1ብዛዕባ ነቶም ቅዱሳን ዝኸውን ረድኤት ክፅሕፈልኩም ዘድሊ ኣይመስለንን።
2ክትሕግዙ ድልዋት ምዃንኩም እፈልጥ እየሞ። “እቶም ኣብ ኣካይያ ዘለዉ ኣሕዋት፥ ካብ ዓሚ ጀሚሮም፥ ንምሕጋዝ ዝተዳለዉ እዮም” እናበልኩ፥ ኣብ ሰብ መቄዶንያ ተመኪሐልኩም እየ። እቲ ትግሃትኩም ከዓ፥ ንብዙሓት ኣነቓቒሕዎም ኣሎ።
3እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ፥ በዝ ተግባር እዙይ ከንቱ ምእንቲ ኸይኸውን ግና፥ ከምቲ ዝበልክዎ ተዳሊኹም ክትፀንሑ፥ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣለኹ።
4እዙይ ከዓ፥ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መፁ እሞ፥ ከይተዳለኹም እንተ ፀኒሕኹም፥ ብኣኻትኩም ብምምካሕና፥ ንሕና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንስኻትኩምውን ከይትሓፍሩ ኢለ እየ።
5ስለዙይ ነቲ ቕድም ኢሉ ኽትልግስዎ ዘተስፈኹምዎ ውህብቶ፥ ተዳልዩ ምእንቲ ኽፀንሕ፥ ኣቐዲሞም ናባኻትኩም ክኸዱ፥ ነቶም ኣሕዋት ጠየቕኩዎም። እዙይ ከዓ ፈቲኹም እምበር፥ ተገዲድኩም ከም ዘይገበርኩምዎ ኸረድእ እዩ።
6እቲ ብውሑድ ዝዘርእ፥ ብውሑድ ከም ዝዓፅድ፥ እቲ ብብዙሕ ዝዘርእ ድማ፥ ብብዙሕ እዩ ዝዓፅድ።
7እግዚኣብሄር ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ እንተይፈተወ ወይ ብግዲ ዘይኮነስ፥ ከምቲ ብልቡ ዝሓሰቦ ይሃብ።
8ከምቲ መፅሓፍ “ንድኻ ብልግሲ ሃበ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር” ዝብሎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ ዘድልየኩም ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሰናይ ተግባር፥ ብሉፃት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ፀጋ ኸብዝሐልኩም ይኽእል እዩ።
10እቲ ንዘራኢ ዘርኢ፥ ንተመጋቢ ምግቢ ዝህብ ኣምላኽ፥ ዘርኢ ኽህበኩምን ከበርክተልኩምን፥ ናይ ፅድቅኹም ፍረውን(ሀ) ከብዝሐልኩም እዩ።
11ኵልሻዕ ለጋሳት ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብዅሉ ወገን ከሀብትመኩም እዩ፤ እቶም ውህብቶኹም፥ ብኢድና ኣቢሉ ዝበፅሖም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።
12እዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎትኩም፥ ናይቶም ቅዱሳን ጐደሎ ምምላእ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንእግዚኣብሄር ዝበለፀ ምስጋና ኸም ዝቐርብ ይገብር እዩ።
13እዝ ናይ ልግስኹም ኣገልግሎት፥ ንስኻትኩም፥ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ወንጌል ክርስቶስ፥ እሙናት ከም ዝኾንኩምን፥ ንኣኣቶምን ንዅሉን ለጋሳት ከም ዝኾንኩም ስለ ዘረድእ፥ ብዙሓት ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።
14ንሳቶም ንኣኻትኩም ይፅልዩልኩም እዮም። ስለ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ መጠን ዘይብሉ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ክሪኡኹም ይናፍቑ እዮም።
15ስለ እቲ ኽንገር ዘይከኣል ውህብቶኡ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን።