1ብዝተረፈ፥ ኣሕዋትና፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ማእኸልኩም ኮይንዎ ዘሎ፥ ምእንቲ ኽሰፍሕን ክኸብርን፥
2ኵሉ ኸዓ ኣማኒ ኣይኮነን እሞ፥ ካብ ዓመፀኛታትን፥ ክፉኣት ሰባትን፥ ምእንቲ ኽንድሕን ፀልዩልና።
3ግና እቲ ዘፅንዐኩምን፥ ካብ እቲ ኽፉእውን ዝሕልወኩምን ጐይታ፥ እሙን እዩ።
4ነቲ እንእዝዘኩም ትፍፅምዎ ኸም ዘለኹም፥ ገናውን ከም እትፍፅምዎ፥ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና።
5ጐይታ ኸዓ፥ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።
6ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና።
7ምሳኻትኩም እንተለና፥ ብዘይ ስርዓት ኣይነበርናን እሞ፥ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ኽትገብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
8ካባኻትኩም ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኽንብል፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ንፅዕርን ንደክምን ነበርና እምበር፥ ካብ ሓደኳ ብኸምኡ እንጀራ ኣይበላዕናን።
9እዙይ ከዓ ኣርኣያ ኽንኮነኩምን፥ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉን ኢልና ኢና እምበር፥ ግቡእና ኽንረክብ መሰል ዘይብልና ዄንና ኣይኮነን።
10ምሳኻትኩም እንተለና፥ እቲ “ክሰርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ” ዝብል ትእዛዝ ሂብናኩም ኔርና ኢናሞ።
11ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ፥ ኣብ ዘየእትዎም ዝኣትዉ፥ ሓንቲ ስራሕ ዘይብሎም፥ ከም ዘለዉ ሰሚዕና ኣለና።
12ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ፥ ብህድኣት እናሰርሑ፥ ናይ ባዕልቶም እንጀራ ኽበልዑ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና።
13ንስኻትኩም ግና፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ።
14ነቲ በዛ መልእኽቲ እዚኣ እንብሎ ቓል፥ ዘይእዘዝ እንተ ሃልዩ ኣለልይዎ፤ ምእንቲ ኽሓፍር ከዓ፥ ምስኡ ኣይትሕበሩ።
15ግና ኸም ሓው ደኣ መዓድዎ እምበር፥ ከም ፀላኢ ኣይትቝፀርዎ።
16እምበኣር ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ብዅሉ ወገን፥ ኵልሻዕ ሰላም ይሃብኩም። ጐይታ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን።
17ነዝ ሰላምታ እዙይ፥ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ዝፀሓፍኩዎ እዩ። እዙይ ከዓ፥ ኣብ ኵለን መልእኽቲታተይ ምልክት እዩ፤ ከምዙይ ገይረ እየ ዝፅሕፍ።
18ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።