1ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን፥ ምስቶም ኣብ ኵላ ሃገር ኣካይያ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳንን።
2ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
3እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምፅንናዕን ዝኾነ፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን እግዚኣብሄር ይባረኽ።
4በቲ ንባዕልትና ኻብ እግዚኣብሄር እንፀናንዐሉ ምፅንናዕ፥ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዅላቶም ክነፀናንዕ ምእንቲ ኽከኣለና፥ ብመከራና ዅሉ ዘፀናንዐና ንሱ እዩ።
5ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ኣባና ዝበዝሕ፥ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ምፅንናዕና ኽበዝሕ እዩ።
6ንሕና መከራ እንተ ተቐበልና፥ ምእንቲ ምፅንናዕኹምን ምድሓንኩምን እዩ፤ ንሕና እንተ ተፀናኒዕና ድማ፥ ንሕና እንቕበሎ ዓይነት መከራ እንትትቅበሉ፥ ብትዕግስቲ ብምቕባል፥ ፀኒዕኹም ምእንቲ ኽትፀናንዑ እዩ።
7ከምቲ ኣብ መከራና ተኻፈልቲ ዝኾንኩም፥ ኣብ ምፅንናዕናውን ከም እትካፈሉ ስለ እንፈልጥ፥ እታ ኣባኻትኩም ዘላትና ተስፋ ፅንዕቲ እያ።
8ኣሕዋትና፥ ኣብ እስያ ዝረኸብናዮ መከራ ኽትፈልጡ እደሊ። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝኸበደና፥ ንህይወትና ቐቢፅናያ ነበርና።
9እወ፥ ንምዉታት ብዘተስእ እግዚኣብሄር እምበር፥ ብርእስና ምእንቲ ኸይንተኣማመን፥ ንሕና ባዕልትና ሞት ከም ዝተፈረደና፥ ኣብ ውሽጥና ይስመዐና ነይሩ።
10ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና።
11ንስኻትኩም ከዓ ብፀሎትኩም ክትድግፉና ይግባእ፤ በቲ ናይ ብዙሓት ፀሎት እንረኽቦ ውህብቶ ፀጋ ድማ፥ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።
12ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና።
13ብዘይ እቲ እተንብብዎን እተስተውዕልዎን፥ ካልእ ኣይንፅሕፈልኩምን ኢና፤ ሕዚ ብሓደ ወገን ኢኹም እትፈልጡና። በታ ጐይታና ኢየሱስ ዝመፀላ መዓልቲ ግና፥ ከምቲ ንስኻትኩም ትምክሕትና ዝኾንኩም፥ ንሕናውን ትምክሕትኹም ከም ዝኾንና፥ ኣፀቢቕኩም ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
15በዙይ ርግፀኛ ስለ ዝነበርኩን፥ ድርብ ጥቕሚ ምእንቲ ኽትረኽቡን፥ ብመጀመርታ ናባኻትኩም ክመፅእ ደልየ ነይረ።
16በኣኻትኩም ኣቢለ ኸዓ፥ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፥ እንትምለስ ድማ ኻብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ንስኻትኩም ድማ ዘድልየኒ ሓጊዝኩም፥ ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ።
17ከምዙይ ኢለ ኽውስን እንተለኹ፥ ቅዉም ሓሳብ ስለ ዘይብለይ ድየ? ወይ “እወ፥ እወ” ኽብል ፀኒሐ “ኣይኮነን፥ ኣይኮነን” ብዝብል ልማድ እዛ ዓለም፥ ዝምራሕ ስለ ዝኾንኩ ድየ?
18እግዚኣብሄር እሙን ከም ዝኾነ ዝነገርናኩም ቃልና “እወን” “ኣይኮነን” ኣይነበረን።
19እቲ ብኣይን ብስልዋኖስን(ሀ) ብጢሞቴዎስን፥ ኣባኻትኩም ዝሰበኽናዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር “እወን” “ኣይኮነን” ኣይነበረን፤ ብእኡ ዅልሻዕ “እወ” እዩ እምበር።
20ብእግዚኣብሄር ተውሂቡ ዘሎ ዅሉ ተስፋ “እወ” ዝኸውን ብክርስቶስ እዩ፤ ስለዙይ ከዓ እዩ ንኽብሪ እግዚኣብሄር “ኣሜን” እንብል።
21እቲ ንኣና ምሳኻትኩም ብክርስቶስ ዘፅንዐናን፥ ዝቐብአናን እግዚኣብሄር እዩ።
22ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።
23እቲ ናብ ቆሮንቶስ ዘይምምፃአይ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዝራህራህኹልኩም ከም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
24ብእምነት ፀኒዕኹም ስለ ዘለኹም፥ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንሰርሕ ደኣ ኢና እምበር፥ ኣብ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኮንናን።