዊት፦ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ሎሚ ወለድኩኻ’ ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ እግዚኣብሄር ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝትስእ ብምግባር፥ ኣባና ኣብ ደቆም፥ ነዝ ተስፋ እዙይ ፈፀሞ።

34ከምቲ፦ ‘ነቲ ቕዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ መሊሱ ምብስባስ ከይርኢ ኻብ ምዉታን ኣተስኦ።

35ከምኡ ኸዓ ኣብ ካልእ መዝሙር፦ ‘ንቕዱስካ ምብስባስ ክርኢ ኣይትሓድጎን ኢኻ’ ይብል።

36ዳዊት ግና ብዘመኑ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ዓረፈ፤ ተቐቢሩ ኸዓ ምብስባስ ረአየ።

37እቲ እግዚኣብሄር ዘተስኦ ግና፥ ምብስባስ ኣይረአየን።

38እምበኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ እዝ እንነግረኩም መልእኽቲ፥ ‘ስርየት ሓጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዝብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ዅሉ፥ ብሕጊ ሙሴ ኽፀድቕ ዘይተኽኣሎ፥ ብኢየሱስ ብምእማን ይፀድቕ።

40ስለዙይ እቲ ብነቢያት፦ ‘ኣቱም መላገፅቲ ረአዩ፤ ሓደኳ እንተ ነገረኩም፥ ከቶ ዘይተኣምንዎ ግብሪ፥ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ ተገረሙን፥ ጥፍኡን’(ሐ) ዝብል፥ ኣባኻትኩም ከይፍፀም ተጠንቀቑ።”

42ጳውሎስን በርናባስን፥ ካብቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ክወፁ እንተለዉ ኸዓ፥ በታ እትመፅእ ሰንበትውን፥ ነዝ ቓል እዙይ ደጊሞም ክነግርዎም ለመንዎም።

43እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ፥ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣህዛብን፥ ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከዓ ተዛረብዎም፤ ኣብ ፀጋ እግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም።(መ)

44በታ ኻልአይቲ ሰንበት ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዑ፥ ዳርጋ ዅሎም ተኣከቡ።

45ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ ምስ ረአዩ፥ ቅንኣት ሓደሮም፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ተቓወምዎ፤ ፀረፍዎውን።

46ጳውሎስን በርናባስን ከዓ ተቢዖም፥ ከምዙይ እናበሉ ተዛረቡ፦ “ቃል እግዚኣብሄር፥ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ክንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ኣበኹምዎን፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኮንኩም፥ ባዕልኻትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፥ እንሆ ገፅና ናብ ኣህዛብ ንምልስ ኣለና።

47እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ፥ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፥ ንኣህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ።”

48ኣህዛብ ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ድማ ኣኽበሩ፤ እቶም ንህይወት ዘለኣለም ዝተዓደሉ ዅላቶምውን ኣመኑ።

49ቃል እግዚኣብሄር ኣብታ ሃገር ብምልእታ በፅሐ።

50ኣይሁድ ግና፥ ነተን እግዚኣብሄር ዝፈርሓ ኽቡራት ኣንስትን፥ ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣለዓዓልዎም፤ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስንውን፥ ስደት ኣለዓዓሉ፤ ካብ ሃገሮምውን ሰጐጕዎም።

51ንሳቶም ከዓ፥ ንስምዕታ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፥ ናብ ኢቆንዮን ከዱ።

52ደቀ መዛሙርትውን፥ ብታሕጓስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።

ትርጓሜ

13:1-3 እንታይ ዝገርም ምትእኽኻብ እዩ ነይሩ! በዚኣቶም ስማት ንርኢ፡ እግዚኣብሔር ንዕዮኡ መሳርሒታት ካብ በበይኖም ቦታታትን ደረጃታትን ህይወት ከም ዜተንስእ፤ ቅንኢ ንኽብሩ ድማ ሰባት ነቲ ዜታልል ዝምድናታትን ተስፋታትን ገዲፎም፡ ንዕዮኡ ከዕብዩ ይድርኾም። ኣገልገልቱ ንኣገልግሎቱ ክኢላታትን ድሉዋትን ኪዀኑ ብመንፈስ ክርስቶስ እዮም ተባዕተዉ ዚግበሩ። ካብ ካልእ ዜዕግት ሓሳባት ድማ እዮም ዚፍለዩ። ኣገልገልቲ ክርስቶስ ኣብ ዕዮ ክርስቶስ ኪዋፈሩ ኣለዎም፣ ብምሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ድማ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ኣቦ ኪዓዩ። ንኣገልግሎት ብጽዕረት ኪዋፈሩ እዮም ዚፍለዩ፣ እንበር ንዓለማዊ ክብሪ ወይ ስልጣን ኪደልዩ ኣይኮነን። ንበርናባስን ሳውልን ኣብቲ ዝጀመርዎ ዘሎ ኣገባብ በረኸት ተደልየ፣ ኣብ ዕዮኦም ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺመልኡ። ዝኾነ ይኹን መገዲ ይውሰድ ወይ ሕግታት ይሕሎ፣ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ኣገልገልቲ ንኸቢድ ዕዮኦም ዜሰልጦምን ዚጽውዖምን።

13:4-13 ሰይጣን ብፍሉይ ምስ ዓበይቲ ሰባትን ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባትን ይዋሳእ፡ ካብ ሃይማኖታዊ ህይወት ከርሕቆም ይጽዕር፡ ምኽንያቱ ኣርኣያኦም ንብዙሓት ጽልዋ ስለ ዝገብር። ሳውል ኣብዚ ንመጀመርታ ግዜ ጳውሎስ ተባሂሉ ተጸዊዑ፡ ድሕሪኡ ድማ ዳግማይ ሳውል ተባሂሉ ኣይተጸወዐን። ሳውል ብሃይማኖታዊ ስሙ እብራዊ ብምዃኑ ዝተዋህበ ስሙ እዩ ነይሩ፤ ጳውሎስ ድማ ዜጋ ሮሜ ብምዃኑ ዝተዋህበ ስሙ እዩ። ብቀጥታዊ ጽልዋ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ ንኤልማስ ሓቀኛ ባህሪኡ ገሊጹሉ፡ ግናኸ ብዘይ ቁጥዓ ነበረ። ምሉእ ተንኮልን ክፋእን ሓቢሩ ንሰብ ብሓቂ ውሉድ ሰይጣን ይገብሮ። እቶም ንትምህርቲ የሱስ ጸላእቲ ዝኾኑ ድማ፡ ንኹሉ ጽድቂ ጸላእቲ እዮም፤ ምኽንያቱ ብእኡ እዩ ኹሉ ጽድቂ ዝፍጸም። መገዲታት ጐይታ የሱስ ናብ ሰማይን ናብ ሓጎስን ዘብጽሑ እንኮ ቅኑዓት መገዲታት እዮም።

ብዙሓት ሰባት ነዘን መገዲታት እዚኤን ባዕሎም ጥራይ ዘይስሕቱን፡ ንኻልኦት እውን ካብዘን መገዲታት እዚኤን ዝዓግቱን ኣለዉ። ንሳቶም ብሓፈሻ እምብዛ ስለ ዝጠቐሩ፡ ክፉእ ካብ ምግባር ኣይቋረጹን። እቲ ፕረቕንሱል ኣብ ልቡን ሕልንኡን ብዝፈጠሮ ሓይሊ እቲ ትምህርትን፡ በቲ ኣምላኻዊ ሓይሊ ዝተረጋገጸሉን ኣዝዩ ተገሪሙ። ትምህርቲ ክርስቶስ የገረም፤ ዝበለጸ ክንፈልጦ እንተኸኣልና ድማ፡ ዝበለጸ ክንገረመሉ ምኽንያት ክንረክብ ኢና። እቶም ኢዶም ንመሓረሻ ኣንቢሮም ድሕሪት ዝጥምቱ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኣይኮኑን። እቶም ንተቓውሞ ንምግጣም ዘይተዳለዉን ንጽንኩር ኩነታት ክጸግቡ ዘይክእሉን፡ ንዕዮ ኣገልግሎት ብቑዓት ኣይኮኑን።

13:14-31 ንኣምላኽ ንምምላኽ ኣብ እንእከበሉ ጊዜ፡ እዚ ብጸሎትን ብምስጋናን ጥራይ ክኸውን የብሉን፣ እምብኣርሲ፡ ብምንባብን ብምስማዕን ቃል ኣምላኽ'ውን ክኸውን ይግባእ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ምምንባብ ጥራይ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታት ኣይበቅዕን እዩ፤ እቶም ጽሑፋት ክትርጎሙን ህዝቢ ኻብኦም ክተባብዑን ይግባእ። እዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ጠቓሚ ንምግባርን ናብ ገዛእ ርእሶም ንምቕራብን ዜድሊ ነገር ንምግባር ንሰብ ዝሕግዝ እዩ።

ኣብዚ ስብከት እዚ፡ ክርስቶስ ከምቲ ዝተስፈየ መሲሕ ኮይኑ ንኣይሁድ ንኽቕበልዎን ንኸምብልቕዎን ዝበለጸ ክጸሉ ዝኽእል ኩሉ ነገር ተዘንቢሉ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በአንጾኪያም ባለችው ቤተ ክርስቲያን ነቢያትና መምህራን ነበሩ፤ እነርሱም በርናባስ፥ ኔጌር የተባለው ስምዖንም፥ የቀሬናው ሉክዮስም፥ የአራተኛው ክፍል ገዥ የሄሮድስም ባለምዋል ምናሔ፥ ሳውልም… አማርኛ ENGNIV In the church at Antioch there were prophets and teachers: Barnabas, Simeon called Niger, Lucius of Cyrene, Manaen (who… English GAZBIB Waldaa kristiiyaanaa Anxokiyaa keessa raajonnii fi barsiisonni turan; isaanis Baarnaabaas, Simi'oon ?Isa gurraachicha? … Afaan Oromoo BCV GIZ ወሀለዉ በቤተ ክርስቲያን ዘአንጾኪያ ነቢያት ወሊቃውንት፡ በርናባስ ወስምዖን ዘተሰምየ ኔጎር፡ ወሉቅዮስ ቀሬናዊ፡ ወምናሄ ወልደ ሐፃኒቱ ለሄሮድስ ንጉሥ፡ ወሳውል። giz GAZGAZ Waldaa kristiiyaanaa Anxokiyaa keessa raajonnii fi barsiisonni turan; isaanis Baarnaabaas, Simi'oon ?Isa gurraachicha? … Afaan Oromoo BCV aksum ኣብታ ኣብ ኣንፆኪያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቢያትን መምህራንን ነበሩ። ንሳቶም ከዓ በርናባስን፥ እቲ “ፀሊም” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ስምኦንን፥ ሉቅዮስ ቀሬናውን፥ ምስ ገዛኢ ርባዕ ክፍሊ… ትግርኛ AMHNIV በአንጾኪያ ባለችው ቤተ ክርስቲያን ነቢያትና መምህራን ነበሩ፤ እነርሱም፦ በርናባስ፣ ኔጌር የተባለው ስምዖን፣ የቀሬናው ሉክዮስ፣ የአራተኛው ክፍል ገዥ የሄሮድስ አብሮ አደግ የነበረው ምናሔና… አማርኛ SWAHSUV Na huko Antiokia katika kanisa lililokuwako palikuwa na manabii na waalimu, nao ni Barnaba, na Simeoni aitwaye Nigeri, … Kiswahili