2ይ ጴጥሮስ 1

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት3:05 ስማዕ
ስማዕ 3:05 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሃዋርያን ካብ ዝኾነ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥

2በቲ ንእግዚኣብሄርን፥ ንጐይታና ኢየሱስን ብዘለኩም ፍልጠት፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።

3ነቲ ብኽብሩን(ሀ) ሕያዋይነቱን ዝፀውዐና፥ ንእኡ ብምፍላጥና መለኮታዊ ሓይሉ፥ ንህይወትን ንመንፈሳዊነትን፥ ኵሉ ዘድልየና ሂቡና ኣሎ።

4በዙይውን፥ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና፤ በዛ ተስፋ እዚኣ፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም፥ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም።

5ስለዙይ ብዅሉ ትግሃት፥ ኣብ እምነትኩም ሕያዋይነት ወስኹ፤ ኣብ ሕያዋይነትውን ፍልጠት፥

6ኣብ ፍልጠት ከዓ ንባዕልኻ ምግዛእ፥ ኣብ ንባዕልኻ ምግዛእ ትዕግስቲ፥ ኣብ ትዕግስቲ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፥

7ኣብ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሕውነት፥ ኣብ ሕውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ።

8እዞም ነገራት እዚኣቶም እንተ ሃልዮምኹም፥ እናዓበዩውን እንተ ኸይዶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጡኹም እዮም። ሃካያትን ዘየፍርዩውን ኣይትኾኑን ኢኹም።

9እዝ ነገር እዙይ ዘይብሉ ግና፥ ኣርሒቑ ዘይርኢ፥(ለ) ዕዉር ሰብ እዩ፤ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ፥ ከም ዝነፅሀውን ዝረስዐ እዩ።

10ስለዙይ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንፅውዓኹምን ምሕራይኩምን ክተፅንዕዎ፥ ኣብሊፅኩም ተጋደሉ። እዙይ እንተ ጌርኩም፥ ከቶ ኣይትወድቁን ኢኹም።

11በዙይ ድማ፥ ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው፥ ብምልኣት ክወሃበኩም እዩ።

12ስለዙይ እንተ ፈለጥኩምዎ እኳ፥ ኣብቲ ዘለኩም ሓቂ እውን እንተ ፀናዕኹም፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኵሉ ጊዜ ኸዘኻኽረኩም ሸለል ኣይብልን።

13ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፥ እናዘኻኸርኩ ኸነቓቕሐኩም፥ ቅኑዕ ኾይኑ ይረአየኒ ኣሎ።

14ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀለይ፥ ነዝ ሰብነት እዙይ፥ ገዲፈ ዝኸደሉ እዋን፥ ቀሪቡ ኸም ዘሎ ፈሊጠ ኣለኹ።

15ኣነ ምስ ተፈለኹኹም፥ ነዝ ነገራት እዙይ፥ ክትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እፅዕር ኣለኹ።

16ብዛዕባ ሓይሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ተመሊሱ ኸም ዝመፅእን ክንነግረኩም እንተለና፥ ሰባት ብተንኰል ዝተጣበብዎ ተረት ዘይኮነስ፥ ነቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ግርማ፥ መሳኻኽር ስለ ዝኾንና እዩ።

17እቲ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብቲ ልዑል ግርማ ምስ መፀ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ክብርን ግርማን ተቐበለ።

18ኣብቲ ቕዱስ እምባ ምስኡ እንተለና ኸዓ፥ እዝ ድምፂ እዙይ ካብ ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ንሕና ባዕልትና ሰሚዕናዮ ኢና።

19ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።

20ቅድሚ ዅሉ፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ዘሎ ትንቢት፥ ሓደኳ ብናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ፥ ክትርጉሞ ኸም ዘይኽእል ፍለጡ።

21ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።

ትርጓሜ

1:1-11 እምነት ንድኹም ምእመን ልክዕ ከምቲ ንሓያል ምእመን እትገብሮ ብሓቂ ምስ ክርስቶስ ተዋስእ፣ ከምኡ'ውን ልቢ ሓደ ልክዕ ከምቲ ንኻልእ እትገብሮ ብሓቂ ተንጽህ። ኩሉ ብሓቂ ዝኣምን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእምነቱ ይምስገት።

እምነት ንኣምልኾ ተባዕተወ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ነፍሲ ዝርከብ ካልእ ጸጋ ክገብሮ ዘይክእል ፍረታት ተፍሪ። ኣብ ክርስቶስ ኩሉ ምልኣት ይነብር፣ ምሕረት፣ ሰላም፣ ጸጋ፣ ፍልጠት ከምኡ'ውን ሓደስቲ መሰረታት ኸኣ ብመንፈስ ቅዱስ ይወሃብ።

እቲ ንኣባላት መለኮታዊ ባህሪ ንዝኾኑ ዝተዋህበ ተስፋታት፡ ኣብ መንፈስ ኣእምሮና ብሓቂ ሓደስቲ (ሓዳስ ልደት ዝረኸብና) ዲና ኢልና ክንሓትት ይድርኸና። ነዚ ኩሉ ተስፋታት እዚ ኸኣ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ንዝቕይርን ንዝንጽህን ጸጋ ንምርካብ ናብ ጸሎት ንምልሶ።

ምእመን ናብ በጎነቱ ፍልጠት ክውስኽ ይግባእ፣ ማለት ምሉእ ሓቂን ፍቓድ ኣምላኽን ብዝያዳ ምፍላጥ። ናብ ፍልጠትና ርእሰ-ምርቛት፡ ማለት ዓለማዊ ነገራት ብልክዕ ምጥቃም ክንውስኽ ኣለና። ናብ ርእሰ-ምርቛት ከምኡ'ውን ትዕግስቲ ወይስ ንፍቓድ ኣምላኽ ብሓጎስ ምግዛእ ክንውስኽ ኣለና። ጭንቂ ንትዕግስቲ ተባዕተወ፣ ብእኡ ኸኣ ኩሉ ሽግርን መከራን ብህድኣትን ብምግዛእን ንጸውሮ።

ናብ ትዕግስቲ ኣምልኾ ክንውስኽ ኣለና። እዚ ኸኣ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምላኺ ዝርከቡ ቅዱሳት ስምዒታትን ባህርያትን፣ ከምኡ'ውን ንኹሎም ደቂ ሓደ ኣቦ፣ ኣገልገልቲ ሓደ ጐይታ፣ ኣባላት ሓደ ስድራቤት፣ ገየሽቲ ናብ ሓንቲ ሃገር፣ ወረስቲ ሓንቲ ውርሻ ዝኾኑ መኻይድና ክርስትያናት ዝርከብ ለዋህ ፍቕሪ የጠቓልል።

ስለዚ ክርስትያናት ናይ ጽውዓኦምን ናይ ምርጫኦምን ርግጽነት ብምእማንን ብጽቡቕ ምግባርን ንምርካብ ይጽዕሩ። ብኸምዚ ድማ ብጥንቃቐ ምጽዓር፣ ኣምላኽ ፈጺሞም ከይወድቁ ዝድግፎም ናይ ጸጋን ምሕረት ኣምላኽን ጽኑዕ መርትዖ እዩ። እቶም ኣብ ዕዮ ኣምልኾ ትጉሃት ዝኾኑ፣ ክርስቶስ ዝነግሰሉ ናብቲ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ዓወት ዝመልኦ ምእታው ክህልዎም እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ምስኡ ንዘለኣለም ይነግሱ። ናብ ሰማይ ምእታው እንጽበዮ ኸኣ ኣብ ምፍጻም ኩሉ ጽቡቕ ተግባር እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የኢየሱስ ክርስቶስ ባሪያና ሐዋርያ የሆነ ስምዖን ጴጥሮስ፥ በአምላካችንና በመድኃኒታችን በኢየሱስ ክርስቶስ ጽድቅ ካገኘነው ጋር የተካከለ የክብር እምነትን ላገኙ፤ አማርኛ ENGNIV Simon Peter, a servant and apostle of Jesus Christ, To those who through the righteousness of our God and Savior Jesus … English BCV ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሃዋርያን ካብ ዝኾነ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥ ትግርኛ GAZBIB Ani Simoon Phexros, Yesus Kristosiif hojjetaa, ergamaas ta'ee, warra karaa qajeelina Waaqayyo keenyaaf fayyisaa keenyaa… Afaan Oromoo BCV GIZ እምኀበ ስምዖን ኬፋ ገብሩ ወልኡኩ ለኢየሱስ ክርስቶስ ለእለ ነኀብር ክብረ በሃይማኖት እንተ ከፈለነ በጽድቁ ለአምላክነ ወፈራቂነ ኢየሱስ ክርስቶስ። giz GAZGAZ Ani Simoon Phexros, Yesus Kristosiif hojjetaa, ergamaas ta'ee, warra karaa qajeelina Waaqayyo keenyaaf fayyisaa keenyaa… Afaan Oromoo AMHNIV የኢየሱስ ክርስቶስ አገልጋይና ሐዋርያ ስምዖን ጴጥሮስ፤ በአምላካችንና በአዳኛችን በኢየሱስ ክርስቶስ ጽድቅ በኩል እንደ ተቀበልነው ዐይነት ክቡር እምነት ለተቀበሉት፤ አማርኛ SWAHSUV Simoni Petro, mtumwa na mtume wa Yesu Kristo, kwa wale waliopata imani moja na sisi, yenye thamani, katika hali ya Mung… Kiswahili