2ይቲ ጢሞቴዎስ 1

BCV aksumትግርኛ18 ፍቕድታት3:05 ስማዕ
ስማዕ 3:05 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብክርስቶስ ኢየሱስ ንዝርከብ ናይ ህይወት ተስፋ፥ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥

2ናብ ዝፈትዎ ወደይ ጢሞቴዎስ፤ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋ፥ ምሕረት፥ ሰላም፥ ንኣኻ ይኹን።

3ለይትን መዓልትን እንተየቋረፅኩ፥ ኣብ ፀሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ፥ ነቲ ኸምቲ ናይ ኣቦታተይ ገይረ፥ ብንፁህ ሕሊና ዘገልግሎ እግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።

4ንብዓትካ እናዘከርኩ፥ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ኸዓ፥ ክሪአካ እናፍቕ ኣለኹ።

5ነታ ኣባኻ ዘላ፥ ግብዝና ዘይብላ እምነት እዝክራ እየ። እዛ እምነት እዚኣ፥ ቅድም ኣብ እኖሓጐኻ ሎይድ፥ ከምኡውን ኣብ እኖኻ ኤውንቄ ነበረት። ሕዚ ኸዓ ኣባኻ ኸም ዘላ ተኣማሚነ ኣለኹ።

6ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኢደይ ዝተቐበልካዮ፥ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ክተለዓዕሎ ኣዘክረካ ኣለኹ።

7እግዚኣብሄር ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን፥ ፍቕርን፥ ንባዕልኻ ምግዛእን እምበር፥ መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናንሞ።

8እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን፥ ብኣይ ናይ ክርስቶስ እሱርን ኣይትሕፈር፤ እኳ ደኣ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝህበካ ሓይሊ፥ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ተቐበል እምበር።

9ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና።

10እዝ ፀጋ እዙይ፥ ብምምፃእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልፀ። ንሱ ንሞት ስዒሩ፥ ንህይወትን ንዘይሙማትን፥ ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ።

11ኣነውን ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣብሳሪ ሃዋርያን፥ ንኣህዛብውን መምህር ክኸውን ተሸምኩ።

12በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ(ሀ) ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።

13ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ።

14ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓቂ፥ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።

15እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፥ ከም ዝጠለሙኒ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መንጎኦም እኳ ፊጌሎስን ሄርዋጌኔስን እዮም።

16እግዚኣብሄር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ፥ ምሕረት ይሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይሓፈረ፥ ብዙሕ ጊዜ ኣዕሪፉኒ እዩ እሞ።

17ኣብ ሮሜ ምስ መፀውን፥ ክሳዕ ዝረኽበኒ ብዙሕ ደኺሙ እዩ።

18በታ መዓልቲ እቲኣ፥(ለ) ጐይታ እግዚኣብሄር ምሕረት ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፥ ንስኻ ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።

ትርጓሜ

1:1-5 ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ተስፋ ንኣመንቲ ብክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ቀንዲ ትምህርቲ ናይቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዓዩ ኣገልገልቲ እዩ። እዚ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ በረኸት፡ ንፍቑራትና ክንልምን እንኽእል ዝበለጸ እዩ፡ ምእንቲ ምስ ኣምላኽ ኣቦን ምስ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ሰላም ክህልዎም። ዝኾነ ይኹን እንገብሮ ሰናይ፡ ክብሪ ግን ናይ ኣምላኽ ክኸውን ኣለዎ። ሓቀኛታት ኣመንቲ ኣብ ኩሉ ዘመን ብመሰረቱ ሓደ እምነት ኣለዎም። እምነቶም ቅንዕቲ እያ፤ ፈተና ክትጻወር እያ፡ ከም ህያው መሰረት ኰይና ድማ ኣብኦም ትነብር። በዚ ከምዚ እሞኸ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ፡ ሎይስን ኤዎድያን ብዛዕባ ጢሞቴዎስ ካብ ዝረኸብኦ ዓወት ምብርትታዕ ክረኽባ ይኽእላ፡ ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ጽቡቕን ጠቓምን ኣገልጋሊ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ። ገሊኦም ካብቶም እታ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ዝረኸበቶም ዝበለጹን ክቡራትን ኣገልገልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ብምህሮ ኣዴታቶምን ወይ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ኣዝማዶምን ኣብ ኣእምሮኦም ዝተገብረ ናይ ቀደም ሃይማኖታዊ ተጽዕኖ ንኣምላኽ ከመስግኑ ግድነት ኮይኑሎም እዩ።

1:6-14 ኣምላኽ መንፈስ ፍርሂ ኣይሃበናን። የግዳስ፡ ንጸገማትን ሓደጋታትን ንምምካት፡ መንፈስ ሓይሊ፡ ትብዓትን ቈራጽነትን እዩ ዝሃበና፤ ንእኡ ዘለና ፍቕሪ ድማ ንተጻባእነት ኬሕልፈና እዩ። መንፈስ ቅኑዕ ምእመንን፡ ሰላም ልቦናን ድማ እዩ። መንፈስ ቅዱስ፡ ናይ ድንቊርና ወይ ፈራህ ባህሪ፡ ወይ ናይ ባርያዊ ፍርሒ ፈጣሪ ኣይኮነን።

ኣምላኽ ንኽንጻወረን ዘኽእለና ሓይልን ስልጣንን ምስ ዝህበና፡ ንጸበባታት ብጽቡቕ ክንጻወር ንኽእል ኢና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6