2ይ ተሰሎንቄ 3

BCVትግርኛ18 ፍቕድታት3:13 ስማዕ
ስማዕ 3:13 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብዝተረፈ፥ ኣሕዋትና፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ማእኸልኩም ኮይንዎ ዘሎ፥ ምእንቲ ኽሰፍሕን ክኸብርን፥

2ኵሉ ኸዓ ኣማኒ ኣይኮነን እሞ፥ ካብ ዓመፀኛታትን፥ ክፉኣት ሰባትን፥ ምእንቲ ኽንድሕን ፀልዩልና።

3ግና እቲ ዘፅንዐኩምን፥ ካብ እቲ ኽፉእውን ዝሕልወኩምን ጐይታ፥ እሙን እዩ።

4ነቲ እንእዝዘኩም ትፍፅምዎ ኸም ዘለኹም፥ ገናውን ከም እትፍፅምዎ፥ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና።

5ጐይታ ኸዓ፥ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።

6ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና።

7ምሳኻትኩም እንተለና፥ ብዘይ ስርዓት ኣይነበርናን እሞ፥ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ኽትገብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

8ካባኻትኩም ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኽንብል፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ንፅዕርን ንደክምን ነበርና እምበር፥ ካብ ሓደኳ ብኸምኡ እንጀራ ኣይበላዕናን።

9እዙይ ከዓ ኣርኣያ ኽንኮነኩምን፥ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉን ኢልና ኢና እምበር፥ ግቡእና ኽንረክብ መሰል ዘይብልና ዄንና ኣይኮነን።

10ምሳኻትኩም እንተለና፥ እቲ “ክሰርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ” ዝብል ትእዛዝ ሂብናኩም ኔርና ኢናሞ።

11ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ፥ ኣብ ዘየእትዎም ዝኣትዉ፥ ሓንቲ ስራሕ ዘይብሎም፥ ከም ዘለዉ ሰሚዕና ኣለና።

12ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ፥ ብህድኣት እናሰርሑ፥ ናይ ባዕልቶም እንጀራ ኽበልዑ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና።

13ንስኻትኩም ግና፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ።

14ነቲ በዛ መልእኽቲ እዚኣ እንብሎ ቓል፥ ዘይእዘዝ እንተ ሃልዩ ኣለልይዎ፤ ምእንቲ ኽሓፍር ከዓ፥ ምስኡ ኣይትሕበሩ።

15ግና ኸም ሓው ደኣ መዓድዎ እምበር፥ ከም ፀላኢ ኣይትቝፀርዎ።

16እምበኣር ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ብዅሉ ወገን፥ ኵልሻዕ ሰላም ይሃብኩም። ጐይታ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን።

17ነዝ ሰላምታ እዙይ፥ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ዝፀሓፍኩዎ እዩ። እዙይ ከዓ፥ ኣብ ኵለን መልእኽቲታተይ ምልክት እዩ፤ ከምዙይ ገይረ እየ ዝፅሕፍ።

18ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

ትርጓሜ

3:1-5 እቶም ርሑቓት ዝኾኑ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ዝፋን ጸጋ ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም። እቶም ካልእ ዓይነት ሕያውነት ክገብሩ ወይ ክቕበሉ ዘይክእሉ ድማ፡ በዚ መገዲ እዚ ሓቀኛን ኣዝዩ ዓብይን ሕያውነት ክገብሩን ክቕበሉን ይኽእሉ እዮም። ንሰብከት ወንጌል ጸላእቲ ዝኾኑን ንእሙናት ሰበኽቱን ዘሳድዱን ሰባት፡ ዘይርድኡን ክፉኣት ሰባትን እዮም። ብዙሓት ንወንጌል ኣይኣምኑን እዮም፤ እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ዕረፍቲ እንተዘይብሎምን ንወንጌል ክጻረርዎ ብዝገብርዎ ጻዕሪ እከይ እንተገልጹን ኣየገርምን። ክፍኣት ሓጢኣት ዝዓበየ ክፍኣት እዩ፤ ግናኸ ክንሕሎሎም ዝግባኣና ካልኦት ክፍኣታትውን ኣለዉና፡ ንጸጋ ኣምላኽ ክንውከል ድማ ምትብባዕ ኣለና። ሓደ ግዜ ቃልኪዳን ምስ ተዋህበ፡ ምፍጻሙ ድማ ርግጽን ዘየጠራጥርን እዩ። ሃዋርያ ብኣኣቶም ምትእምማን ነይርዎ፤ እዚ ግን ብኣምላኽ ኣብ ዝነበሮ ምትእምማን ዝተሰረተ እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ብሰብ ካልእ ምትእምማን የልቦን። ንሳቶም ድማ ንመንፈሳዊ በረኸታት ይጽሊሎም ነይሩ። ፍቕርና ኣብ ግጉይ ነገራት ምግባርና፡ ሓጢኣትናን መከራናን እዩ። ብየሱስ ክርስቶስ ብዘይ እምነት ሓቀኛ ፍቕሪ ኣምላኽ የልቦን። ብፍሉይ ጸጋ ኣምላኽ፡ ብዙሓት ዘይብሎም እምነት እንተሃልዩና፡ ትእዛዛቱ ብዘይ ዝኾነ ምቑራጽ ክንእዘዝን፡ ንፍቕሪ ኣምላኽን ንትዕግስቲ ክርስቶስን ድማ ብሙሉእ ልብና ክንወፍር ክንክእል፡ ብቕንዕና ክንጽሊ ይግባእ።

3:6-15 እቶም ወንጌል ዝተቐበሉ ሰባት፡ ብመሰረት እቲ ወንጌል ክነብሩ ይግብኦም። እቶም ክሰርሑ እናኸኣሉ ዘይደለዩ፡ ብዕግለት ክድገፉ ኣይግብኦምን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6