2ይ ነገስት 15

BCVትግርኛ38 ፍቕድታት7:00 ስማዕ
ስማዕ 7:00 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ኣዛርያስ ወዲ ኣሜስያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።

2ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ፤ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገዝአ። እኖኡ ኸዓ የኮልያ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።

3ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኣሜስያስ ዝገበሮ፥ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ።

4ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖት ዘምልኹሉ ስለ ዘየፍረሶ፥ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ኣብ ዘለዉ መስገዲታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።

5እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ኣዛርያስ ቀሰፎ፤ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ ለምፃም ኮነ። ኣብ ፍሉይ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ኢዮኣታም ወዲ ንጉስ ድማ ኽንዲ እቲ ንጉስ ኮይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር የመሓድር ነበረ።

6እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያስ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?

7ኣዛርያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ኢዮኣታም ወዱ ነገሰ።

8ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ፥ ዘካርያስ ወዲ ኢዮርብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ሽዱሽተ ወርሒ ኸዓ ገዝአ።

9ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።

10ሰሎም ወዲ ኢያቢስ ድማ ተማሓሓለሉሞ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ወቒዑ ቐተሎ፤ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።

11እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ነገር፤ እንሆ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?

12እቲ እግዚኣብሄር ንኢዩ “ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ትውልዲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” ኢሉ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ቓል እዙይ ነበረ፤ ከምኡ ኸዓ ኾነ።

13ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ፥ ሰሎም ወዲ ኢያቢስ ኣብ እስራኤል ነገሰ፤ ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ድማ ሓንቲ ወርሒ ገዝአ።

14ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸዓ ኻብ ቴርሳ ናብ ሰማርያ ደዪቡ፥ ንሰሎም ወዲ ኢያቢስ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፤ ክንድኡውን ነገሰ።

15እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎም ነገርን እቲ ዝተመሓሓሎ ዓመፅን ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።

16ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳ ኽዋግኣ ኻብ ቴርሳ ምስ መፀ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ክኸፍቱ ኣይደለዩንሞ፥ ንሱ ኸዓ ነታ ኸተማ ወቕዓ፤ ነተን ኣብኣ ዝነበራ ጥኑሳት ከዓ ኸብደን ቀደደን።

17ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ፥ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዓሰርተ ዓመት ገዝአ።

18ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።

19ፎሓ ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ወፀ። ምናሔም ከዓ ነታ መንግስቱ ኣብ ኢዱ ንኸፅንዐሉ ኢድ ፎሓ ምስኡ ንክኸውን፥ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር ሃቦ።

20እዝ ብሩር እዙይ ካብቶም ሃብታማት እስራኤል፥ ካብ ነፍሲ ወከፎም ሓምሳ ቕርሺ ብሩር ኣገዲዱ ዝኣከቦ እዩ። ንጉስ ኣሶር ከዓ ናብ ሃገሩ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገርውን ኣይተቐመጠን።

21እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ነገርን ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?

22ምናሔም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ፋቂስያስ ነገሰ።

23ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ፥ ፋቂስያስ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ።

24ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን፤

25ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ንፋቂስያስ ተመሓሓለሉ። ካብ ገለዓድ ሓምሳ ሰብ ምስኡ ወሲዱ ድማ ኣብ ሰማርያ ኣብ ዕርዲ ቤተ መንግስቲ ቐተሎ። ምስኡ ድማ ንኣርጎብን ኣርያን ቀተሎም። ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።

26እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቂስያስ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?

27ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዕስራ ዓመት ገዝአ።

28ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።

29ብዘመን ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል፥ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክወርር መፀ። ንኸተማታት ዒዮንን ኣቤልቤትማዓካን ኢያኖክን ቃዴስን ሓፆርን ሓዘን። ከምኡውን ንምድሪ ገለዓድን ንምድሪ ገሊላን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን። ንህዝበን ማሪኹ ኸዓ ናብ ኣሶር ወሰዶም።

30ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፤ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሻራ ገበረሉ። ወቒዑ ምስ ቀተሎ ድማ ኽንድኡ ነገሰ።

31እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቁሔ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?

32ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።

33ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ኢየሩሳ እትበሃል ጓል ሳዶቅ ነበረት።

34ኢዮኣታም ከምቲ ኣቦኡ ዖዝያ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ።

35ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዝምለኸሉ ኣየወገዶን ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ገና ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐውን ኢዮኣታም ነበረ።

36እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣታም ነገርን፥ ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?

37እግዚኣብሄር፥ ንረኣሶን ንጉስ ሶርያን ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንይሁዳ ኽዋግእዋ ክሰዶም ጀመረ።

38ኢዮኣታም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ከዓ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።

ትርጓሜ

15:1-7 ኦዝያን ብመብዛሕትኡ እቲ ቅኑዕ ዝነበረ እዩ ገይሩ። ንመንግስቲ ኸኣ እቲ ጽቡቕ ግዝኣት ነዊሕ ምዃኑ በረኸት ነይርዎ።

ምዕራፍ 15 ኣብዚ ምዕራፍ እዚ፣

I. ታሪኽ ክልተ ነገስታት ይሁዳ ብሓጺሩ ተመዝጊቡ ኣሎ፦

1. ናይ ኣዛርያ ወይ ዑዝያ (ቁ. 1-7)።

2. ናይ ወዱ ዮታም (ቁ. 32–38)።

II. ታሪኽ ብዙሓት ነገስታት እስራኤል፣ በቲ ሓደ እዋን ዝነበሩ፣ ብሓጺሩ ተዋሂቡና ኣሎ። ሓሙሽተ ብተኸታታሊ፣ ካብኦም ሓደ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኩሎም ተቐቲሎም ናብ ጕድጓድ ወረዱ፣ ቀተልቶም ድማ ወረስቶም ኮኑ።

1. ዘካርያስ፣ ናይ ቤት የሁሉ ዳሕረዋይ፣ ሽዱሽተ ወርሒ ነገሰ፣ ድሕሪኡ ድማ ተቐቲሉ ብሻሉም ተተክአ (ቁ. 8–12)።

2. ሻሉም ሓንቲ ወርሒ ነገሰ፣ ድሕሪኡ ድማ ተቐቲሉ ብመናሔም ተተክአ (ቁ. 13–15)።

3. መናሔም ዓሰርተ ዓመት ነገሰ፣ ወይስ ብግፍዒ ገዝአ፣ ከምኡ ዝበለ ጨካን ግፍዕታቱ (ቁ. 16) ከምኡ’ውን ዘይግብኡ ምዝመዛኡ (ቁ. 20) ነበሮ፣ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዓራቱ ሞተ፣ ወዱ ድማ ቅድም ክትክኦ፣ ድሕሪኡ ድማ ብሰንኩ ክሳቐ ተረፈ (ቁ. 16–22)።

4. ፔቃህያ ክልተ ዓመት ነገሰ፣ ድሕሪኡ ድማ ተቐቲሉ ብፔቃህ ተተክአ (ቁ. 23–26)።

5. ፔቃህ ዕስራ ዓመት ነገሰ፣ ድሕሪኡ ድማ ተቐቲሉ ብሆሴዕ፣ ናይ ኩሎም ነገስታት እስራኤል ዳሕረዋይ፣ ተተክአ (ቁ. 27–31)፣ ከመይሲ ነገራት ናብቲ ናይቲ መንግስቲ ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ብቕልጡፍ ይኸዱ ነበሩ።

ቁጽሪ 1-7 እዚ ብዛዕባ ግዝኣት ኣዛርያ ዝገልጽ ሓጺር ጸብጻብ እዩ።

1. መብዛሕትኡ ብሓፈሻዊ መገዲ እዩ፣ ከምቲ ብዛዕባ ካልኦት ዝተዋህበ፤ ንእስነቱ ጀሚሩ ንነዊሕ እዋን ገዝአ (ቁ. 2)፣ መብዛሕትኡ ግዜ ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ገበረ (ቁ. 3) (ጽቡቕ ግዝኣት ነዊሕ ምዃኑ ንመንግስቲ ሓጎስ ነበረ)፣ ግናኸ ንኣብያተ ኣምልኾ ኸውድቕ እኹል ቅንኣትን ትብዓትን ኣይነበሮን (ቁ. 4)።

2. እቲ ፍሉይ ዝኾነ ነገር፣ ቁ. 5 (ኣምላኽ ብለምጺ ምትኡ)፣ ብዝያዳ ሰፊሕ ገለጻ ተዋሂብዎ ኣሎ፣ ምስቲ ምኽንያቱ፣ 2 ዜና 26:16 ወዘተ.፣ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ክብሪ ናይቲ ናይ ግዝኣቱ ቀዳማይ ክፋል፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ውርደት ናይቲ ዳሕረዋይ ክፋሉ ዝበለጸ ምሉእ ጸብጻብ ኣሎና። ንሱ ከምቲ ኣማጽያ ዝገበሮ፣ ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ገበረ፤ ከምኡ ጽቡቕ ጀመረ፣ ግናኸ ከይወድአ ፈሸለ። ኣብዚ ተነጊሩና ኣሎ፣ (1.) ለምጻም ከም ዝነበረ። እቶም ዓበይቲ ሰባት ንሓፈሻዊ መከራታት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንሓፈሻዊ ድኻማት ሰብኣዊ ባህርይ’ውን ተገዛእቲ እዮም፤ ከምኡ’ውን ገለ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገበሩ፣ ከምቶም ዝተሓቱ ሰባት ንኸቢድ መቕጻዕቲ ኣምላኽ ቅሩባት እዮም። (2.) ኣምላኽ ብዚ ለምጺ እዚ መትኦ፣ ንሱ ንናይ ክህነት ግቡእ ብትዕቢት ስለ ዝወረሮ ኺቐጽዖ። ዓበይቲ ሰባት ትዕቢተኛታት እንተኾኑ፣ ብሓደ ወይ ብኻልእ መገዲ ኣምላኽ ኬዋርዶም እዩ፣ ንሱ ልዕሊኦምን ንኣቶም ተጻራርን ምዃኑ ኸፍልጦም እዩ፣ ከመይሲ ንትዕቢተኛታት ይጻረሮም እዩ። (3.) ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ለምጻም ከም ዝነበረ። ምንም እኳ ንሱ ከም ዝተነሰሐን ሓጢኣቱ ከም ዝተሓድገን ኽንሓስብ ምኽንያት እንተሃለወና፣ ግናኸ ንኻልኦት መምሃሪ ኪኸውን፣ ክሳዕ ዝነበረሉ እዋን ብዚ ምልክት ናይ ኣምላኽ ሕርቃን ቀጸለ፣ ምናልባት ድማ ንነፍሱ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ እዩ ከምኡ ዝኾነ። (4.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6